እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብህጹጽ እሱራት ክፈትሕ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዓ
ኤርትራ፡ ንሓደጋ ለበዳ ኮቪድ_19 ንምክልኻል ኣብታ ሃገር ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ቀሊል ገበናት ጌሮም ዝተኣስሩን፡ ከምኡ'ውን ብዕድመ ዝደፍኡን ተነቀፍቲ እሱራትን ብህጹጽ ክትፈትሕ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ተኸታታሊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸዊዓ።
ዳኒኤላ ክራቨዝ፡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ልዕሊ ዓቕመን ዝሓዛን፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከባ ምዃነን እሱራት ነቲ ቫይረስ ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቓ።
እታ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ቡዙሓት ኤርትራውያን ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ከምዘሎ ብምብራህ፡ ጉዳይ ናይታ ጽባሕ ዓርቢ መበል 23 ልደታ ኣብ ቀይዲ እተብዕል ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ከም ኣብነት ጠቒሳ።
ኣብ 2019 ጥራይ፡ ኣስታት 200 ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ሓቢራ።
"ሰብመዚ ኤርትራ፡ ነቶም ብዘይሕጋዊ መሰረት ተኣሲሮም ዘለዉ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብህጹጽ ክፈትሑ እጽውዕ" ኢላ።
ሲሃም፡ ጓል እቲ ብደረጃ ሚኒስተር ዜና ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን ኣብ 2013 ንመንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ራሕሪሑ ዝሃደመን'ያ።
ንሱ፡ ካብ ሃገር ድሕሪ ምውጽኡ ድማ፡ ንሳ'ውን ካብታ ሃገር ክትወጽእ ፈቲና ብዝብል ንዓመታት ኣብ ቀይዲ ኣትያ ትርከብ። ከም ልሙድ ዶብ ክሰግሩ ዝተታሕዙ መንእሰያት ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ማእስርቲ ከምዝወጹ ይፍለጥ።
ክራቨዝ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት፡ ብዙሓት እሱራት ብሰንኪ ስእነት ኣገልግሎት ጥዕና፡ ስእነት መግብን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ኣብ ኣብያተ ማእስርቲ ከምዝሞቱ'ውን ገሊጻ።