ሆንግ ኮንግ፡ ሓላፊ ድሕነት ነበር ሓድሽ መራሒ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጆን ሊ፡ ኣብቲ ብሕታዊ ሕጹይ ኮይኑ ዝቐረበሉ ዕጽው መስርሕ ምሃብ ድምጺ ሆንግ ኮንግ ተዓዊቱ መራሒ ኮይኑ።
ሹመት ሊ፡ መንግስቲ ቻይና ኣብታ ከተማ ዘለዎ ቁጽጽር ንምጥንኻር ዝተወስደ ስጉምቲ ተገይሩ ብሰፊሑ ይርኣይ ኣሎ።
ንሱ፡ እሙን ደጋፊ ቻይና ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓሓሊፉ ኣብ 2019 ኣብ ሆንግ ኮንግ ንዴሞክራሲ ደጊፎም ንዝካየዱ ዝነበሩ ሰልፍታት ተቓውሞ ይከታተሎም ነይሩ።
ካሪ ላም፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ነታ ከተማ ክትመርሓ ጸኒሓ እያ።
መራሕቲ ሆንግ ኮንግ፡ ኣስታት 1500 ኣባላት ብዘለውዎ ዕጽው ኮሚቴ ዝምረጹ ኮይኖም ዳርጋ ኩሎም ንቻይና እሙናት ከም ዝኾኑ ይንገር።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መረጻ ግን ሓደ ሕጹይ ጥራይ እዩ ቀሪቡ።
ሊ፡ ሓላፊ ድሕነት ሆንግ ኮንግ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብታ ከተማ ካልኣይ ዝዓበየ በዓል ስልጣን እዩ።
ንሱ፡ ዋላ’ውን ቻይና ደገፍ እትገብረሉ እንተኾነ፡ እቲ ብ2019 ኣዝዩ ኣካታዒ ዝነበረ ገበነኛታት ንቻይና ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዝወጽአ ረቒቕ ሕጊ ብምቅዋም ዝካየዱ ዝነበሩ ሰልፍታት ተቓውሞ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዝውሰዱ ስጉምታት ይቆጻጸሮም ነይሩ።
ብሰንኪ እቲ ረቒቕ ሕጊ ብዙሓት ናዕብታት ክፍጠሩ እንከለው፡ ንሱ ግን ደጋፊ እቲ ፖሊሲ እዩ ነይሩ። እቲ ሕጊ ድማ “ካብ ናዕቢ ናብ ምርግጋእ” ንምምላስ ይሕግዝ እዩ ኢሉ ይኣምን።
ፖሊስ፡ ሰልፈኛታት ንምብታን መንብዒ ትኪ፣ ናይ ጎማ ጥይታትን ካልኦትን ከይጥቀም ብምኽልካሉ ድማ ይንቀፍ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት ኣመሪካ ንዕኡ ዝርከቦም ዓሰርታት ሰብ መዚ እገዳ ክተንብረሎም እንከሎ፡ ዩትዩብ’ውን ብ2022 ጎስጓስ መረጻ ይገብረሉ ዝነበረ መጥቀሚ ክዕጾ ገይሩ።
እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ከተማ ዘሎ ንዴሞክራሲ ዝድግፍ ጉጅለ ሊግ ሶሻል ዲሞክራትስ፡ መረጻ ቅድሚ ምጅማሩ ሰለስተ ሰባት ጥራይ ዝተሳተፉሉ ሰልፊ ተቓውሞ ክገብር እንከሎ፡ “ስልጣን ናብ ህዝቢ ይመለስ” ዝብሉ ጭርሖታት የስምዕ ነይሩ።
“ሓድሽ ምዕራብ ጆን ሊ ነዚ ይመስል፤ ህዝባዊ ናጽነትና ይጸብብ ኣሎ። እቲ ንወስዶ ስጉምታት ለውጢ ከም ዘየምጽእ ንፈልጥ ኢና፤ ግን ክኣ ሆንግ ኮንግ ስቕ ክትብል የብላን” ትብል ሓንቲ ካብቶም ሰልፈኛታት ቬነሳ ቻን።
ቻይና፡ ከም ኣቆፃፅራ አውሮጳውያን ብ1997 እያ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢንግሊዝ ንሆንግ ኮንግ ተረኪባታ።
ኣብቲ እዋን፡ እታ ግዝኣት ብዘይካ ሰራዊት ምክልኻል፡ ርእሳ ዝኸኣለት ግዝኣት ኮይና ን50 ዓመታት ንክትቕፅል ድማ ተሰማሚዓ ነይራ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







