ኲናት ዩክረይን፡ ቱርኪ፡ ንሃገራት ስዊድንን ፊንላንድን ኣጠንቂቓ

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ስዊድንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዝገብራኦ ዘለዋ ምንቅስቓሳት ጠጠው ከብላ ኣተሓሳሲቡ።

ቱርኪ ኣገዳሲት ኣባል ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ኰይና፡ ክልቲአን ሃገራት ድማ ናብቲ ኪዳን ንኽጽንበራ ንቱርኪ ዘእምኑ ልኡኻት ክሰዳ ከም ዘይብለን እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ እተን ሃገራት ሚሊሻታት ኩርድ ኣዕቚበን'የን ብዝብል ክሲ ሕጕስ ኣይኮነን።

ኣቐዲሙ፡ ስዊድን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ኣብ ኤውሮጳ ሓድሽ ስግኣት ኣንጸላልዩ ምህላው ዘርኢ'ዩ ብምባል ነዚ ሓድሽ ኣተሓሳስባ የድሊ'ዩ ኢላ ነይራ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ስዊድንን ፊንላንድን ናብቲ 30 ኣባል ሃገራት ዘለዋኦ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ክጽንበራ ድልየት ምርኣየን ብቐጥታ ስግኣት ኣይኮናን'ኳ እንተበለ፡ ዝዀነ ዓይነት ምስፍሕፋሕ ወተሃደራዊ ትሕተ ቕርጺ ግን፡ ክረምሊን ተመጣጣኒ ምላሽ ክትህበሉ ዘገድድ ክኸውን'ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ኤርዶጋን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ኔቶ ምምጽአን ብእወታ ከም ዘይርእዮን ከም ዝቃወሞን ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ፡ ስዊድንን ፊንላንድን ግበረሽበራውያ ሓቚፈን'የን ክብል ከሲሱ።

"ኣብ ዓደን ኣሸበርቲ ሒዘን እንከለዋ፡ ከመይ ኢልና ኢና ነዘን ሃገራት ክንኣምነን?" ብምባል ነቒፉ። እተን ሃገራት ንኤርዶጋን ንምእማን ጻዕሪ ዝገብር ጕጅለ ልኡኽ ናብ ቱርኪ ክልእካ እየን ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።

ቱርኪ፡ ንሰልፊ ናጽነት ኩርድ [ፒኬይኬይ] ከምኡ'ውን ንስዓብቲ ፈትሑላህ ጉለን ከም ኣሸበርቲ'ያ እትርእዮም።

ቱርኪ፡ ኣብ 2016፡ ኣብ ዕልዋ መንግስቲ ዘተሓባበሩ'ዮም ብዝብል ብጽኑዕ ትኸሶም።

ብተወሳኺ፡ ቱርኪ ኣብ ልዕሊኣ እገዳ ኣንቢራ ዝነበረት ሃገር ናብ ኔቶ ከይትጽንበር ዝከኣላ ዅሉ ከም እትገብር ትገልጽ።

ኣብ 2019፡ ፊንላንድን ስዊድንን፡ ቱርኪ ኣብ ጉዳይ ሶርያ ኢዳ ብምእታዋ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር ገይረናላ ነይረን።

ኣባል ሃገራት ኔቶ ዝዀና ኖርወይ፡ ዴንማርክን ኣይስላንድን ግን ውሳነ ስዊድንን ፊንላንድን ምሉእ በምሉእ ከም ዝድግፋ ገሊጸን ኣለዋ።

ብሪጣንያ ብወገና ንኽልቲአን ሃገራት ውሕስነት ጸጥታ ከም እትህበን ገሊጻ።

ኣብዚ እዋን፡ ኔቶ ኣብ ከባቢ ባልቲክ 15 ሽሕ ወተሃደራት ዝሳተፍሉ ዘለው ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምድ ይገብር ኣሎ።