ፍሉጥ ኤርትራዊ ተዋሳኣይ ፊልም ስዒድ ኣንዋር ከምዝዓረፈ ተፈሊጡ

ፍሉጥ ኤርትራዊ ተዋሳኣይ ፊልም ስዒድ ኣንዋር ሳልሕ ኣብ መበል 38 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ስዒድ፡ ንሓጺር መዓልታት ሓሚሙ ኣብ ሕክምና ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ረፋድ ኣብ ኣስመራ ከም ዝዓረፈ፡ ብጾቱን መሳርሕቱን ካብ ኣስመራ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ሓያለ መድረኽ ድራማታት፡ ንጽል ፊልምታት፡ ተኸታተልቲ ፊልምን ዝሰርሐ ስዒድ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ።

ብፍላይ ኣብታ ካብ ታሕሳስ 2019 ኣትሒዛ ኣብ ቲቪ ኤረ ትርአ ዘላ "ማጨሎ" ዘርእስታ ህብብቲ ተኸታታሊት ፊልም "ዮሴፍ [ጆሲ]" ዝብል መሪሕ ጠባይ ለቢሱ ክዋሳእ ምጽንሑ ዝያዳ ይፍለጥ።

ኣብ ኣስታት 50 ፊልምታት ኤርትራ ከምዝተዋስአ ዝንገረሉ ስዒድ፡ ኣብ 1984 ኣብ ኣስመራ፡ ኣኽርያ ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተወልደ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ዓውዲ ስነጥበብ ድራማ፡ ፈለማ ቤት ትምህርቲ ዝጀመረ፡ ስዒድ፡ ኣብ ማሕበር መንእሰያት'ውን ነቲ ዝነበሮ ጥሙሕ ከምዘማዕበሎ ገሊጹ ነይሩ።

ስነስርዓት ቀብሩ ጽባሕ ሰዓት 4 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ፈለማ 2003 ካብ ድራማ፡ ናብ ፊልም ኣብ ዝተሰጋገረሉ፡ ኣብታ "ነውጺ" እትብል ፊልም ንፈለማ እዋን ከምዝተዋስአ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ምስ 'ናቲ ተቪ' ዝተባህለ ናይ ዩቱብ ቻነል ዝገበረ ቃለመሕትት ጠቒሱ ነይሩ።

ብዝያዳ ግን፡ ኣብታ መበል 124 ክፋል በጺሓ ዘላ ኣብ መንግስታዊት መደበር ተለቪዥን ኤሪ-ቲቪ ኤርትራ እትቐርብ ተኸታታሊት ፊልም "ማጨሎ" እዩ ዝፍለጥ።

ኣቐዲሙ'ውን፡ ኣብታ ካብ ታሕሳስ 2017 ጀሚራ ክሳብ ሚያዝያ 2019 ዝቐጸለት 67 ክፋላት ዝነበራ፡ ብሚኒስትሪ ምክልኻል ዝተዳለወትን ኣብ ኤሪ-ቲቪ ዝተቓለሐትን "ንጣብ ዝኽሪ ዘመን" እትብል ድራማዊት ፊልም ተዋሲኡ ነይሩ'ዩ።

ካብተን ዝፈትወን ፊልምታት እታ "ኣፍሮ" እትብል ምዃና'ውን ኣብቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ።

ስዒድ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ በቲ ዝነበሮ ሞያ፡ ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ንምስታፉ ዓቢ ሕልሚ ዝነበሮ ምንባሩ ይፍለጥ።