መጽሄት ታይም፡ ናይ 2021 ጸላዊት ኮይና ዝተመረፀት ሳራ መንክር መን እያ?

መሃዚት ስራሕን ክኢላ ፖሊሲ መግብን ትውልደ ኢትዮጵያዊት ሳራ መንክር፡ ኣብ መፅሄት ታይም ናይዚ ዓመት ፀለውቲ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ 100 ሰባት ሓንቲ ኮይና ተመሪፃ።

መፅሄት ታይም ኣብ ዓመተ 2021 ጸለውቲ ዝበሎም ኣብ ዓውዲ ኣካዳሚ፣ ሳይንስ፣ ተጣበቕቲ መሰላትን ቁጠባን ዝተዋፈሩ ሰባት ሓርዩ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት ሳራ ሓንቲ ካብኣቶም ኮይና፡ ኣብ 1970ታት እያ ናብ ኣመሪካ ኣምሪሓ።

ንሳ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝመሃራሉ ኮሌጅ ሆዮኬ ከምኡ'ውን ካብ ለንደን ስኩል ኦፍ ኢኮኖሚክስ፡ ፈላማይ ዲግሪ ብቁጠባ መፅናዕትታት ኣፍሪቃን፡ ከምኡ'ውን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ኤም ቢኤ ከም ዝረኸበት ትዛረብ።

ኣብቲ እዋን ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ዓለምለኸ ተምሃሮ ካብ ሞንጎ ዝቖፅሩ ትካላት ኣብ ዎል ስትሪት ልምምድ ስራሕ ረኺባ።

ሻቡ፡ ኣብ መሸጣ ነዳድን ጋዝን ንዝተዋፈረ ትካል'ያ ትሰርሕ ኔራ።

ኣብ መበል 29 ዓመታ ኣብ ዎል ስትሪት ዝነበራ ስራሕ ብምግዳፍ 'ግሮ ኢንተለጀንስ' ዝተባህለ ትካል መስሪታ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ውሕስነት ምግቢ ንምስራሕ ብምውሳን ስርሓ ክትገድፍ እንከላ፡ "ምስ ኢትዮጵያ ዘተኣሳስራ ስራሕ" ከም ዝኾን ተዛሪባ ነይራ።

ኣብ ኣፍሪቃ ውሕስነት መግቢ ምርግጋፅ ግዘ ዘይህብ ጉዳይ ምዃኑ ዝተረድአት ሳራ፡ ብቀንዱ ምስ ሓረስታይ ብምስራሕ እቶም ፀገማት ካብ ሱሮም ንምምሓው ምሕላና ተረድእ።

ሳራ 'ግሎ ኢንተለጀንስ' ክሳብ ትምስርት ንምስትንታን ኣስታት ክልተ ዓመት ወሲዳ'ያ።

ኣብ 2014 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 'ግሎ ኢንተለጀንስ' ክትምስርት እንከላ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ተጓዒዛ ምስ ሓረስቶት ብምርኻብን ኣብ ናይ ሕርሻ ከባብታት ዑደት ብምግባርን፡ ዘድልያ ሓበሬታታት ኣኪባ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ሓድሽ ፍልጠት ድዩ ዘድሊ ወይስ ዘሎ ፍልጠት ምውዳብ ዝብል ምስ ኣፅነዐት፡ እቲ ፀገም ትካላዊ ምዃኑ ከም ዝተረድአት ትዛረብ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዕዳጋ ኢነርጂ ኣብ ትሰርሐሉ ግዘ፡ ዘለዋ ልምዲ ከም እታወት ብምጥቃም ንሕርሻ ብኸመይ ምስግጋር ከም ዝከኣል ገሊጻ።

ግሮ ኢንተለጀንስ፡ ካብ ዓለም ካብ ሳትላይት፣ ሚትዎሮሎጂ፣ ትካላት መንግስቲ፣ ዝውውር ሸቐጣት፣ ኣናእሽተይ ትካላት ንግዲ ሓበሬታታት ብምእካብ፡ ናይ ምውዳብን ምቕማርን ስራሕቲ ከም ዝዓምም ትዛረብ።

ሕርሻ ናይ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዝራእቲ ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ዓሰርተ ኣሽሓት'ዩ ትብል ሳራ፡ ዝራእትን እንስሳትን ዘተኣሳስር፣ ልፍዓት ዝሓትትን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ተረድእ።

