ሶማሊያ ካብ ቐጠር ናይ ውግእ ተሽከርከርቲ ብሓገዝ ረኺባ

ሰራዊት ሶማሊያ ኣብ ስትድየም ሞቓዲሹ

ምንጪ ስእሊ, MOHAMED ABDIWAHAB/AFP/Getty Images

ሰራዊት ምክልኻል ሶማሊያ ካብ መንግስቲ ቐጠር ዝተለገሳ 68 ድሩዓት መካይን ትማሊ ከም ዝተረከበ፡ ጉብጁግ ዝተበሃለ ናይ ብሕቲ ወኪል ዜና ሶማሊያ ፀብፂቡ።

ሚንስተር ሰራዊት ምክልኻል ሶማሊያ ሓሰን ዓሊ ሞሓመድን ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ምኽልኻል እታ ሃገር ዳሂር ኣደን ኤልሚን፡ ትማሊ ኣብ ሞቃዲሹ ኣብ ዝተገብረ ሓፂር ምድላው ነተን ድሩዓት መካይን ተረኪቦም።

ኣገልግሎት ዜና ጉብጁግ፡ እተን ተሽከርከርቲ፡ ሶማሊያ ኣንፃር ኣልሸባብ ንእተካይዶ ቃልሲ ንምሕጋዝ ከም ዝተለገሳ፡ ንሰብ መዚ ቐጠር ብምርቋሕ ገሊፁ።

ቐጠር ንዝገበረቶ ሓገዝ ካብ ሚንስተራት ሶማሊያ ምስጋናን ናእዳን ከም ዝቐረበላ'ውን ኣዘኻኺሩ'ሎ።

ጉብጁግ ኣብ ትዊተር ዝዘርግሖ ዜና እተን መካይን ካብ ወደብ እናተንቀሳቐሳ የርእይ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊያን ላዕለዎት ሓላፍቲ ሰራዊት ቐጠርን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሞቃዲሹ ተራኺቦም ምባሮም'ውን እቲ ፀብፃብ ወሲኹ ሓቢሩ።

ቐጠር ሓንቲ ካብተን ንፌደራል መንግስቲ ሶማሊያ ዝሕግዛ ሃገራት ከም ዝኾነት ይእመን።