እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህወሓት ተቘጻጺርዎም ኣብ ዝነበረ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ትሕዝቶኡ እንታይ እዩ?
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ 10 ዩኒቨርሲቲታት፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ኣትዮም ኣብኡ ኣብ ዝጸንሑለን ኣዋርሕ፡ ኣውሪዶምዎ ዝተባህለ ውጽኢት መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘርጊሐናኦ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ዝተወሰኑ ከባቢታት እቲ ክልል ተቘጻጺሮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ክሳብ 7,000 ዝዀኑ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም እዮም ይብል።
ሓይልታት ህወሓት ካብ ወወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣትሒዞም፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብምእታው፡ ሸውዓተ ዞቦታት ተቘጻጺሮም ነይሮም እዮም።
በዚ መሰረት፡ ሰሜን ጐንደር፡ ደቡብ ጐንደር፡ ዋግ ኽምራ፡ ሰሜን ወሎ፡ ደቡብ ወሎ፡ ምምሕዳር ብሔረሰብ ኦሮሞን ሰሜን ሽዋን ኣብ ትሕቲ ህወሓት ዝነበሩ ከባቢታት እዮም።
እዚ ካብ ዓሰርተ ዩኒቨርሲቲታት ብዝተዋጽኡ ሞያውያን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ምዃኑ ተገሊጹ።
ዝተፈላለያ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ውግእ ሰሜን ኢትዮጲያ፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ሰላማውያን ሰባት ብምጥቃዕ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ሰባት ብምቕታልን ብምድፋርን ከምኡ'ውን ጾታዊ መጥቃዕቲታት ብምፍጻሞን ክኸሳ ጸኒሐን እየን።
ወሃብ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ነዚ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ንብሎምበርግ ሜድያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ፈጠራ እዩ" ክብል ምላሽ ሂቡሉ'ሎ።
ርኽበት እቲ መጽናዕቲ እንታይ እዩ?
ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ደብረማርቆስን ሓደ ካብ ኣወሃሃድቲ እዚ መጽናዕትን ዶ/ር ታፈረ መላኩ፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብቶም ካብ ህወሓት ናጻ ዝወጽኡ ከባቢታት ጥራይ ዝተሓጽረ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እዚ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኲናት ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ዘይነበሮም 6 ሽሕን 985 ንጹሃን ዜጋታት ብሓይልታት ህወሓት ተቘቲሎም ክብል ኣስፊሩ'ሎ።
ኣብ ርእሲኡ፡ 7 ሽሕን 460 ዜጋታት ብሓይሊ ተዓፊኖም ድሕሪ ምውሳዶም ኣበይ ከም ዝኣተዉ ከም ዘይፍልጥ'ውን እቲ መጽናዕቲ የመልክት።
ኣብ ርእሲኡ እቲ መጽናዕቲ፡ 1 ሽሕን 797 ዝዀኑ ሰባት ብጅምላ ተጨፍጪፎም እዮም፤ ብፍላይ ከኣ፡ ጭና፡ ቀወት፡ መንዝ ጌራ፡ ኣንጾኪያ ገምዛ፡ ኮምቦልቻን መርሳን ኣብ ዝበሃሉ ዓድታት ዝተፈጸሙ "ጃምላዊ መቕተልቲ፡" ብኣብነት ኣቐሚጡ'ሎ።
ካብ መንጐ እዚኣቶም፡ 579 ዝዀኑ ዜጋታት ብኸቢድ ማህረምቲ ከም ዝሞቱ'ውን ኣብቲ መጽናዕቲ ተመልኪቱ'ሎ።
ሓይልታት ህወሓት፡ ጭናን ቆቦን ኣብ ዝተባህሉ ከባቢታት ሓያለ ንጹሃን ሰባት ብጅምላ ከም ዝቐተሉ፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝተባህለ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጀሚሩ ናብ ጐርባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረደ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝወጸ ሓበሬታታት ኣመልኪቱ እዩ።
