እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኣብ ጉዳይ ዳግማይ ምርጫ ውሳነ ከይሃበ ተበቲኑ
ፕሬዚደንታዊ መረጻ እታ ሃገር ጽባሕ ይቐጽል'ዶ ኣይቐጽል ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ክውስን ተኣኪቡ ዝነበረ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ምልኣተ ደያኑ ስለዘይኣኸለ ድሕሪ ምብታኑ እቲ ምርጫ ክውን ከምዝኸውን ተረጋጊጹ።
በዚ ከኣ እቲ ንነዊሕ እዋን እቲ ምርጫ ኪግበር ደዩ ኣይክግበርን ዝብል ዝነበረ ምጥርጣር ተቐንጢጡ። ቤት ፍርዲ ኬንያ ምልኣተ ደያኑ ብዘይምርካቡ ዋላ ሓንቲ ኪገብር ከምዘይክእል ምሰሓበርን እቲ ኣቐዲሙ ተወሲኑ ዝነበረ ምርጫ ጋህዲ ምዃኑ ምሰተነጸረ ደገፍቲ ኡሁሩ ኣብ ኡሁሩ ፓርክ ሓጎሶም ይገልጹ ኣለዉ።
ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ንዘካይዳቶ መረጻ ሰሪዙ ዳግማይ ምርጫ ንኽካየድ ውሳነ ዘሕለፈ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ እቲ ጽባሕ ንኽካየድ ሰደቓ ግዜ ተታሒዝሉ ዘሎ መረጻ፡ ይቐጽል'ዶ ኣይቐጽል ኣብ ዝብል ዘትዩ ሎም መዓልቲ ክውስን'ዩ ትጽቢት ተገይርሉ ነይሩ።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት 'ኬንያ ንመረጻ ድልውቲ ኣይኮነትን ' ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘተኣኻኸብዎ ፊርማ ምስማዕ'ውን ሓደ ኣጀንዳ እቲ ቤት ፍርዲ'ዩ ነይሩ።
ብመሰረት ሰደቓ ግዜ ኮምሽን መረጻ ኬንያ፡ እቲ ዳግማይ ንኽካየድ ዝተወሰነ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ጽባሕ ክካየድ'ዩ ዝገበኦ ነይሩ።
ሓላፊ ፍትሒ ኬንያ ዴቪድ ማራጋ፡ እቲ ብ8 ነሓሰ ተኻይዱ ዝነበረ ፕሬዚደንታዊ መረጻ፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ስለዘይተሳለጠ፡ ዋጋ ኣልቦ መረጻ ከምዝኾነ ብምግላጽ ዳግማይ ክካየድ ወሲኖም ምንባሮም ዝዝከር'ዩ።
ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ጥርዓን ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ሰሚዑ ውጽኢት መረጻ ተዓዋታይ ፕሬዚደንት ምስራዙ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ከም ፈላሚ ታሪኽ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።
ይኹን እምበር እቶም ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ከሲሶም እቲ ምርጫ ኸምዝድገም ዝገበሩዎ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ራይላ ኦዲንጋ፡ እቲ ምርጫ ክካየድ የብሉን ዝብል ኣቕዋም ሒዞም ኣብ ዳግማይ መረጻ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ራይላ ኦዲንጋ ትማሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ንመላእ ኬንያውያን ዘየሳትፍ መሕፈሪ መረጻ ክብሉ ገሊጾም።
ካብቲ ዝሓለፍ መረጻ ፍልልይ ስለዘይብሉ ደገፍቶም ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዲፕሎማሰኛታት 20 ሃገራት ኣብ ጉዳይ መረጻ ኬንያ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ጽባሕ ክግበር ዝነበሮ መረጻ ብዝተፈላለዩ ስግኣታት ድሕነት ዝተዓጀበ'ዩ ኢሎሞ።
መሪሕነት ኮምሽን መረጻ ኬንያ ዝተፈላለዩ መጥቃዕትን ሓሳባትን ከተኣናግድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓንቲ ላዕለወይቲ ሓላፊት እቲ ኮምሽን፡ 'ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ስለዝኣተወ ስርሐይ ክለቅቕ ተገዲደ' ኢላ ኣብ ኣሜሪካ ተሪፋ'ያ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓጃቢ ምክትል ፍትሒ ኬንያ፡ ጥይት ተተኵስዎ ሓደጋ መቑሰልቲ ገጢምዎ። ስለምንታይ ብጥይት ከምእተወቕዐ ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ግዜ'ውን እንተኾነ፡ ኮምሽን መረጻ ኬንያ ፍትሓዉን ተኣማንን ከይዲ መረጻ ከካይድ'ዶ ይኸውን ኣብ ዝብል ሓሳብ ተሞርኪሱ ዝቐረበ ጥርዓን ህዝቢ ክርኢ'ዩ።
እቲ ብኣተሓባባርነት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተኣከበ ፊርማ ህዝቢ፡ እቲ መረጻ ንኣዋርሕ ንኽናዋሕ ዝሓትት'ዩ።
ፕሬዚደንት እሁሩ ኬንያታ ግና እቲ መረጻ ኣብ ዝተትሓዘሉ ናይ ግዜ ሰደቓ ከምዝካየድ እናገለጹ'ዮም።