ኣብ ቤትፍርዲ ዩክረይን ዝቐረበ ሩስያዊ ወተሃደር ገበናት ኲናት ምፍጻሙ ተኣሚኑ

ኲናት ዩክረይን ድሕሪ ምጅማሩ ገበናት ኲናት ንምርኣይ ኣብ ዝተጀመረ መጋባእያ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ወዲ 21 ዓመት ሩስያዊ ወተሃደር፡ ንሓደ ብረት ዘይሓዘ ሲቪል ብምቕታል ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ።

እቲ ወራር ድሕሪ ምጅማሩ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ንወዲ 62 ዓመት ሽማግለ ከም ዝቐተለ ዝተኣመነ ቫዲም ሺሺማሪን ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክብየኖ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

እቲ እሱር ብረቡዕ ኣእዳው ብመቑሕ ተኣሲሩ፡ ብሓያል ሓለዋ ተኸቢቡ፡ ናብ ቤትፍርዲ ክቐርብ እንከሎ፡ እታ ሰብኣያ ዝተቐትላ ሰበይቲ'ውን ተረኺባ ነይራ።

ንሳ ነቲ ወተሃደር ምስ ረኣየቶ ክትነብዕ ተራእያ።

ሺሺማሪን ኣዛዚ ሓንቲ ናይ ከቢድ ብረት ኣሃዱ ምንባሩን እታ ኣሃዱ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸማ ንሱን ካልኦት ኣርባዕተ ወተሃደራትን መኪና ሰሪቘም ናብ ከተማ ቹፓኪቪካ እናተጓዓዙ እንከለው ነቲ ወዲ 62 ዓመት ሽማግለ፡ ብሽክለታ እናዘወረ ከም ዝረኸብዎን ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።

ሺሺማሪን ነቲ ተግባር ተኣዚዙ ከም ዝፈጸሞ ኣኽበርቲ ሕጊ ይገልጹ።

ቤተ መንግስቲ ሩስያ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝፈልጦ ከም ዘየለ ሓቢሩ።

እታ ሰብኣያ ዝተቐትላ ሰበይቲ ድሕሪ እቲ መጋባእያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ "ደንጊጸሉ [ንሺሺማሪን]፡ እንተኾነ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ገበን ይቕረ ክብለሉ ኣይክእልን እየ" ኢላ።

ዩክረይን ዛጊት ልዕሊ 10 ሽሕ ብሩስያ ዝተፈጸመ ገበናት ኲናት ከም ዝረኸበት ይግለጽ።

ዋና ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር፡ ኢሪና ቨነዲክቶቫ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ፡ "ኣብ ዩክረይን ሕጊ ዝጠሓሰ ዘበለ፡ ገበናት ክፍጸም ዝኣዘዘ ይዅን ዝተሓባበረ ኵሉ ካብ ተሓታትነት ከም ዘየምልጥ በዚ ፈላሚ መጋባእያ ኣቢልና ነዘኻኽር ኣለና፡" ኢላ።

ሞስኮ ወተሃደራታ ንሲቪላውያን ዒላማ ምግባሮም ንዝገልጽ ክሲ ኣይትቕበሎን።

ኣኽበርቲ ሕጊ ግን ነቲ ጉዳይ ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበናት ቅድሚ ምውሳዳ ንገበናት ኲናት ዘበቅዕ መርትዖታት ክእክቡ እዮም ጸኒሖም።

ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበናት 42 ኣባላት ዘለዎ ጉጅለ ናብ ዩክረይን ክልእኽ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ዩክረይን'ውን መርትዖታት ዝእክብ ጉጅለ ኣቚማ እያ።