እቲ ኲናት ካብ ትግራይ ወጺኡ ናብ ክልል ኣምሓራ ድሕሪ ምስፍሕፍሑ፡ 'ዘ ቴሌግራፍ' ዝተባህለ ጋዜጣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2013 ኣብ ውሽጢ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ቆቦ፡ ኣጋምሳ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ኣብ ሓደ ቀበሌ ብዝፈጸምዎ ጃምላዊ መጥቃዕቲ፡ ከቢድ ጕድኣት ወሪዱ ከም ዝነበረ ኣቃሊሑ ነይሩ።
ብመሰረት'ቲ ጋዜጣ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት ተኻይዱን፡ ሓያለ መንበሪ ኣባይቲ ኮነ ተባሂሉ ብሓዊ ተቓጺሎምን እዮም።
ነዚ ጸብጻብ'ዚ ምርኩስ ብምግባር ህወሓት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ጸብጻብ ድሕሪ ምንጻግ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተፈጺሙ ዝበሃል መጥቃዕቲት ብናጻ ኣካል ክጻረ ጸዊዑ ነይሩ።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ብዝገበሮ ጻዕሪ፡ ኣብቲ እዋን መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩን ጕድኣት ዝወረዶምን ኣብ ሕክምና ዝተዓቝቡን ነበርቲ ኣዘራሪቡ፡ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ከረጋግጽ ክኢሉ እዩ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝረክባ 10 ዩኒቨርሲቲታት፡ ዘካየዳኦ መጽናዕቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ኣትዮም ኣብ ዝጸንሑሉ ኣዋርሕ፡ ብጠቕላላ ልዕሊ 10 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት፡ ሰብኣዊ ሃስያ ከም ዝወረዶም የመልክት።
ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 240 ሽሕ ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ ሰብኣዊ ጉድኣት ከም ዝወረዶም'ውን የመልክት።
እዚ ኲናት ካብ መንጐ ዘውረዶ ሰብኣዊ ጉድኣት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ እቲ ሓደን ቀንድን ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ጠቒሱ'ሎ።
ዝተፈላለያ ሃገራውይንን ዓለምለኻውያንን ትካላት፡ ብዅሎም ወገናት ዓመጽ ከም ዝተፈጸመ ኣቃሊሐን እየን።
እዚ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ውሽጢ እዘን 7 ዞናት ጥራይ፡ ኣብተን ሓይልታት ህወሓት ኣብ ዝጸንሑለን ኣዋርሕ፡ 1 ሽሕ 782 ደቀንስትዮ ተዓሚጸን ኣለዋ።
እቲ ምዕማጽ ድማ፡ ብጕጅለ፡ ኣብ ቅድሚ መጻምዲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ቤተሰብ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ኣንስቲ መራሕቲ ሃይማኖት ከይተረፈ ዝተፈጸመ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ። ካብዚ፡ እቲ 22 ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ዝተፈጸ ዓመጽ ምዃኑ'ውን እቲ መጽናዕቲ የነጽር።
ዶ/ር ታፈረ፡ እዚ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ንግቡእ መለክዒታት መጽናዕትን ስነምግባርን ዘማልአ ምዃኑ የመልክት።
ስለዝዀነ ድማ፡ ብዙሓት ካብተን ዓመጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ፡ ክወርደን ካብ ዝኽእል ተነጽሎን ኣድልዎን ብምፍራሕ ሓበሬታ ክህባ ስለዘይደልያ፡ ፍቓደኛታት ንዘይኰና ኣየጠቓልልን እዩ፡ ኢሉ።
በዚ መንጽር እዚ መጽናዕቲ ካብተን ፍቓደኛታት ዝዀና ጥራይ ዝተኣከበ ብምዃኑ፡ እቲ ልክዕ ቍጽሪ ግዳያት ክውስኽ ከም ዝኽእል የብርህ።
ኣገባብ መጽናዕቲ?
