እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዝምታ: ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ዝትመና ከብቲ ዘጠፋፍአ ግብጻዊ
ኣብ ግብጺ፡ ንሓደ ፍሉጥ ሰራቒ ዝሃድኑ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝርከብዎም ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቶም ክልተ ናይ ፖሊስ ላዕለዎት መኮንናትን ሓደ ኣባልን ነቲ ሰራቒ ንምሓዝ ኣብ ዝውንጨፍሉ ዝነበሩ እዋን ኣብ ሓደ ጎቦታት ዝበዝሖ ከባቢ ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
ሰብመዚ ጸጥታ ግብጺ ከምዝበልዎ፡ ክልተ ጀነራላትን ሓደ ተራ ኣባልን፡ ብመኪና ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ እዋን'ዮም፡ ኣብ ከባቢ ኣስዋን ሓደጋ ምግልባጥ መኪና ምስ ኣጋጠሞም ሞይቶም።
እቲ ብስርቂ ዝጥርጠር ውልቀሰብ፡ ሙስጠፋ ኣል-ባንክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘዋሪ ታክሲ ሞተርብሽክሌታ እዩ።
ኣብ ገጠር ኣብ ዝርከባ ዓድታት ብምኻድ፡ ንሰብ ጥሪት፡ ከብቶም ብልዑል ዋጋ ክሸጥሉ ብምእማን ብሚልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ከምዝኣከበ'ዩ ዝኽሰስ።
ነቶም ሰብ ከብቲ፡ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ገንዘቦም ክህቦም ምዃኑ ቃል ብምእታው ድማ ብዘይ ገለ ክፍሊት ነተን ከብቲ ይወስደን።
ወዮ ነበርቲ፡ ብፖሊስ ዝድለ ዘሎ ሰብ ምዃኑ ምስ ፈለጡ፡ ንመንበሪ ገዝኡ ኣኽቢቦም ንፖሊስ ድሕሪ ምሕባሮም ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ኪኢሉ።
ኣል-ባንክ፡ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ምድንጋር ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ከምዝወሰደ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሓደ ሞተርብሽክሌታ ዝዝውር ዝነበረ ሰራቒ፡ ካብ ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ቀጥታዊ ፈነወ ዘካይድ ዝነበረ ጋዜጠኛ ቴለፎን ብምምንጣል፡ መንነቱ ምስ ኣሽሓት ተኸታተልቲ ድሕሪ ምልላዩ፡ ፖሊስ ብቐሊሉ ረኺቦም ኣብ ቀይዲ ኣእትዮሞ ምንባሮም ይዝከር።