ግሎ ኢንተለጀንስ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ቀረብ ሕርሻን ጠለብን ምትንባይ ኣብ ዘኽእሎ ብርኪ ይርከብ።

"ኣብ ህይወትና ንሰርሖ ኩሉ ነገር ብሓደ ወይ ብኻልእ መገዲ ምስ ሕርሻ ዝተኣሳሰረ'ዩ" ትብል ሳራ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ለበዳ ኮሮናቫይረስን ለውጢ ከባቢ ኣየርን፡ ወዲሰብ ክንደየናይ ንሓደጋን ለበዳታትን ተቓላዓይ ምዃኑ ከም ዘርኣያ ብምግላፅ፡ "ንወዲሰብ ፍልጠት ብምዕጣቕ ዘጋጥሙ ብድሆታት ምስዓር ይከኣል" ዝብል እምነት ኣለዋ።

እዚ ፍልጠት ንምምሕልላፍን ማሕበረሰብ ዓለም ንምብቃዕን፡ "ሓባራዊ መረዳድኢ ቋንቋ" የድልይ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ንጥሜት፣ ምስ ለውጢ ኩነታት ኣየር ተዛሚዱ ዝፍጠር ዕንወት ንምክልኻል ከምኡ'ውን ቅልውላው ንምብዳህ ዘኽእል ቋንቋ ብምድላይን ንዓለም ኣብ ምፍላጥን ጠንኪራ ትሰርሕ ከም ዘላ ትዛረብ።

ግሮ ኢንተለጀንስ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዘጋጥሙ ብድሆታት፡ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ምቕራፍ ይከኣል'ዩ ዝብል ፅኑዕ እምነት ኣለዎ።

ጥሜት ኮነ ለውጢ ከባቢ ኣየር ብቴክኖሎጂ ተሓጊዝካ ምስዓር ይከኣል'ዩ ትብል ሳራ፡ ዘድሊ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ ንሓረስታይ ብምሕጋዝ፡ ዝሐሸ ብቁጠባ ተጠቃማይ ምግባር ከም ዝከኣል ትገልፅ።

ሳራ ኣብ ተመሓድሮ ግሎ ኢንተለጀንስ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕርሻ ኣብ ውሽጢ ኤኮ ሲስተም ዳታ ናብ ጭቡጥ ፍልጠት ምቕያር ዝኽእል ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ትጥቀም።

ሳራ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉጅለ ንክትፅንበር ሕቶ ቀሪቡላ'ዩ።

ኣብዚ ጉጅለ፡ ኣብ ስርዓተ ምግቢ፣ ንግድን ሰንሰለት ኣቕርቦትን ዘለዋ ልምድን ሞያን ክተበርክት ድማ ትፅቢት ይግበር።

መፅሄት ታይም ናይዚ ዓመት ፅዕንቶ ፈጠርቲ ኢሉ ካብ ሞንጎ ዝዘርዘሮም 100 ሰባት፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት ትካል ንግዲ ዓለም'ውን ትርከቦ።

ንትካል ንግዲ ዓለም ብምምራሕ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይትን ኣፍሪቃዊትን ዝኾነት ናይጄርያዊት ዶክተር ንጎዚ ኦኮንጆ-ኢዊላ፡ "ስራሕ ተጠንቂቕካ" ብምስራሕ ተመስጊና ኣላ።

ደቡብ ኣፍሪቃዊ ላዕለዋይ ሓለፊ ተስላ ኤለን ማስክ፣ ቤኒናዊ ድምፃዊ ኣንጀሊክ ኪጆ፣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ግብረ መልሲ ኮቪድ ዘተሓባብር ካሜሮናዊ ዶክተር ጆን ንኬንጋሶንግን፡ ከምኡ'ውን ኬንያዊት ተሓላቒት ሓለዋ ከባቢ ፊልስ ኦሚዶ፡ ኣብ መፅሄት ታይም 100 ፅልዋ ፈጠርቲ ካብ ሞንጎ ዝተረቑሑ'ዮም።

ሴኔጋላዊ ደራሲን ሙዚቀኛን ፍሌዊን ሳር'ውን ኣብ ዝርዝር እዞም ፀለውቲ ሰባት ተኻቲቱ ኣሎ።