እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግሬስ ሙጋቤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ትእዛዝ ማእሰርቲ ወጺእዋ
ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዓቀብቲ ሕጊ፡ ንቀዳመይቲ እመቤት ዙምባብዌ ነበር ግሬስ ሙጋቤ ንምእሳር ትእዛዝ ኣውጺኦም።
ግሬስ ሙጋቤ ኣብ 2017 ንሓንቲ ሞዴል ስለዝወቕዐት እዚ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከም ዝወጽአ ፖሊስ ገሊጹ።
ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ግሬስ ሙጋቤ ከም ዲፕሎማሰኛ ዘለዋ ናይ ዘይምእሳር መሰል ቤት ፍርዲ ኣልዒልዎ እዩ።
ግሬስ ሙጋቤ ኣብ ሓደ ሆቴል ነታ ሞዴል ወቒዓታ ድሕሪ ምብሃሉ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብቲ ዓዲ ክትወጽእ ስለ ዘፍቀደላ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።
እታ ገብርኤላ ኤንጅልስ ዝተባህለት ሞዴል፡ ግሬስ ሙጋቤ ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ብገመድ ኤሌክትሪክ "ኣዝያ" ከም ዝቐጥቀጠታ እያ ትኸሳ።
ግሬስ ሙጋቤ ድማ ኣብቲ ክልተ ኣወዳት ደቃ ዝነብርሉ ሆቴል፡ እታ ሞዴል ክተጥቅዓ ከም ዝፈተነትን ንርእሳ ከም ዝተኸላኸለትን እያ ትገልጽ።
ፖሊስ፤ ትእዛዝ ማእሰርቲ ግሬስ ሙጋቤ ዝሓለፈ ሓሙስ ከም ዝወጽኣ ተዛሪቡ።
ስድራ ሙጋቤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝውንንዎም ንብረታት ኣለውዎም።
እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ መውቃዕቲ፡ ሮበርት ሙጋቤ ብወተሃደራት ዙምባብዌ ካብ ስልጣኑ ከይተኣለየ ዘጋጠመ እዩ።
ኣብ ጆሃንስበርግ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ ነይሩ?
ኣብ 2017፡ ግሬስ ነታ ሞዴል ምስ ክልተ ደቃ ሮበርትን ቻቱንጋን እያ ኣብ ሆቴል ረኺባታ።
እታ ቀዳመይቲ እመቤት ነበር፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ንሕክምና እያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዳ ነይራ።
እታ ሞዴል፡ ኣብ ርእሳ ንዘጋጠማ መውቃዕቲ ስኢላ ኣብ ኢንተርኔት ዘርጊሓቶ።
"መጀመርታ ክትኣቱ እንከላ መን ምዃና ኣይፈለጥኩን ነይረ" ክትብል ኣብቲ ሽዑ እዋን ንቴሌቪዥን 'ኒውስ24' ተዛሪባ ነይራ።
"ገመድ ኤሌክትሪክ ሒዛ መጺኣ ክትቅጥቅጠኒ ጀሚራ" ድማ ትብል።