እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማል ኣልሸባብ፡ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ
እስላማዊ ዕጡቓት ኣልሸባብ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡኽ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል፡ ብጠበንጃን ነታጉን መጥቃዕቲ ኣካይዶም።
ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሞቓድሾ ኣብ ትርከብ ከተማ ቡላማረር፡ ክልተ (2) መኻይን እቲ ዓቃቢ ሰላም ከምዘቃፀሉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ገሊፆም።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ዝፀንሐ ፅዑቕ ተኹሲ ከምዝሰምዑ ሓቢሮም።
ዛጊድ በዚ መጥቃዕቲ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከምዝሞቱ ዝተገለፀ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፡ ወተሃደራት እቲ ዓቃቢ ሰላምን መንግስቲ ሶማልን፡ ነዚመጥቃዕቲ ኣብ ዝከላኸልሉ እዋን ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ይገለጽ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ፀጥታ ሶማሊያ ዓብዱልዓዚዝ ዓሊ ኢብራሂም ዚበዲን ንቢቢሲ ከምዝገለፅዎ፡ ልዕሊ 20 ዕጡቓት ኣልሸባብ ተቐቲሎም።
"ኣብዚ መጥቃዕቲ መሰረት ክረኽቡ ዝኽእልሉ ኩነታት ኣይነበረን። ብርክት ዝበለ መሳርሒ ኲናትን ተተኮስትን ማሪኽና ኢና" ኢሎም።
54 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዕብየትን ሰላምን ንምስፋን ዝሰርሕትካል እዩ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዕጡቓት ኣልሸባብ ተቖፃፂሮመን ዝነበሩ ከተማታት ሶማሊያ ስኢኖም እዮም።
ይኹን እምበር ኣልሸባብ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሞቃዲሾን፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ዓቃቢ ሰላምን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምፍናው ኣየቋረጸን።