እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ዶላር ሎተሪ ዝተዓወተ ስደተኛ ነቲ ገንዘብ ክርከብ ተጸጊሙ
ሓደ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ፡ ንዝተዓወቶ ናይ ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ዶላር ሎተሪ ክርከቦ ተጸጊሙ'ሎ።
እቲ ኣልጀርያዊ ዜግነት ዘለዎ ውልቀሰብ፡ ኣብ ሃገረ ቤልጂም ብዝፈተኖ ሎተሪ €250,000 ዩሮ ($270,000 ዶላር) ተዓዊቱ'ሎ።
እንተኾነ ግን ኣብታ ሃገር መንበሪ ወረቐት ስለዘይብሉ ንዕድሉ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ይርከብ። እቲ ገንዘብ ብዙሕ ስለዝኾነ ብጥረኡ ኣብ ኢዱ ክወሃቦ ስለዘይክእል ከኣ ናይ ባንክ ሕሳብ ክህልዎ ኣለዎ።
በዚ ዝተጸገመ እቲ ስደተኛ፡ ንሓደ ዓርኩ ነቲ ገንዘብ ክረከበሉ ድሕሪ ምፍታኑ፡ እቲ ሰብ ብስርቂ ተኸሲሱ ንሓጺር ግዜ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ።
እቲ ዕድል ዘይገበረ ወዲ 28 ዓመት ዕድለኛ ስደተኛ በቲ ዝተዓወቶ ናይ ሎተሪ ገንዘብ ገይሩ፡ ሂወቱ ኣብ ቤልጂም ክመርሕ ከምዝደሊ ይዛረብ።
"እቲ ገንዘብ ኣብ ኢደይ ምስ ኣተወ፡ ብራስለስ [ርእሰከተማ] ዝነብረሉ ገዛ ክገዝእ'የ። ምናልባት'ውን መኪና" ይብል እቲ መንነቱ ብጋዜጣ 'ሄት ላስተ ኒውስ' ዘይተጠቕሰ ኣልጀርያዊ።
እንተኾነ ግን፡ ቅድሚ ሕልምታቱ ምግሃዶም፡ ፈለማ እቲ ገንዘብ ናብ ኢዱ ወይ ጅብኡ ወይ ሕሳቡ ዝኣትወሉ ዕድል ከናዲ ክግደድ'ዩ።
ዛጊት፡ ወረቐት መንነት ይኹን ዝነብረሉ ቀዋሚ ቦታ ከምዘይብሉ፡ መደበር ተለቪዥን ብልጂም ቪ-ኣር-ቲ ገሊጹ።
እቲ ስደተኛ ናይ ባንክ ሕሳብ ክኸፍት ስለዘይፍቀደሉ ድማ፡ እቲ ናይ ሎተሪ ትካል ነቲ ገንዘብ ኣይክህቦን'ዩ ይብል ጠበቓኡ ኣለክሳንደር ቨርስትራተ።
"ንመንነቱ ዘረጋግጹ ሰነዳት ንምርካብ ኢና ንጽዕር ዘለና። ነቶም ኣብ ኣልጀርያ ዘለዉ ስድራቤቱ ክውከሶም ኣለዎ" ክብል እቲ ጠበቓ ንኤ-ኤፍ-ፒ ተዛሪቡ።
ኣፈኛ ትካል ሎተሪ፡ ኣየናይ ሰነድ ክቕበሉ ከምዝኽእሉ ንኤ-ኤፍ-ፒ ኣየነጸረን።
ሓደ ካብቶም መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ኣዕሩኽቱ፡ ኣብ ክንድኡ ነቲ ገንዘብ ክርከብ ናብቲ ኣብ ብራስለስ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ትካል ሎተሪ ከይዱ። ዝኾነ ልዕሊ 100 ሽሕ ዩሮ ዝተዓወተ ሰብ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ብኣካል ክኸይድ ኣለዎ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ሰብ ምስ ካልኦት ክልተ ብጾቱ ብፖሊስ ተታሒዞም ንሓደ ለይቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም። ሰብመዚ፡ ነቲ ናይ ሎተሪ ካርድ ሰሪቖሞ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ኢሎም ጠርጢሮሞም ነይሮም። እቲ ዕዉት ስደተኛ ነቲ ኩነታት ምስ ገለጸሎም ግን እቶም ሰባት ተፈቲሖም።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እታ ዕውትቲ ካርድ ብቤት ፍርዲ ናይታ ኣብ ጥቓ ወደብ ዚብራግ እትርከብ ከተማ ብራግስ ተታሒዛ ኣላ። እታ ካርድ ኣብታ ከተማ'ያ ተዓዲጋ ነይራ።
ጠበቓኡ ከምዝበሎ፡ ሰብመዚ ነቲ ገንዘብ ክሳብ ዝርከቦ ከምዘይጥርዝዎ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።
እቲ ስደተኛ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ሃገሩ ኣልጀርያ ተበጊሱ፡ ብጃልባ ናብ ስፔን ድሕሪ ምእታዉ፡ ብእግሩ ንፈረንሳ ሓሊፉ ናብ ቤልጂም ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።
ውጥኑ ናብ ብሪጣንያ ምእታው'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ስድራቤት መስሪቱ ኣብ ቤልጂም ክነብር ተስፋ ከምዘለዎ ይገልጽ።
"ሰበይቲ ድማ ከናድየ" ክብል ንጋዜጣ ላሰተ ኒውዝ ዝተዛረበ እቲ ስደተኛ፡ "እንተኾነ ግና፡ ብገንዘብ ዘይኮነስ ብልበይ ክረኽባ'የ ዝደሊ" ክብል ገሊጹ'ሎ።