ብድሕሪ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ ዘሎ እንታይ እዩ?

ሰብ መዚ ክልል ኣምሓራ ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ምዃኑ ብዝገለጽዎ ስርሒት ኣብቲ ክልል ልዕሊ 4,500 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተው ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ገሊጾም።

እቲ ስርሒት ቅድሚኡ ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ፡ ብውልቆም ብረት ዝሓዙ ሰባት ክምዝገቡ ብዝሓትት ኣዘራራቢ መምርሒ እዩ ጀሚሩ።

ፕረዚደንት እቲ ክልል ይልቃል ከፍኣለ፡ ንኣድላይነት እቲ ስጉምቲ ከብርህ ከሎ፡ ከተማታት ኮነ ገጠራት መጫጭሒ ‘ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ናይ ዘይሕጋውያን ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ዕጡቓት ሰባት’ ኮይነን ከምዘለዋን ንድሕነት ህዝቢ ስግኣት ዝፈጥር ምዃኑን ተዛሪቡ።

እቲ ስርሒት ግና ከምቲ ዝተደለየ ርጉእ ኣይነበረን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ግጭት ንምልዕዓል ጠንቂ ኮይኑ እዩ። ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ሞጣ፡ መርዓውን ወልድያን ንኣምሓሩ ከምዝቐተሉ ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይኸሱ። ማእሰርቲ ግና ከምዝቐጸለ ይግለጽ።

መን እዩ ተኣሲሩ?

ሓደ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው፡ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ፌደራል ዝተሰለፈ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ዝነበረ ብሪጋደር ጀነራል ተፈራ ማሞ እዩ።

ተፈራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስትን ምስኡ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ዓወታት የመዝግቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ኣብ ወርሒ ሓምለ እዩ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ኮይኑ ተሸይሙ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ መንግስቲ ነቲ ማዕበል ክቕልብስን ንሓይልታት ትግራይ ካብ ዝበዝሐ ዝሓዝዎም ከባቢታት ክደፍእን ተራእዩ።

ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ግና ተፈራ ካብ መዝነቱ ክእለይ እንከሎ ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ብምቕራብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘለዎ ነቐፌታት ተዛሪቡ።

ኣብ ወሽጢ እዚ ሰሙን ብውሕዱ ዓሰርተ ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ ጸብጻባት የርእዩ። ካብዚኦም እቶም ክልተ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቲ መንግስቲ ብምንቃፍ ዝፍለጡ ወሃብቲ ርእይቶ ክኾኑ እንከለው፡ መንግስቲ ድምጺ ንምዕፋን ዝገብሮ ዘሎ ስጉምቲ ከይኸውን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ጃምላዊ ማእሰርቲ ክኹንን እንከሎ ብዘይ ትእዛዝ ቤትፍርዲ ክንደይ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣትው፡ ኣበይ ከምዘለው ብግልጺ ከምዘይፍለጥን ገሊኦም ብኣባላት ስድራቤቶም ክብጽሑ ከምዘይክእሉን ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ካብ መንጎ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው እቶም 210 ከም ቅትለት ብዝኣመሰለ ገበናት ተኸሲሶም ክድለዩ ዝጸንሑ ምዃኖም ሓላፊ ቤትጽሕፈት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ደሳለኝ ጣሰው ገሊጹ።

ልዕሊ 40 ዝኾኑ ከኣ ካብ ቤትማእሰርቲ ሃዲሞም ዝነበሩ ከምዝኾኑን “ኣብ መንግስታውን ጸጥታውን መዋቕራት ኮይኖም ኣብ ገበናት ክሳተፉ ዝጸንሑ” ዝበሎም ሰባት’ውን ከምዝርከብዎም ተዛሪቡ።

ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ነቐፍቲ ግና፡ እቲ ስጉምቲ ገበናት ንምግታእን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብን ዘይኮነ ነቲ ብፋኖ ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ መንእሰያት ንምቁጽጻር ዝግበር ሰፊሕ ፈተነ ምዃኑ ይገልጹ።

ፋኖ መን እዩ?