ዶ/ር ታፈረ መላኩ፡ ኣብ ውሽጢ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝርከባ 10 ዩኒቨርሲቲታት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 4 ሽሕ ሞያውያን ኣብዚ መጽናዕቲ ከም ዝተሳተፉ ገሊጹ'ሎ።
ኣብ ርእሲ'ዚኦም ካብ ትካል ስታስቲስቲክስ ዝተዋጽኡ 300 ዝዀኑ ሞያውያን ምስታፎም'ውን ዶ/ር ታፈረ ይረድእ።
እዚ መጽናዕቲ'ዚ ድማ፡ ካብዘን 10 ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ወጻኢ፡ ዝዀነ ናይ ፈደራል ይዅን ክልላዊ መንግስታት ተሳትፎን ፖለቲካዊ ጽልዋን ከምዘይብሉ የነጽር።
እዚ መጽናዕቲ ብኣውራኡ፡ ዳህሳስ ገዛውትን ትካላትን ብግቡእ ዘካየደ ሜላ መጽናዕቲ እዩ ኣተግቢሩ።
ሰብኣውን ስነልቦናውን መጕዳእቲ ንምጻናዕ ድማ፡ ብጕጅለታት መቓቒልካ ብዝተገብረ ዘተ፣ ቃለመጠይቕ፡ ምዕዛብ ቦታታት፡ ኣሳእልን ቪድዮታትን ተጠቒሙ እዩ፡ ክብል ዶ/ር ታፈረ የረድእ።
ርዋንዳን ከምኣ ዝኣመሰላ ሃገራትን ዝተጠቕማሉ ተመኵሮ ከም መበገሲ ብምውሳድ፡ እቲ መጽናዕቲ ስነፍልጠታውን ዓለምለኻውን ትሕዝቶ ከም ዝህልዎ ንምግባር ዘድሊ ጻዕሪ ከም ዝተገብረ'ውን ይገልጽ።
ብደረጃ ቀበሌ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ሞያውያንን፡ ኣባይትን ቦታታትን ብምርኣይ ኣብቲ መጽናዕቲ ኣስተዋጽኦ ከም ዝገበሩ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።
ብዛዕባ ዝወረደ ማተሪያላዊ ዕንወት ኣብ ዝምልከት፡ ሓይልታት ህወሓት፡ ኣብ ጥሪት ውልቀሰባት፡ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት፡ ውልቃዊ ትካላት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጺ ልምዓት፡ ሰፊሕ ጉድኣት ኣውሪዶም ክብል እቲ መጽናዕቲ ኣቐሚጡ'ሎ።
እዚ ዕንወት ብገንዘብ እንክትመን ከኣ፡ ልዕሊ 288 ቢልዮን ብር ከም ዝበጽሕ ተገሊጹ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ትካላት ማሕበራዊ ፍትሒ ከቢድ ጉድኣት ከም ዘውረዱ የመልክት፤ በዚ መሰረት፡ 1 ሽሕን 145 ትካላት ትምህርቲ፡ ከምኡ'ውን 2 ሽሕ ዝዀኑ ትካላት ጥዕና ጉድኣት ከም ዝወረዶም ኣስፊሩ'ሎ።
እዚ መጽናዕቲ፡ ብቐንዱ ንዅሉ ሃብቲ ናይቲ ኽልል ዝተመልከተ ኰይኑ፡ መንግስታው፡ ብሕታውን ትካላት ከምኡ'ውን ጥሪትን ሃብትን ውልቀሰባት ኣካል 'ዚ መጽናዕቲ ምዃኖም ይግለጽ።
በዚ መሰረት፡ ልዕሊ 50 ቢልዮን ብር ዝግመት ንብረት፡ ሃብቲ ውልቀሰባት ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ የነጽር።
ትካላት ፈደራል ብኸፊል ኣብዚ መጽናዕቲ እቱዋት ኰይኖም፣ ፋይናንስያዊ ትካላት፡ ደረቕ ወደብ፡ መስመር ባቡር፡ መጓዓዝያ ነፈርቲ ኣብ ዝኣመሰሉ ትካላት ዝወረደ ዕንወት ግን ኣብዚ መጽናዕቲ ኣይተጠቓለለን።