ብኮሮናቫይረስ ተታሒዛ ኣብ መወሸቢ እትርከብ ኣደ፡ ጓል ተገላጊላ

ምንጪ ስእሊ, Dr Yaneu Ngaha
ኣብ ካሜሩን - ከተማ ያውንዴ ንክትትል ሕክምና ኮሮናቫይረስ ኣብ መወሸቢ (ፈሊኻ መጽንሒ) እትርከብ ኣደ ጓል ከምዝተገላገለት ቢቢሲ ካብቲ ንሳ ዘላትሉ ሆስፒታል ዘዘራረቦ ዶክተር ሓቢሩ።
19 ዓመት ዝዕድሜኣ ማሬ፡ ብሰላም እንተተገላገለት'ኳ ካብታ ዝወለደታ ህጻን ክትፍለ ተገይሩ'ሎ።
እታ ኣደ፡ ኦክስጅን ብዝህብ መሳርሒ ተሓጊዛ እናተሓከመት እንከላ እዩ ሕርሲ ጀሚርዋ።
"ነቲ ዝነበረትሉ መደቀሲ ክፍሊ ምስኣመቻቸናላ ነቲ ኦክስጂን እናወሰደት ወሊዳ" ኢሉ ኣብ ማእኸላይ ሆስፒታል ያውንዴ በዓል ሞያ ጥዕና ደቂኣንስትዮ፡ ዶክተር ያነዩ ጋህ ቦንጃ።
እታ ህጻን መዓልታ ከይኣኸለ ዝተወለደት ኮይና፡ 2.1 ኪሎ ግራም ትምዘን። እታ ህጻን ሙቐት እናረኸበት ናብ እትጸንሓሉ ክፍሊ ክትኣትው ተገይሩ'ሎ።
ብኮሮናቫይረስ ምትሓዛን ዘይምትሓዛን ግን ውጽኢት ምርመርኣ ገና ኣይተፈለጠን ዘሎ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ፡ ናይ ኣዲኣ ጸባ ጡብ ክትጠብው ይግበር ኣሎ።
ማሬ ዝግበረላ ክትትል ሕክምና ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ወለዳ'ውን ክሓትዋ ኣብ ዘይፍቀደሎም ኩነታት ስለዘለዉ ኣብ ብሕታውነት ከም እትርከብ እቲ ዶክተር ተዛሪቡ።
"ማሬ ብሰላም ክትገላገል ብምኽኣላ ዕድለኛታት ኢና" ኢሉ ዶክትር ያነዩ። በቲ ቫይረስ ዝተትሓዛ ነብሰ ጾር ኣዴታት ከኣ ክጭነቓ ከምዘይብለን ምዒዱ።
ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ካሜሩን፡ 658 ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣለውዋ፡ 9 ድማ በቲ ሕማም ሞይቶም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







