ኮሮናቫይረስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሆስፒታል ወጺኡ

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሶን፡ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ ኣብ ሆስፒታል ጽኑዕ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ካብ ሆስፒታል ከምዝወጽኣ ቤት-ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

ወዲ 55 ዓመት ቦሪስ ጆንሰን፡ እቲ ሕማም ምስ በርተዖ፡ ኣብ ከተማ ሎንደን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ቅዱስ ቶማስ ጽኑዕ ሕክምናዊ ምክትታል ክግበረሉ ጸኒሑ።

ንሱ፡ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዘስዓቦ ሕጽረት ምስትንፋስን ቃንዛን፡ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ብሓገዝ ቨንቲለተር ኣክስጅን ክወሃቦ ጸኒሑ።

ንሱ፡ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ከምዘዕርፍን ናብ ስራሕ ቀልጢፉ ከምዘይምለስን ቤት-ጽሕፈቱ ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶሚኒክ ራብ፡ መንግስቲ ክመርሕ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ።

ኣብታ ሃገር፡ ቍጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 78,991 ከምዝበጽሐን: ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ ሎሚ ሰንበት 10,000 ክኣቱ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ክትሓርስ ትቀራረብ ዘላ መጻምድቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካሪ ሲሞንድ፡ ነቶም ሕያውነትን ሓልዮትን ዝመልኦ መልእኽቲ ዝለኣኹን ሰባት ኣመስጊና። ነቶም ኣብ ጽኑዕ ኩነታት ዘለው ሰባት ድማ ሰናይ ምንዮታ ገሊጻ።

ንሳ፡ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምርኣያ፡ ርእሳ ገሊላ ትርከብ።