እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትዊተር፡ ኣካያድን ሓደ ካብ መስረትትን ትዊተር፡ ጃክ ዶርሲ ካብ ሓላፍነቱ ተሰናቢቱ
ሓደ ካብ መስረትቲ ትዊተርን ላዕለዋይ ኣካያዲ ስራሕ ትዊተርን ዝኾነ ጃክ ዶርሲ ካብ መዝነቱ ከምዝተሰናበተ ገሊጹ።
ንዕኡ ተኪኡ ሓላፊ ተክኒክን ቴክኖሎጅን ትዊተር፡ ፓርግ ኣግራዋል ብግዝያውነት ላዕለዋይ ኣካያዲ ትካል ትዊተር ኮይኑ ክሰረሕ'ዩ።
ጃክ ዶርሲ ነዚ ሚልዮናት ተጣቐምቲ ዘለዉዎ ትዊተር ቅድሚ 15 ዓመት'ዩ ምስ ብጾቱ ኮይኑ መስሪትዎ።
ጃክ ዶርሲ "ነዚ ሓላፍነት ክገድፎ እንተኾይነ ሕጂ እየ ክገድፎ ዘለኒ" ድሕሪ ምባል፡ እዚ ዓቢ ትካል ማሕበራዊ ሚድያ ዝኾነ ትዊተር ብዘይ ብኡኡ ክቕጽል ከምዝኽእል ኣብሪሁ።
ነቲ ንዕኡ ተኪኡ ብግዝያውነት ሓለፍነት ዝርከብ ዘሎ ፓርግ ኣግራዋል ኣመልኪቱ kኣ "ኣብ ልዕሊኡ ዓቢ ትጽቢትን ርእሰ ምትእምማንን'ዩ ዘለኒ፡ ብኽእለቱን ብቅንዕንንኡን እተኣማመነሉ'ዩ" ኢሉ።
ፓርግ ኣግራዋል ኣብ ትካል ትዊተር ካብ 2011 ጀሚሩ'ዩ ክሰርሕ ጀሚሩ ካብ 2017 ጀሚሩ ኸኣ ሓላፊ ተክኒክን ቴክኖሎጂን እቲ ትካል ኮይኑ ብሓላፍነት ክሰርሕ ጸኒሑ።
ጃክ ዶርሲ ኣብ ኣፍንጭኡ ብዘላ ስቁሬንን ነዊሕ ጭሕሙን ከምኡ'ውን ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ጥራይ ብምምጋብ ፍሊይ ዝበል ኣካይዳ ዝኽተል ውልቀሰብ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓዲሽ ዓመት፡ ገለ ገለ ወገናት ኣተኩርኡ ኣብ ሓደ ትካል ጥራይ መታን ክገብር ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ክሓቱ ጸኒሖም'ዮም።
ጃክ ዶርሲ ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ምዃኑ ምስ ሓበረ፡ ዋጋ ሓደ ብርኪ ናይ ትዊተር ብመጠኑ ወሰኽ ናይ ዋጋ ከርኢ ክኢሉ እዩ።
ወዲ 45 ዓመት ጃክ ዶርሲ ንትዊተር ምስ ቢስ ስቶን፡ ኢቫን ዊልያምን ኖህ ግላስን ብምዃን እዩ መስሪትዎ።
እንተኾነ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ ናይ ትዊተር ብምልጣፍን ንነዊሕ ዓመታት ነቲ ትካል ብመሪሕነት ብምክያድን ስም ትዊተር እንክልዓል ጃክ ዶርሲ'ዩ ዝልዓል።
ጃክ ዶርሲ ኣብ 2008 ንትዊተር ብምግዳፍ 'ስኵዌር' ዝብሃል ዋግኡ ቢልዮናት ዶላርት ዝግመት ዲጂታላዊ ናይ ክፍሊታት መተግበሪ መስሪቱ ብመሪሕነት ከካይዶ ጀሚሩ ነይሩ እዩ።
እንተኾነ ንሸውዓተ ዓመታት ንትዊተር ብመሪሕነት ዘካየዶ ዲክ ኮስቶሎ ስራሕ ምስ ገደፎ፡ ጃክ ዶርሲ ላዕለዋይ ኣካያዲ ስራሕ ትዊተር ብምዃን ዳግማይ ናብ ሓላፍነቱ ተመሊሱ።