እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ፡ ሽወደንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ንኽጽንበራ ምሉእ ደገፍ ከምእትገብር ኣፍሊጣ
ሽወደንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ንዘቕረባኦ ሕቶ ኣሜሪካ ምሉእ ብምሉእ ከምእትድግፎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ገሊጹ።
ክልቲአን ሃገራት ኣባላት ናይቲ ብሃገራት ምዕራብ ዝቘመ ወተሃደራዊ ኪዳን ክኾና ሕቶ ምቕራበን ኣብ ጂኦፖለቲካ ኣውሮጳ ዓቢይ ለውጢ ከምዝተፈጥረ መርኣያ ምዃኑ ይግለጽ።
እተን ሃገራት ነቲ ኪዳን ንኽጽንበራ ናይ ኵለን 30 ኣባል ሃገራት ኔቶ ድጋፍ የድልየን።
እንተኾነ እቲ በተን ሃገራት ኖርዲክ ዝቐረበ ጠለብ ብቱርኪ ተነጺጉ ኣሎ።
ፕረዚደንት ባይደን ብሓሙስ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግደሊና ኣንደርሰንን ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳኡሊ ኒኒስቶን ኣብ ዋይት-ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጥርዓን ሽወደንን ፊንላንድን ኣብ "ታሪኽ ጸጥታ ኣውሮጳ ነጥበ መቐይሮ እዩ" ኢሉ።
"ሓደስቲ ሃገራት ናብ ኔቶ ምጽንባረን ንዝኾነት ሃገር ስግኣት ኣይኮነን" ዝበለ ባይደን እተን ኣብ "ላዕሊ ኣብ ሰሜን" ዝርከባ ክልተ ሃገራት "ንጸጥታ ኣባላት እቲ ኪዳን ንምሕያልን ናይ ጸጥታዊ ምትሕግጋዛትና ንምዕማቝን ዝጠቅም እዩ" ኢሉ።
ሩስያ ብተደጋጋሚ ንኔቶ ከም ስግኣት ከም እትርእዮን፡ እቲ ኪዳን ምስፋሕ እንተቐጺሉ ግብረመልሲ ከምእትህበሉ ክተጥንቅቕ ጸኒሓ እያ።
ቱርኪ፡ እዘን ክልተ ናብ ኔቶ ክጽንበራ ዝደልያ ዘለዋ ሃገራት ነቶም ብቱርኪ ከም ግብረሽበራውያን ዝረኣዩ ዕጡቓት ሓይልታት ፒኬኬ ከምዘዕቍባ ትከስስ።
እንተኾነ ዋና ጸሓፊ ኔቶ፡ ጀንስ ስቶልተንበርግ ይዅን ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ በን ዋላስ፡ እዚ ጉዳይ መፍትሒ ክግበረሉ ምዃኑ ይዛረቡ።
ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት 40 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ወተሃደራውን ሰብኣውን ሓገዛት ንዩክረይን ክወሃብ ምጽዳቑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ፡ ዛጊት ንዩክረይን ካብ ዝተዋሃበ ዝዓበየ ሕጹጽ ሓገዝ እዩ።
ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንውሳነ እቲ ባይቶ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣሜሪካ ኣብ ዩክረይን፡ ኣውሮጳን ዓለምን ሰላምን ጸጥታን ዳግም ንምስፋን ዝወሰደቶ ዓቢይ ኣበርክቶ" ክብል ንኢዱ።
ኣሜሪካ ምስዚ ናይ ሕጂ ወሲኽካ ንዩክረይን ዝሃበቶ ሓገዝ 50 ቢልዮን ዶላር ምብጽሑ ይግለጽ።
ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝተላእከ መሳርሒታት ንምጽጋን ተወሳኺ 8.7 ቢልዮን ዶላር ክውዛዕ እዩ።