መራሕቲ ኣፍሪቃ ''ሮበርት ሙጋበ ነዛ ኣህጒር ደፊሩ ብምክልኻል ንዘልኣለም ክዝከር'ዩ''

ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝነውሐ ናይ ስልጣን ግዘ ዘሕለፈ ፕረዚደንት ዙምባብወ ሮበርት ሙጋበ፡ ትማሊ ኣብ መበል 97 ዓመቱ ዓሪፉ።

ናይ ፖለቲካ ተነሓናሕቲ ቅድሚ ምኻኑ ኣማኻሪኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ዙምባብወ ኢመርሰን ምንጋግዋ፡ "ብሞት ሙጋበ ዝተሰምዐኒ ዓሚቕ ሓዘን ንስድራ ሙጋበ ይገልጽ" ድሕሪ ምባል፡ "ንሃገርና ተወፋይነትን ፍቕርን ዘምሃረ ብምዃኑ፡ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ሃገራዊ ጀግና ኢሉ ሰይሙዎ ኣሎ" ኢሉ።

ስነ ሰርዓት ቐብሪ ሙጋበ ክሳብ ዘፍጸም ዝጸንሕ ናይ ሓዘን መዓልታት ኣብታ ሃገር ዝተኣወጀ ኮይኑ፡መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለው።

ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ጉድላክ ጆናታን፡ "ዓብዪ ሃገራዊ" ከምኡ ድማ "ምልክት ሓርነት ዙምባብወ" ክብል ገሊጹዎ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ናይጄሪያ ሙሓመድ ቡሃሪ ብወገኑ፡ ሮበርት ሙጋበ "ንዝበዝሓ ክፋል ህይወቱ ንህዝቢ ዘገልገለ ሰብ'ዩ" ብምባል መጒስዎ።

ኣብ ኬንያ'ውን፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ሰኑይ ጸሓይ ዕራርቦ፡ ኣብ መብዛሕትኦም ህዝባዊ ትካላት፣ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈታትን ማእከላት ሓይሊ ባሕርን፡ ንኽብሪ ፕረዚደንት ሙጋበ፡ ባንዴራ ኬንያ ትሕት ኢላ ክስቀል'ያ።

ፕረዚደንት ኬንያ፡ "ረብሓ ኣፍሪቃ ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ወሳኒ ተራ ዝነበሮ ተቓላሳይ ናጽነት" ክብል'ዩ ሞጒስዎ። ብቋንቋ ስዋሂሊ ኣብ ትዊተሩ ዝጸሓፈ ፕረዚደንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ ድማ፡ " ካብ ኣፍሪቃ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብግብሪ ዝተኸላኸለ ሓደ ተባዕ መራሒ ስኢና" ክብል ጽሒፉ።

"ብቑዕ ኣፍሪቃዊ" ፕረዚደንት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ነበር ጆሴፍ ካቢላ ንሙጋበ ንምግላጽ ዝተጠቐመሉ ቃል'ዩ።

ኣብ 1998፡ ሙጋበ ብሩዋንዳን ኡጋንዳን ዝድገፉ ዝነበሩ ሓይልታት ንምውጋእ ዝሕግዙ ወተሃደራት ናብ ወላዲ ኣቦ ካቢላ ላውረንት ልኢኹ ነይሩ።

ፕረዚደንት ዛምቢያ ኤድጋር ሉንጉ ድማ፡ ሙጋበ "ነዛ ኣህጒር ደፊሩ ብምክልኻል" ንዘልኣለም ክዝከር'ዩ ኢሉ።

ኣብ 2008 ምስ ስድርኣ ካብ ዚምባብወ ሃዲማ ዝወጽአት ተዓዋቲት ሽልማት ጸሓፊት ኖቩዮ ሮዛ ቲሹማ ግን፡ ሞት ፕረዚደንት ዙምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ ዕረፍቲ'ዩ ኢላ።

"ክሕሱ ኣይደልን፤ ስድራይ ሕጉሳት'ዮም። ደበስ'ውን እንተዘይኮነ፡ ብዙሓት መሓዙተይን ካልኦት ዝፈልጦም ሰባትን'ውን ብሞት ሙጋበ ሕጉሳት'ዮም" ኢላ።

ኣሽሓት ተቓወምቲ ሙጋበ ተቐቲሎምሉ ኣብ ዝበሃል ጨፍጫፍ ጉኩራሁንዲ 1980፡ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ዘተኮረ ዛንታ ዘዘንቱ "House of Stone" ዝብል መጽሓፋ እትፍልጥ ኮይና፡ "ዋላ'ኳ ዘሕዝን እንተኾነ፡ ብመንጽር መብዛሕትና ዝሓለፍናዮን ዝተሰደድናዮን ሞቱ ዕረፍቲ'ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ጸሓፍን በዓል ሞያ ሕጊ መሰላትን ዙምባብወ ዝነበረ ፒተር ጎድዊን ድማ፡ ሙጋበ ምስ ሞተ ዝግለጸሉ ዘሎ መገዲ ልክዕ ኣይኮነን ኢሉ።

"ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ዓመጽ ዝጥቀም ዝነበረን ብዝግባእ ዝተገልገለሉን'ዩ" ዝበለ ፒተር፡ "ሙጋበ ኣብ ክንዲ ዲሞክራሲ ኣብ ስልጣን ባህጊ ዝነበሮ ሰብ'ዩ" ኢሉ።

ብቐጥታ ንመሪሕነቱ ዘይቕበሉ ዝነበሩ ሰባት ንሙጋበ ዝርእዩሉ መነጽር ካብቲ ዝበሃል ዘሎ ዝተፈለየ'ዩ ይብል እዚ ጸሓፊ።

"እቶም ናቱ [ተገዛእቲ ዝብሎም] ዝነበሩ ሰባት መብዛሕትኦም ንነዊሕ ዓመታት ክኣልዩዎ ዝጽዕሩ ዝነበሩ'ዮም። ሓንሳእ ምስ ከደ ግን ካብቶም ኣብ ትሕቲ ግጉይ ምሕደራ ክነብሩ ዘይግብኦም ሰባት ከይተረፈ፡ ምስክር ፓን ኣፍሪቃ'ዩ ዝብል መግለጺ ይወሃቦ ኣሎ" ኢሉ።