ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ መጽሄት ታይም ቅረታ ኣቕሪቡ

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ መጽሄት ታይም ናይ ቅረታ ደብዳበ ልኢኹ።

ሴክረታሪ ፕረስ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነት ቢልለኔ ስዩም፡ መጽሄት ታይም ንኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝርዝር 100 ጽልዋ ፈጠርቲ 2022 ድሕሪ ምክታቱ እያ ነቲ ናይ ቅረታ ደብዳበ ጽሒፋ ዘላ።

ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝርዝር ፈጠርቲ ጽልዋ ዘካተተ ታይም፡ እቲ መራሒ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ክወርድ ምስርሑ ስዒቡ ሽልማት ኖቤል ከምዝወሰደን ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታቲ ከምዝኾነን ገሊጹ።

ኣብቲ ዝርዝር ንኣብዪ ኣሕመድ ዝምልከት መግለጺ ዝጸሓፈት ወኪል ታይም ኣሪያን ቤከር " ሓይልታት ኣብዪ ብጃምላዊ ቕትለት፣ ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲታትን ምጽጻይ ዓሌትን ክሲ ቀሪብሎም እዩ። ንሚልዮናት ዘሻቕል ጥምየት እውን ተኸሲቱ ኣሎ" ኢላ።

ነዚ ስዒቡ ቢልለኔ ስዩም ናብ መጽሄት ታይም ኣብ ዝጸሓፈቶ ኢሜይል፡ እቲ መግለጺ "ኮነ ተባሂሉ ስም ንምጥፋእ" ብዝተሓሰበ መንገዲ ዝተጽሓፈ እዩ ኢላ።

ብተወሳኺ እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ መንነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘቕነዐ ከቢድ መጥቃዕቲ ከምዝኾነን ብዛዕባ እቲ ኲናት ብሓደ ወገን ዝግለጽ ተረኽ ጥራሕ ዘቃልሕን እዩ ብምባል "ንምንታይ ነቲ ሓቂ ገዲፉ ናይ ባዕሉ ተረኽ ናብ መላእ ዓለም ከባጽሕ" ከምዝደለየ መብርሂ ክህብ ቢልለነ ሓቲታ።

ሓላፊት ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ መጽሄት ታይም ዝኾነት ቤከር፡ ኣብቲ ንኣብዪ ኣሕመድ ኣመልኪታ ዝጸሓፈቶ፡ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ መንግስቲ ፌደራል ተኹሲ ደው ከምዘበለ ዘዘኻኸረት ኮይና፡ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ብቐንዱ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ዝተገበረ ከምዝኾነ ብምጥቃስ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሓገዝ ውሑድ ምዃኑ ሓቢራ።

ኣብ መንጎ መንስታት ፌደራልን ትግራይን ዝተወለዐ ጎንጺ ኣስታት 19 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኮይኑ፡ ሚልዮናት ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክጥሕሉ ገይሩ እዩ።

ንሓይልታት ፌደራል ሓጊዞም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወታሃደራት ኤርትራ ሓዊሱ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ እዩ ዝግለጽ።

መጽሄት ታይም ብኸመይ እዩ ፈጠርቲ ጽልዋ ዝመርጽ?

ናይቲ ዓመት ፈጸርቲ ጽልዋ ንምምራጽ "እንትንእከብ ኣብ ሓደ መለክዒ ኢና ትኹረት እንገብር" ይብል መጽሄት ታይም።

"መን ለውጢ ፈጢሩ? መን ጎሊሁ ተራእዩ? ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ።"

መጽሄት ታይም ኣብ ናይ ሎምዘበን ዝርዝር ፈጠርቲ ጽልዋ ኣብ ክልተ ጫፋት ዝተሰለፉ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስክን እውን ኣካቲቱ እዩ።

"ኣብ ድሕሪት እቲ ዘሕዝን ኲናት ዝርከቡ መራሒ ሩስያን ነቲ ወራር ንምክልኻል ጻዕሪ ዝገብር ዘሎ ፕረዚደንት ዩክረይንን" ኣብዚ ዝርዝር ኣብ ሓደ ተርታ ምእታዎም ኩሎም ፈጠርቲ ጽልዋ ኣወንታዊ ዘይምዃኖም ዝገልጽ እዩ ይብል ታይም።

ትምኒት ገብሩ

መጽሄት ታይም፡ ንክኢላ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ትምኒት ገብሩ፡ ኣብ 2022 ጸለውቲ ካብ ሞንጐ ዝኾኑ 100 ሰባት ክብል ሓርዩዋ።

መራሒት ጉጅለ ስነምግባር ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ጉግል ዝነበረት ትምኒት፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ካብቲ ትካል ከም ዝተሰጐገት ይዝከር።

ኣብ ውሽጢ እቲ ኩባኒያ ዘሎ ዓሌታዊ ኣድልዎን፡ ውጽኢት ናይቲ ምርምር ድማ ቅኑዕ ከም ዘይኰነን ንህዝቢ ከጋጊ ከም ዝኽእልን ዝሕብር ኢመይል ድሕሪ ምልኣኻ ካብ ስርሓ ክትስጐግ ምኽንያት ከም ዝኾነ ኣብቲ እዋን ገሊጻ ነይራ።

ትምኒት፡ ቍጽሪ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ዓውዲ ትሑት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ነዚ ንምፍታሕ ከም እትቃለስ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።

መጽሄት ታይም፡ ሓንቲ ካብ ጸለውቲ ዓለም ኢሉ ዝሓረያ ትምኒት፡ "ኣብ ውሽጢ ዓበይቲ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ኴንካ ሓቂ ምዝራብ ትብዓት ይሓትት፤ ትምኒት ገብሩ ኸኣ ነጋሪት ሓቂ 'ያ" ክብል ንኢዱዋ።

ትምኒት ገብሩ ካብ ጉግል ቅድሚ ምስጓጓ፡ ምስ ካልኦት ተመራመርቲ እቲ ትካል ኰይና ዘዳለወቶ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ሽማ ካብቶም ኣዳለውቲ እቲ ምርምር ክእለ ተሓቲታ ምንባራ ብምጥቃስ እዚ ሽማ ንኸይጐልሕ ኮነ ኢልካ ዝተገበረ ምዃኑ ትማጐት።