ኲናት ኢትዮጵያ፡ መራሕቲ ትግራይ ልዕሊ 4 ሽሕ ምሩኻት ወተሃደራት ክፈትሑ ምዃኖም ኣፍሊጦም

ኣብቲ ክሳብ ሎሚ መዕለቢ ዘይተረኽቦ ኲናት ትግራይ ዝተማረኹ ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ "ብምሕረት" ክፍትሑ ምዃኖም መራሕቲ ትግራይ ኣፍሊጦም።

ካብቶም ክፍትሑ ዝተወሰነሎም ልዕሊ 4000 ምሩኻት 401 ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን ምስ ህወሓት ምትእስሳር ዘለዎ ማዕከን ዜና ድምጺ ወያነ ንሰብመዚ ምሩኻት ትግራይ ብምጥቃስ ኣብ ፈይስቡክ ሓቢሩ።

ብዛዕባ ዝፍትሑሉ ዕለት ግን ዝሃቦ ንጹር ሓበሬታ የለን።

ኣብቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት መንግስቲ ከምዝተማረኹ ይፍለጥ። ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ብዙሓት ዕጡቓት ትግራይ ከምዝማረኹ ምግላጾም ይዝከር።

ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ኣብታ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኲናት ንምፍታሕ ጻዕርታት ክግበር'ኳ እንተጸንሐ ዛጊት ዘምጽኦ ጭቡጥ ፍረ ኣይተራእየን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝወጽእ ዘሎ መግለጺታት ሓድሽ ዙርያ ውግእ ክውላዕ ከምዝኽእል ዝእምት ምዃኑ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

እቶም ክፍትሑ ተወሲንሎም ዘሎ ምሩኻት "ብዋናነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎ ገበን ብዝግባእ ተራእዩን መብዛሕትኦም ኣብ ቐረባ እዋን ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝተማረኹን ብሓይሊን ብአስገዳድን እቲ ጉጅለ ኣብ 2013ን 2014 ዓ/ም ናብ ወትድርና ዝኣተውን እዮም" ክብል ሓላፊ ምሩኻት ትግራይ ኣይተ ብርሃነ ከበደ ከምዝተዛረበ ድምጺ ወያነ ጠቒሱ።

"ነቲ ዕድል ዝተውሃቦም ኣብቲ ኩናት ኣካላዊ ጉዳኣት ዝበፅሖም፣ ብሕማም ፣ ብወሊድን ካልኦት ፀገማትን እውን ኣብ ግምት ከምዘእተው" ተዛሪቡ።

"ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝብና ኣብ ከቢድ ዓፀባ ዝርከብ እንተኾን ነዚ ፀገም ተፃዊሩ ህዝቢ ትግራይ ንባዕሉ እናጠመየ ካብታ ዘላቶ ይቅልቦም፣ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡን ይገብር ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ውሳነ ድማ ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ኣታሓሕዛ ምሩኻት ከምዘኽብሩ ዘርኢ ምዃኑ እቲ ሓላፊ ምግላፁ ጸብጻባ ድምፂ ወያነ ጠቒሱ'ሎ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምፍታሕ ሰራዊቱ ዝሓዞም ዕጡቓት ትግራይ ይኹን፡ ብዛዕባ'ዞም ክፍትሑ ዝበሃሉ ዘለዉ ምሩኻት ዝተዋህበ መግለጺ የለን።