እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ዳግማይ መረጻ ኬንያ ስግኣታት የንጸላልዎ'ሎ' ዲፕሎማሰኛታት
ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዝመደበሮም ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት፣ ብተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ (ሰልፊ) ናሳ ዝተነጽገ ድሕሪ ጽባሕ ዝካየድ ፕሬዚደንታዊ መረጻ እታ ሃገር፡ ስግኣታት ከምዘንጸላልዎ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብቲ 20 ተወከልቲ ዲፕሎማሰኛታት ዝሃብዎ መግለጺ፡ ጎንጽታት ዘራስኑ መደረታትን ኣብ ልዕሊ ኮምሽን መረጻ ኬንያ ዝግበር ዘሎ ዘመተን ድማ እቲ መረጻ ብኣውርኡ ኣብ ሓደጋ የእትዎ ከምዘሎ ገሊጾም።
ሓፍቲ ራይላ ኦዲንጋ፣ ጎንጽታት ብምርስሳን ክትክሰስ ከመእትኽእል ዓቀብቲ ሕጊ እናገለጹ'ዮም።
ካብቲ መረጻ ዓርሶም ዘግለሉ መራሒ ውድብ ፖለቲካ( ሰልፊ) ናሳ ራይላ ኦዲንጋ መረጻ ኣብ ዝካየደሉ ዕለት ህዝባዊ ተቓውሞ ጸዊዖም ኣለዉ።
ራይላ ኦዲንጋ፡ ኣብ ከይዲ እቲ መረጻ ገለ ምምሕያሻት እንተዘይተገይሮምን ገለ መራሕቲ ኮምሽን መረጻ ኬንያ ካብ ሓላፍነቶም ክእለዩ እንተዘይኪኢሎምን መረጻ ከምዘይካየድ ሓቢሮም።
ኮምሽን መረጻ ኬንያ፡ ፕሬዚደንት እሁሩ ኬንያታ ተዓዊቶም ኢሉ ዕላዊ መግለጺ ካብ ዝህብ ንደሓር ኣስታት 70 ዜጋታት እታ ሃገር ሞይቶም።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ድማ፡ ከይዲ ፕሬዚደንታዊ መረጻ፡ ቅንዕና ዝጎደሎን ስርዓት ዘይነበሮን ብምባል፡ ውጽኢት መረጻ ሰሪዙ ዳግማይ ንኽካየድ ምውሳኑ ዝዝከር'ዩ።
ዲፕሎማሰኛታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን፡ ዋላ እኳ ከይዲ መረጻ ወናኒት ዓብይ ቁጠባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ዝኾነት ኬንያ ከምዝተሓሳሰቦም ገሊጾም እንተነበሩ፡ ዋላ ሓንቲ ዝተማሓየሸ ነገር ከምዘየለ ራይላ ኦዲንጋ ቅሬትኦም ኣቕሪቦም።
20 ዲፕሎማሰኛታት ወኪሎም፡ ናይ ሓባር መግለጺ ቅዋም ዝሃቡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኬንያ ቦብ ጎዲክ፡ 'ካብ ክትሃንጽ ክተዕኑ'ዩ ዝቐልል፡ ስለዚ፡ ሓደጋ ዕንወት ሳዕቤኑ ከቢድ ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ኣለዎ' ኢሎም።
ሓደሽቲ መምረጺ ወረቓቕቲ፡ ናብ ኖቑጣታት መረጻ ንምክፍፋል ተዳልዮም ከምዘለዉን፡ ሓገዝቲ ናውቲ ቴክኖሎጂ ተሰናዲኦም ምህላዎምን ተረጋጊጹ'ሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ መረጻ ዘይክካየድ'ውን ከምዝኽእል ጥርጣረታት ኣለዉ። እንተተኻይዱ'ውን ተቐባልነት ይህልዎ'ዶ ኣይክህልዎን ካልእ ስግኣት ኮይኑ'ሎ።
መራሒ ተቓውሞ ራይላ ኦዲንጋ ኣብቲ መረጻ ከምዘይሳተፍ ተገሊጹ'ሎ። ገዛኢ ውድብ ፖለቲካ ጁቡሊ ድማ እቲ መረጻ ኣብቲ ዝተትሓዘሉ ናይ ግዜ ሰደቓ ከምዝካየድን ኬንያውያን ድምጾም ክህቡን ጻዊዒት ኣቕሪቡ'ሎ።
ሕገ መንግስቲ ኬንያ ዳግማይ መረጻ ክሳብ ሕዳር ሓደ ክካየድ ኣለዎ ይብል። ይኹን እምበር ገለ ሓለፍቲ ኮምሽን መረጻ ኬንያ ካብ ሓላፍነቶም ምልቃቖም ከይዲ እቲ መረጻ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ምግማት ኣጸጋሞ ኮይኑ ኣሎ።
ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣቦመንበር ኮምሽን መረጻ ኬንያ ዋፉላ ቸቡካቲ፣ ፕሬዚደንት እሁሩ ኬንያታ፡ እቲ መረጻ ሓሙስ ንኽካየድ ኣድላይ ዘበለ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከምእተገብረን፡ ኣብቲ ዝተመደበሉ ሰደቓ ግዜ ንኽካየድ ትጽቢት ከምዝገብሩን ምግላጾም ኣብሪሆም።
በዓል መዚ ዓቃቢ ሕጊ ኬንያ ብወገኑ፡ ሓፍቲ ራይላ ኦዲንጋ፣ ሩት ኦዲንጋ፡ ኣብ ኪሱሙ ማእኸል መሰልጠኒ መረጻ ብዘይ ፍቓድ ኣትያ ረብሻ ክለዓል ገይራ፡ ኣብ ንብረት ዕንወት ከጋጥም ስለዝገበረት ክትክሰስ ከምእትኽእል ኣፍሊጡ።
ሩት ኦዲንጋ ኣመሓዳሪት ክልል ኪሱሙ ኮይና ሰሪሓ ነይራ እያ።
ሓላፊ ኮምሽን መረጻ ኬንያ ኣይተ ጎደክ፡ ሰባት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ እቲ ኮምሽን ዝጀመርዎ ዘመተ ጠጠው ከብሉ ኣተሓሳሲቦም። ሽም ራይላ ኦዲንጋ ኣብቲ መምረጺ ወረቐት ክምዝህሉ'ውን ገሊጾም።
እቲ ኮምሽን፡ ኣብቲ ብናሓሰ ተኻይዱ ዝነበረ መረጻ፡ እሁሩ ኬንያታ 54 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቶም ኢሉ ዕላዊ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።