እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣን ወሪዱ
ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ሎሚ ኣመስያኡ ካብ ስልጣን ከም ዝወረደ፡ ኣፈኛ ባይቶ ዚምባብወ ጃኮብ ሙደንዳ ገሊጹ።
እቲ ካብ ሚስተር ሙጋበ ዝተላእከ ደብዳቤ፡ ሰልጣን በዘይ ጸገም ንምስግጋር ባዕሉ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምዃኑ ዝብል ትሕዝቶ ከምዝርከቦ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
እቲ ሃንደበት ዝወጸ መግለጺ፡ ነቲ ባይቶ ካብ ስልጣኑ ንምውራድ ዝገብሮ ዝነበረ ኣኼባ ኣቋሪጽዎ ኣሎ።
ኣባላት እቲ ባይቶ ነቲ ዜና ምስ ሰምዑ ብሓጎስ ጨዲሮም። ህዘቢ ከተማ ሃራረ'ውን ድሮ ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ብምውጻእ ሓጎሱ ክግልጽ ጀሚሩ'ሎ።
ዋላኳ ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣን ተቖጻጺርዎ እንተቐነየን፡ ህዝቢ'ውን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ክጸውዕ እንተጸንሐ፡ ፕረዚደንት ነበር ሙጋበ፡ ክሳብ ሕዚ ካብ ስልጣኑ ከይወርድ ሓንጊዱ'ዩ ጸኒሑ።
ሚስተር ሙጋበ፡ ካብቲ እታ ሃገር ናጽነታ ዝኣወጀትሉ 1980 ኣትሒዙ'ዩ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ።
ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ሰራዊት እታ ሃገር ኢዱ ብምእታዉ ከም ዘደስከሎን፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ሰልፊ ኻኣ ኣንጻሩ ከም ዝተላዕለን ክግለጽ ቀንዩ ነይሩ።