እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ ፈላሚ ተቓዋሚ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝኾነ ምዋይ ኪባኪ ዓሪፉ
ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ምዋይ ኪባኪ ኣብ መበል 90 ዓመቱ ከም ዝዓረፈ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣፍሊጡ።
ኣብ 2002 ናብ ስልጣን ዝደየበ ኪባኪ፡ ነቲ ን40 ዓመት ስልጣን ብሒቱ ዝነበረ ገዛኢ ሰልፊ ብምስዓር ንፈለማ እዋን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ፕረዚደንት ክኸውን ኣፍደገ ዝኸፈተ'ዩ ነይሩ።
እቲ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ዝተኻየደ ናይ 2007 ምርጫ፡ ናብ ሓፈሻዊ ናዕብን ጎነጽን ብምምርሑ ኣስታት 1200 ሰባት ዝሞትሉ'ዩ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ናይ 2002 ምርጫ ብኪባኪ ዝተሳዕረ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኬንያታ፡ "ንገዛኢ ሰልፊ ተሓታቲ ክኸውን ኣብ ምግባር መሪሕ ተራ ዝተጻወተ'ዩ" ክብል ኣመጒስዎ።
ኪባኪ ኣብታ ሃገር "ነባሪ ክብርን ፍቕርን" ክረክብ ዝበቕዐ መራሒ ምንባሩ'ውን ኬንያታ ተዛሪቡ።
ክሳብ ብወግዓዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክሳብ ዝፍጸመሉ ዝጸንሕ መዓልታት ሓዘን ብምእዋጅ፡ ንኽብሩ ባንዴራ'ታ ሃገር ኣብ ፍርቂ ዓንዲ ክትስቀል ኣዚዙ'ሎ።
ብዙሓት ኬንያውያን ብወገኖም፡ ድሕሪ ናጽነት ካብ ዝነበሩ መራሕቶም እቲ ዝበለጸ ፕረዚደንት ዝብልዎ ብምስኣኖም ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።
እቲ በሊሕ ኪኢላ ቁጠባ ምንባሩ ዝንገረሉ ኪባኪ፡ ነታ ሃገር ኣብ ጎደና ቁጠባዊ ዕብየት ከተምርሕ ዝገበረ'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ሂወቱ፡ ካብ ዝነበሮ መንግስታዊ መዝነታት ኣብ ክፍሊ ገንዘብ ዝነበሮ ሓላፍነት ይጥቀስ።
ኣብ ጉዳያት ፖለቲካ ግን፡ ተሪር መርገጺ ዘይወስድን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓጹር ደው ዝብል (ተወላዋሊ) ተበላጺ ምንባሩ'ዩ ዝግለጽ። ዋላ'ኳ ፈለማ፡ ኣብ ብዙሕነት ሰልፍታት ዝተሞርኮሰ ደሞክራሲ ዝቃወም እንተነበረ፡ ቅዋም እታ ሃገር ምስ ተመሓየሸ ግን ቀልጢፉ ነቲ ዕድል ተጠቒሙ፡ ተቓዋሚ ሰልፊ ካብ ዝመስረቱ'ዩ ነይሩ። ድሕሪ 10 ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድማ ንልፍንቲ ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ሰልፍታት ብምውካል ተዓዊቱ።
ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ከኣ እዚ ክልተ ዓብላሊ ፖለቲካዊ ባህርያቱ ብንጹር ተንጸባሪቑ'ዩ። ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ኬንያ ኣብ ዕድሚኣ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ቁጠባዊ ዕብየት ኣመዝጊባ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ሂወት ልዕሊ 1000 ሰባት ዝሞትሉ ናይ 2007 ምርጫ ንሓድጉ ደዊንዎ'ዩ።
ብዘይካ'ቲ ኣብ ቁጠባ ዘመዝገቦ እወታዊ ኣበርክቶ፡ ገለ ካብቲ ካልእ ዝዓበየ ዓወታቱ ድማ ኣብ ኬንያ ናጻ ትምህርቲ ምትእትታዉ'ዩ።
ኣብ 2010፡ ብህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ተቐባልነት ዝረኸበ ሓድሽ ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) ምጽዳቑ'ውን እቲ ካልእ ዓወቱ ምንባሩ ይግለጽ። እቲ ፍጻመ፡ ኬንያ ኣብ 1963 ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ ካብ ዝነበሩ ኣገደስቲ ፍጻሜታት ሓደ ምንባሩ'ዩ ዝጥቀስ።
እቲ ሓድሽ ቅዋም፡ ነቲ እዝዩ ምእኩል ዝነበረ ስርዓተ-ፖለቲካ ኬንያ ዘመቓርሐን፡ ንፕረዚደንታዊ ስልጣን ዝደረትን'ዩ ነይሩ።
ሓደ ካብ ዝዓበየ ድኽመታት ኪባኪ፡ ኣብታ ሃገር እናገደደ ዝኸደ ብልሽውና'ዩ ነይሩ። ዋላ'ኳ ኣንጻር ብልሽውና ክቃለስ ምዃኑ ቃል እንተ ኣተወ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ንባዕሉ ብብልሽውና ዝተቖማጠዐ'ዩ ነይሩ።
እቲ ዝኸፍአ ካብ ውድቀታቱ ግን፡ እቲ ኣብ 2007-2008 ዝነበረ ምርጫ ዝተራእየ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ጎነጽ'ዩ።
ኮሚሽን ምርጫ፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ፖሊስ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኪባኪ ከም ዝተዓወተ ኣፍሊጡ።
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ንውጽኢት ናይቲ ምርጫ ከም ዘይቅበሎ ገሊጹ እናሃለወ ድማ፡ ፕረዚደንት ኪባኪ ተቐላጢፉ ንካልኣይ እብረ ስልጣን ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ።
እቲ ስጉምቲ ሓያል ተቓውሞ ብምስዓቡ ድማ፡ ናብ ናዕብን ጎነጽን ኣምሪሑ።
ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳኛ ጆሃን ክሪግላር ዝተኻየደ መርመራ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ምርጫ ምጥፍፋእ ከምዝፈጸሙን መን ከምዝተዓወተ ክፍለጥ ከምዘይተኻእለን ደምዲሙ።
ኣብ መወዳእታ፡ ብመንጎኝነት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነበር ኮፊ ኣናን ብዝተገብረ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ስምምዕ እቲ ጎነጽ ሃዲኡ፡ ኪባኪ ኣብ ስልጣኑ ቀጺሉ.
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ድማ ሓድሽ ቦታ ተፈጢሩሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ።
ኦዲንጋ ብዛዕባ ሞት ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዘሕዝን ሃገራዊ ኣጋጣሚ'ዩ" ብምባል ኪባኪ "ንቡዙሕ ዓመታት ንሃገሩ ብተወፋይነት፡ ትብዓት፡ ቅንዕናን ግሉጽነትን ዘገልገለ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ ለካቲት 2020 ካብ 1978 ክሳብ 2002፡ ን24 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ነበር ኣራፕ ሞይ፡ ኣብ መበል 95 ዓመቱ ምማቱ ይዝከር።