እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማይክ ታይሰን ኣብ ነፋሪት ንሓደ 'ጥርሙስ ዝደርበየሉ' ገያሻይ ኣጕሲጡ
ፍሉጥ ተጓሳጣይ ከቢድ ሚዛን ዝነበረ ማይክ ታይሰን ኣብ ነፋሪት "ጥርሙስ ንዝደርበየሉ" ሓደ ገያሻይ ብጕስጢት ከም ዝሃረመ ኣፈኛኡ ተዛሪቡ።
ኣብታ ነፋሪት ዝተስኣለ ቪድዮ፡ ማይክ ታይሰን ነቲ መንነቱ ዘይተገለጸ ሰብ ደጋጊሙ ከጕስጦ እንከሎ የርእይ።
እቲ ኣፈኛ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ታይሰን "ብሓደ ነግራም ገያሻይ ጥቕዓት ምስ ተፈጸሞ" እቲ ኩነታት ከምዘጋጠመ ኣረዲኡ።
ድሕሪ እቲ ኩነታት ናብቲ ቦታ ዝተላእኹ ኣባላት ፖሊስ ንኽልቲኦም ገያሾ ንሓጺር ግዜ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎም።
ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሳንፍራንሲስኮ ብዙሕ ከቢድ ዘይኮነ መቑሰልቲ ዘይበጽሖ ሓደ ገያሻይ ሕክምና ከምዝተገበረሉ'ውን ተፈሊጡ።
ኣፈኛ ፖሊስ ሳንፍራንሲስኮ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እቲ ውልቀሰብ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ብዙሕ ዝርዝራት ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይነበረን፤ ምስ መርመራ ፖሊስ'ውን ብዙሕ ኣይተሓባበረን" ኢላ።
ተወሳኺ መርመራ ክግበር እኳ እንተኾነ ክልቲኦም ውልቀሰባት ከምዝተፈትሑ ዝሓበረ መግለጺ ፖሊስ መንነት እቶም ሰባት ኣየነጸረን።
እቲ ክስተት ብረቡዕ ምሸት ካብ ሳንፍራንሲስኮ ናብ ፍሎሪዳ ንምብራር ትዳሎ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ጀትብሉ እዩ ኣጋጢሙ።
ገጽ ትዊተር መርበብ ሓበሬታ 'ቲኤምዚ' ናይቲ ክስተት ምዃኑ ዝገልጽ ቪድዮ እኳ እንተዘርግሐ ጠንቂ እቲ ባእስን ጥርሙስ ክድርበይ እንከሎን ኣየርእን እዩ።
ብመሰረት ሓበሬታ 'ቲኤምዚ' ፈለማ ታይሰን ምስቲ ገያሻይ ክሰኣል ፍቓደኛ ኮይኑ ነይሩ። እንተኾነ ግና ወላ'ኳ ታይሰን "ህድእ በል" እንተበሎ፡ እቲ ሰብኣይ ንታይሰን ምብስጫው ከምዝቐጸለ ኣረዲኡ።
ኣብቲ ቪድዮ ታይሰን ንሓደ ገያሻይ ኣብ ርእሱ ደጋጊሙ ከጕስጦ እንከሎ ካልእ ሰብ "ማይክ: ማይክ" እናበለ ከህድኦ ክፍትንን ካልእ ከኣ ንታይሰን እናደፍኦ ይርአ።
ታይሰን ኣብ ጸወታን ካብኡ ወጻእን ጎንጺ ብምጥቃም ፍሉጥ እዩ።
ኣብ 1992 ብጾታዊ ዓመጽ ገበነኛ ተባሂሉ ሰለስተ ዓመት ተዓሲሩ እዩ። ኣብ 1997 ከኣ ናይ መጋጥምቱ እዝኒ ብስኑ ብምምንጫቱ ካብ ጸወታ ተገሊፉ እዩ።
ካብ ለካቲት 2021 ንደሓር ኣብ ነፈርቲ ልዕሊ 7000 ግቡእ ዘይኮነ ባህርያት ብገያሾ ከምዝተርኣየ ጸብጻባት ምምሕዳር ኣቭየሽን ፌደራል የርእይ። ካብዚ እቲ 70% ምስ ማስክ ዝተኣሳሰር እዩ።