ኤለን መስክ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ክዕድጎ ተስማሚዑ

ቦርድ ትዊተር፡ ትዊተር ንሃብታም ዓለምና ዝኾነ ኤለን መስክ ብ44 ቢልዮን ዶላር ክሸጦ ተሰማሚዑ።

ቢልየነር መስክ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን እዚ ዘሰንብድ ዋጋ ከቕርብ እንከሎ ትዊተር ገና ዘይተፈተሸ "ዓብዪ ዓቕሚ" ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ትሕዝቶታት'ቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ምፍኳስ ክሳብ ናይ ስኑዕ ዜና መጥቀሚታት [ኣካውንታት] ምጥፋእ ኣገደስቲ ለውጥታት ከም ዝገብር እውን ገሊጹ።

ትዊተር መጀመርታ፡ መስክ እቲ ኩባኒያ ንምዕዳግ ዘቕረቦ ሓሳብ እኳ እንተነጸጎ ሕጂ ግን ኣብቲ ኩባኒያ ብጽሒት ዘለዎም ሰባት ነቲ ስምምዕ ከጽድቑ ድምጺ ክህቡ ክሓትት እዩ።

ሃብታም ዓለምና መስክ፡ መጽሄት ፎርብስ ከም ዝብሎ 273.6 ቢዮን ዶላር ዝተጻረየ ሃፍቲ ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ኤሌክትሮኒክ መኪና ቴስላ ብዘለዎ ብርክን መራሒ ትካል ስፔስ ኤክስን እዩ።

"ናጽነት ምዝራብ መሰረት ዴሞክራሲ'ዩ፤ ትዊተር ድማ ሰባት ወሰንቲ ጉዳያት መጻኢ ህይወት ዝካትዕሉ ዲጅታላዊ ኣደባባይ እዩ" ክብል መስክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ወሲኹ "ኣብ ትዊተር ሓደሽቲ ትሕዝቶታት ብምትእትታው ድማ ዝሓሸ ክኸውን፣ እቲ ስልቲ ቀመር [ኣልጎሪዝም] እምነት ንምድንፋዕ ክፍቲ ክኸውን ብምግባር፣ ዘየድልዩ ኣካውንታት ብምእላይን ኩሎም ተጠቀምቲ ሰባት ብምርግጋጽን ትዊተር ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ዝሓሸ ክገብሮ እየ" ኢሉ።

ትዊተር፡ ካብ ፖለቲከኛታትን ተቖጻጸርትን ኣብዚ መተግበሪ ብዛዕባ ዝዝርግሑ ትሕዝቶታት ጸቕጢ ክበጽሖ ጸኒሑ'ዩ።

ግጉይ ሓበሬታ ንምምማይ ዝገብሮ ጻዕሪ ብየማነ ጸጋም ነቐፌታ ከስዕበሉ ጸኒሑ።

ትዊተር ካብ ዝወሰዶም ስጉምታት እቲ ዝዓበየ፡ ሓደ ካብ ፍሉጣት ተጠቀምቱ ዝኾኑ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ካብ ትዊተር ምእጋዱ እዩ።

ንሱ "ጎነጽ ብምልዕዓል" ብዝብል እዩ ተኣጊዱ።

ሕጂ መስክ ትዊተር ምውሳዱ ኣብ ኣመሪካ ብዙሓት ክቕበሉዎ እንከለው፡ ዶናልድ ትራምፕ ብሰኑይ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዳግም ናብ ትዊተር ናይ ምምላስ መደብ የብለይን ኢሉ።

ዋይት ሃውስ ርኢይቶ ንምሃብ ፍቓደኛ እኳ እንተዘይኮነ፡ ወሃቢት ቃል ጂን ሳኪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ትዊተር መን ይወንኖ ብዘየገድስ፡ እቲ ፕሬዝደንት ብዛዕባ ሓይሊ ዓበይቲ መተግበሪታት ማሕበራዊ ሚዲያ ከተሓሳስቦ ጸኒሑ'ዩ" ኢላ።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ዲጂታል፣ ባህሊ፣ ሚዲያን ስፖርትን ዓዲ ኢንግሊዝ ኣባል ባይቶ ጁሊያን ናይት እቲ ውዕሊ "ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ዓለም ዝተበጽሐ ፍሉይ ምዕባለ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

"ብውልቂ ዝመሓደር ትዊተር [ብፍጹም ብናጽነት ምዝራብ ብዝምራሕ ሰብ] ዓለምለኻዊ ምንቅስቓሳት ንምቁጽጻር ዝገብሮ ስጉምቲ ምርኣይ ኣዝዩ ሰሓቢ'ዩ" ኢሉ።

ኢሎን መስክ ኣብ ትዊተር 80 ሚሊዮን ተኸተልቲ ዘለውዎ ኮይኑ፡ ንሱ ንርእሱ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ።

ብ2018፡ ተቖጻጸርቲ ፋይናንስ ኣመሪካ ሰብ ሃፍቲ ቴስላ ኣብ ትዊተር ብዝጽሕፎም ጽሑፋት የጋግዮም ኣሎ ክብሉ ከሲሶምዎ ነይሮም።

እቲ ናይ ይግብኣኒ ሕቶታት ብናይ 40 ሚሊዮን ስምምዕ ከም ዝተፈትሐ እኳ እንተተገለጸ መስክ ግን እዞም ክስታት ኣይቕበሎምን።

ብ2019 ብገበን ምጥቃን ተኸሲሱ እኳ እንተነበረ ጸኒሑ ግን ረቲዑ።

ምስ ጋዜጠኛታት ክገራጮን ነቐፍቲ ኣብ ትዊተር ክዓጸዕዎምን ዝጸንሐ መስክ፡ ብሰኑይ ኩሉ ብናጽነት ዝካትዐሉ መድረኽ ክኸውን እዩ ኢሉ ኣሎ።