ኲዕሶ እግሪ: ዘመነ ውድድር ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ ተዛዚሙ

ዘመነ ውድድር ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ 2021/2022 ፡ በቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ግጥም ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ ተዛዚሙ። ማንቸስተር ሲቲ ንኣስቶን ቪላ ብምስዓር'ያ ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ጨቢጣ ዘላ።

ንዝበዝሐ ሸቶ ዘመዝገቡ ዝወሃብ ወርቃዊ ጫማ (ጎልደን ቡት) ናይቲ ዓመተ-ውድድር ፕሪሜርሊግ ድማ ነቶም ማዕረ (23) ሸቶታት ዘመዝገቡ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕን ኣጥቃዓይ ቶተንሃም ደቡብ ኮርያዊ ሶን ሁዪን -ሚንን ተዋሂቡ'ሎ።

እቲ ንሓለውቲ ልዳት ዝወሃብ ሽልማት ወርቃዊ ጓንቲ (ጎልደን ግሎቭ) እውን፡ ብተመሳሳሊ፡ ነቶም ነፍሲ ወከፎም ኣብ 20 ግጥማት ናይዚ ዝተዛዘመ ዓመተ-ውድድር ልዳቶም ዘየድፈሩ፡ ኣሊሰን ካብ ሊቨርፑልን ኤንደርሰን ካብ ማንቸስተር ሲቲን ተዓዊቶምሉ ኣለዉ።

ኣብ ፕሪሜር ሊግ ዓመት 2021-2022 በሓፈሻ 380 ግጥማት ክካየድ እንከሎ፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሓደ ጸወታ 2.82 ሸቶ እንዳተመዝገበ 1071 ሸቶታት ተመዝጊቡ።

ማንቸስተር ሲቲ 99 ሸቶታተ ብምምዝጋብ እታ ዝበዝሐት ሸቶታት ዘመዝገበት ጋንታ ክትከውን እንከላ ኖርዊች ሲቱ 23 ሸቶታት ጥራይ ብምምዝጋብ እታ ዝወሓደ ሸቶታት ዘመዝገበት ጋንታ እያ። ብዛይካ እዚ ኖርዊች ሲቲ 84 ሸቶታት ናብ ልዳታ ብምዝራቑ እታ ዝበዝሐ ሸቶታት ዝተመዝገባ ጋንታ እያ።

ኤቨርተን 4 ቀይሕ ካርድ ብምርካብ ቀዳማይቲ ክትከውን እንከላ ሊድስ ዩናይትድ 99 ብጫ ካርድ ብምርካብ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።

ተጻወትቲ ቶተንሃም 6 ሸቶታት ናብ ገዛእ ልዳቶም ብምምዝጋብ ቀዳሞት ክኾኑ እንከለዉ። ዋትፎርድ ካብ ዘካየደቶ 38 ጸወታታት 27 ግዜ ስለዝተሰዓረት ዝልዓለ ቁጽሪ ሒዛ ኣላ።

ኣብቲ ኩለን 20 ጋንታታት ፕሪሜርሊግ ዝተጋጠማሉ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ ማንቸስተር ሲቲዶ ሊቨርፑል ትዕወት ትኸውን ዝብል ሕቶ ክሳብ ናይ መወዳእታ ደቓይቕ ቀጺሉ።

ሲቲ ኣብተን ቀዳሞት 75 ደቓይቕ፡ ብክልተ ሸቶታት ተመሪሓ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተጻወታ ኣብ መወዳእታ ብዘርኣይዎ ህልኽን ሓቦን ዝመልኦ ጻዕሪ ኣብ መበል 76 ደቒቕ ብጉንዶጋን ኣቢላ ቀዳመይቲ ሸቶ ኣመዝጊባ። ድሕሪ ክልተ ደቒቕ ድማ ሮድሪ ካልኣይቲ ኣመዝጊቡ።

ብነጥቢ ምስታ እግሪ-እግራ ክትስዕባ ዝጸንሐት ሊቨርፑል ማዕረ ኮይነን ድሕሪ ምቕጻል፡ ሲቲ ኣብ መበል 81 ጉንዶጋን ብዘመዝገባ ሸቶ፡ 3 ብ 2 ስዒራ፡ ጸወታ ተዛዚሙ ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ክትዓትር ኪኢላ'ላ።

እታ ማንቸስተር ሲቲ ክትሰዓረላ ትምነ ዝነበረት ሊቨርፑል ብወገና፡ ኣብቲ ምስ ዎልቭስ ዘካየደቶ ግጥም፡ ጸወታ ክዛዘም 10 ደቒቕ ክሳብ ዝተርፎ 1 ብ 1 ድሕሪ ምቕጻል፡ ኣብ መወዳእታ 5 ደቓይቕ ናይ ምዱብ ግዜ፡ ክልተ ተወሰኽቲ ሸቶታት ኣመዝጊባ፡ 3 ብ 1 ተዓዊታ።

እንተኾነ ግን፡ እታ ኣርባዕተ ዋንጫታት ትወስድዶ ትኸውን ክብሃለላ ዝጸንሐ ሊቨርፑል፡ 93 ነጥቢ ዘዋህለለት ማንቸስተር ሲቲ ብሓደ ነጥቢ ስለዝቐደመታ፡ ዝሓሰበቶ ኣይቀንዓን።

ሊቨርፑል፡ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ መንወሰደ፡ ሳልሰይቲ ዋንጫ ናይዚ ዓመተ ውድድር ንምዕታር ኣቶኩሮኣ ናብ ፓሪስ ፈረንሳ ክኸውን'ዩ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ እታ ራባዓይ ብምውጻእ ኣብ ዝቕጽል ውድድር ቻምፕዮንስ ሊግ ክትሳተፍ ሃሪፋ ዝነበረት ኣርሰናል፡ ዋላ'ኳ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ምስ ኤቨርተን ዘካየደቶ ግጥም 5 ብ 1 እንተሰዓረት ክቐንዓ ኣይከኣለን። ኣብ ክንድኣ፡ ቀንዲ መቀናቕንታ ዝኾነት ቶተንሃም ንኖርዊች 5 ብ 1 4ይ ደረጃ ሒዛ'ላ ናብ ቻምፕዮንስ ሊግ ሓሊፋ'ላ።

ኣብ መወዳእታ ናብ ታሕተዋይ ዲቪዥን መን ወረደ (ሊድስዶ በርንሊ) ኣብ ዝነበረ ግጥም፡ ብዓወት ሊድስ ተዛዚሙ'ሎ።

በዚ መሰረት ካብተን 20 ጋንታታት ፕሪሜርሊግ፡ በርንሊን እተን ኣቐዲመን ከምዝወረዳ ዝተረጋገጻ ዋትፈርድን ኖርዊችን ናብ ታሕተዋይ ዲቪዥን ተመሊሰን ኣለዋ።