ናፅነት ሚድያ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝፍፀም ዘሎ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ከምዘሻቐላ ገሊፃ

መንግስቲ ኣመሪካ ብኹነታት እቲ ሎሚ ቕነ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝፍፀም ዘሎ ዝግለፅ ጃምላዊ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ከምዝተሻቐለ ሓቢሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓፂር ሓበሬታ "በቶም ዝወጽኡ ዘለዉ ፀብፃባት ጃምላዊ ማእሰርቲ ኣሜሪካ ተሻቒላ" ኢሉ።

ማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ብጃምላ ይፍጸም ምህላዉ ዘመልክቱ ሓበሬታታት ይዝርግሑ ምህላዎም ዘመልከተ እቲ ኤምባሲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ንዝቐረበ ፃውዒት ከምዝድግፍ ገሊፁ'ሎ።

"ፌደራል መንግስቲን ሓይልታት ፀጥታ ክልላትን ግቡእ መስርሕ ክኽተሉን ልዕልና ሕጊ ክኽበርን ብዝብል ነቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ፃውዒት ንድግፍ" ይብል ሓፂር መግለፂ ኤምባሲ አመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ።

መዓዝን ኣበይን ከምኡ ድማ በዓል መን ተኣሲሮም ዝብል ግን ኣብቲ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣየነፀረን።

ኢሰመኮ እንታይ ኢሉ ነይሩ?

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ብዘይትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዝተኣሰሩ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

እቶም ተታሒዞም ዝበሎም ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ምስ ቤተሰቦም ክራኸቡ ዘይተፈቐደሎም ከምዘለዉን ኣብቲ ብቕድሚ ትማሊ [14 ጉንበት 2014 ዓ.ም] ዘውፅኦ መግለፂ ኣመልኪቱ።

በቲ ሓይልታት ፌደራልን ናይ ክልል ፀጥታን "ዝተዋደደ ወፍሪ ምኽባር ልዕልና ሕጊ" ዝበልዎ ስጉምቲ፡ ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲን ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከምዝተኣሰሩ ድማ ሓቢሩ።

"ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዙሓት ሰባት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ርሒቖምን ስሩዓት ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብዘይኮኑ ቦታታትን ስለዝተኣሰሩን ቤት ፍርዲ ስለዘይቀረቡን ቤተሰቦም ኣይረኸብዎምን" ክብል'ውን ኣፍሊጡ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምቕራብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምንቃፍ እትፍለጥ መስከረም ኣበራ ድማ ብ13 ግንቦት 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ምውዓላ በዓልገዝኣ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ'ሎ።

ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተላብዐን ኲናት ብምቅዋም፤ ሰላምን ድርድርን ዝሓሹ ኣማራፅታት ከምዝኾኑ ብተደጋጋሚ ብምሕባር ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ሰሎሞን ሽሙዬ'ውን ከምዝተኣሰረ ይግለፅ።

"ወፍሪ ምኽባር ሕጊ"

ኣቶ ደሳለኝ "ነቲ ትኽክለኛ ፋኖ ዘይውክሉ ብስም ፋኖ ተወዲቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝፍፅሙ ጉጅለታት መንግስቲ ኣይክዕገሶምን" ኢሉ።

ብሰንኪ እቶም "ንዓቕሚ መንግስትን ሕገ-መንግስትን ብምፍትታን ስርዓት ኣልቦነት ክነገስ ጌሮም" ዝተብሃሉ ውልቀሰባት፡ መንግስቲ ንዜጋታት ናይ ምንባር መሰሎም ከምኡ ድማ ሰላምን ልምዓትን ከረጋግጽ ከምዝተፀገመ'ውን ተዛሪቡ'ሎ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ዝርከቡ ዓይነታት ኣፅዋር ምዝገባ ከካይድ ምዃኑ ብምሕባር "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ" ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ብፍላይ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ብስም እቲ "ፋኖ" ብዝብል ዝተወደበ ዘይስሩዕ ጉጅለ ዕጡቓት፡ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እቲ "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ" ዝተብሃለ ስጉምቲ ምጅማሩ ስዒቡ ድማ ኣብ መዛዘሚ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተወልዑ ጎንፅታት ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሐ ነበርትን ምንጪታት ሆስፒታልን ንቢቢሲ ተዛሪቦም'ዮም።