ኮምሽን መረጻ ኬንያ ግልጽነት ዝጎደሎ መስርሕ ምኽታሉ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ኮምሽን መረጻ ኬንያ ዳግመ መረጻ ፕሬዚደንት እሁሩ ኬንያታ ምንጻጉ ወቒሱ።
ደያኑ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሎምዓንቲ ኣብ ዘካየድዎ መጋባእያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ፕሬዚደንታዊ መረጻ 'ግልጽነት ዝጎደሎን ዘይንጹርን' ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ኮምሽን መረጻ እታ ሃገር፣ ውጽኢት መረጻ፡ ቅድሚ ንህዝቢ ዕላዊ ምዃኑ ከመዘየረጋገጾ ምክትል ሓላፊት ፍትሒ ኬንያ ፊሎመንያ ምዊሉ ገሊጸን።
ብመሰረት ውጽኢት ናይቲ ዝሓለፈ መረጻ ፕሬዚደንት እሁሩ ኬንያታ 54%፡ ተወዳዳሪኦም ራይላ ኢዲንጋ ድማ 44% ድምጺ ረኺቦም ምንባሮም ዝዝከር'ዩ።
መራሒ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ናሳ ዝኾኑ ራይላ ኦዲንጋ፣ ኮምሽን መረጻ ኬንያ ሕጋዊ መንገዲ ኣይተኸተለን፤ ብሓፈሻ ተዓሚጸ'የ ብምባል ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘምርሕዎ ዝፍለጥ'ዩ።
እቲ ኮምሽን መረጻ ዝተኸተሎ ስርዓተ ኤሌክትሮኒክስ፡ ንቤት ፍርዲ ከነጽር ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ እቲ ብራይላ ኦዲንጋ ዝቐረበ ክሲ ሓቅነት ከይሃለዎ ከምዘይተረፍ ሓላፊት ፍትሒ እታ ሀገር ፊሎመንያ ሚዊሉ ኣረጋጊጸን።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







