እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማሊያ ካብ ቐጠር ናይ ውግእ ተሽከርከርቲ ብሓገዝ ረኺባ
ሰራዊት ምክልኻል ሶማሊያ ካብ መንግስቲ ቐጠር ዝተለገሳ 68 ድሩዓት መካይን ትማሊ ከም ዝተረከበ፡ ጉብጁግ ዝተበሃለ ናይ ብሕቲ ወኪል ዜና ሶማሊያ ፀብፂቡ።
ሚንስተር ሰራዊት ምክልኻል ሶማሊያ ሓሰን ዓሊ ሞሓመድን ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ምኽልኻል እታ ሃገር ዳሂር ኣደን ኤልሚን፡ ትማሊ ኣብ ሞቃዲሹ ኣብ ዝተገብረ ሓፂር ምድላው ነተን ድሩዓት መካይን ተረኪቦም።
ኣገልግሎት ዜና ጉብጁግ፡ እተን ተሽከርከርቲ፡ ሶማሊያ ኣንፃር ኣልሸባብ ንእተካይዶ ቃልሲ ንምሕጋዝ ከም ዝተለገሳ፡ ንሰብ መዚ ቐጠር ብምርቋሕ ገሊፁ።
ቐጠር ንዝገበረቶ ሓገዝ ካብ ሚንስተራት ሶማሊያ ምስጋናን ናእዳን ከም ዝቐረበላ'ውን ኣዘኻኺሩ'ሎ።
ጉብጁግ ኣብ ትዊተር ዝዘርግሖ ዜና እተን መካይን ካብ ወደብ እናተንቀሳቐሳ የርእይ።
ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊያን ላዕለዎት ሓላፍቲ ሰራዊት ቐጠርን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሞቃዲሹ ተራኺቦም ምባሮም'ውን እቲ ፀብፃብ ወሲኹ ሓቢሩ።
ቐጠር ሓንቲ ካብተን ንፌደራል መንግስቲ ሶማሊያ ዝሕግዛ ሃገራት ከም ዝኾነት ይእመን።