ፋኖ ጉጅለ መንእሰያት ኣምሓራ ኮይኑ፡ ፈለማ ኣብቲ ኣብ 2017 ኣንጻር መንግስቲ እናሓየለ ይመጽእ ኣብ ዝነበረ ምንቅስቓስ እዩ ተቐልቂሉ።

ኣብቲ እዋን ፋኖ ምስ’ቶም ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝነበሩ መዘናኦም ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ስልጣኑ ክሓድግን ኣቢይ ኣሕመድ ክትክኦን ደሪኾም እዮም።

ኣብ 2018 ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ኣብዝነበሩ ገለ ኣዋርሕ፡ ኣብቲ እዋን ዕጡቕ ዘይነበረ ምንቅስቓስ መንእሰያት ፋኖን መዘናኡ ምንቅስቓስ መንእሰያት ክልል ኦሮምያ፡ ቄሮን ናይቲ ለውጢ ኣሳለጥቲ ምንባሮም ይንገር ነይሩ።

እንተኾነ ግና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ንዝነብሩ ውሑዳን ኣምሓሩ ዒላማ ዝገበረ ዓሌታዊ መጥቃዕትታት እናዛየደ ምስ መጸ፡ መንግስቲ ክከላኸለሎም ከም ዘይኽእል ወይ ድልየት ከምዘይብሉ ዝገልጽ ስምዒታት ኣብ መንእሰያት ክዓቢ ተራእዩ።

እዚ ድማ ኣብቲ መንግስቲ ዘይምትእምማን ከዛይድ እንከሎ ብዙሓት ብረት ክዓጥቑን ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ፋኖ ክውደቡን ጌሩ።

ሓደ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ፋኖ ዝኾነ ዘመነ ካሴ ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ንኣምሓሩ ንምክልኻል” ንገዛእ ርእሶም ክውድቡን ክዓጥቁን ኣገዳሲ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ተዛሪቡ።

እቲ ቅድሚ 19 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተወልደ ኲናት ሓድሕድ ነዚ መስርሕ ከቀላጥፎ እንከሎ ኣብ መንጎኦምን እቲ መንግስትን ምትሕብባር ክፍጠር ኣኽኢሉ እዩ።

እቲ ኲናት፡ መንእሰያት ገዛእ ርእሶም ክውድቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝእምት ኩነታት ክፈጥር እንከሎ መንግስቲ’ውን እቶም መንእሰያት ብረት ክሕዙ ዝተሓባበሮም ይመስል።

“ንጠበንጃ ጸጥ ከብሎ ዝኽእል ፍትሒ እዩ፡” ዝብል ዘመኔ “ሓደ ጨቋኒ እቲ ካልእ ተጨቋኒ ኣብ ዝኾነሉ ዓለም ኩሉ ግዜ ጠበንጫ ኣማራጺ ክኸውን እዩ” ኢሉ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ቃለ መሕትት።

ጉጅለታት ፋኖ ዝተፈላለዩ ከቢድ ግህሰት መሰላት ብምፍጻም ይኽሰሱ እዮም።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻብ ፋኖን ካልኦት ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምጽጻይ ዓሌት ከምዝፈጸሙ ከሲሶም።

ገለ ካብ’ቶም ጉጅለታት ጭውያ ብዝርከቦም ካልእ ገበናት ተኸሲሶም እዮም።

ስለምንታይ ሕጂ?

ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ስርሒት ምኽባር ሕጊ ይፍጽሙ ከምዘለው ዝገልጹ ዘለው ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓለፍቲ ክልል ኦሮምያ ኣንጻር ተዋጋእቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንሓደ ወርሒ ዝዘልቕ ወፍሪ የበግሱ ከምዘለው ሓቢሮም።

እቲ ወፍሪ መጥቃዕትታት ደሮን ከምዘካትት’ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ድሕሪ ዝተገብረ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ እናሃድአ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። በዚ ድማ መንግስቲ ኣተኩሮኡ ናብቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ካልኦት ዕጡቓት ዝርከቡሉ ክልተ ዝዓበዩ ክልላት እታ ሃገር (ኦሮምያን ኣምሓራን) ዘበለ ይመስል።

እንተኾነ ግና ኣብ መንጎ እቲ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ የሎን።

ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣብ ኲናት ዝርከቡ ወገናት ዝግበር ስምምዕ ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣሰሓሓቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘልዕል ምስ ዝኸውን፡ ኣብ ኣምሓራ ብጥርጣረ እዩ ክርአ።

ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ኣምሓራ እዩ ዝርከብ። ስለዚ እቶም ሰብ መዚ ተቓውሞታት ምጉዳል ኣድላዪ ኮይኑ ተራእይዎም ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ናይ ሕጂ ስርሒት ግጭት እንተወሊዑ ግና፡ ነታ ብሰንኪ ግጭታትን ድርቅን ኣብዚ ዓመት 20 ሚልዮን ካብ ዜጋታታ ተጸበይቲ ረድኤት ከምዝኾኑ ብሕቡራት ሃገታት ዝንገረላ ዘሎ ሃገር ሕማቕ ዜና ክኸውን እዩ።