እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መፃኢ ዕጫ ፖለቲካ ኬንያ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ መረፃ ዝተሳተፉ ሕፁያት ዳግማይ ኣብ ዝካየድ መረፃ ክወዳደሩ ከምዝኽእሉ ወሲኑ።
እዚ ውሳነ ዝተወሰነ መራሒ ሰልፊ ናሳ- ራይላ ኦዲንጋ ኣብ መረፃ ከምዘይሳተፉ መሰፍለጡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።
ኡሁሩ ኬንያታ ዝተዓወቱሉ ውፅኢት መረፃ ተሰሪዙ ዳግማይ መረፃ ክካየድ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ምውሳኑ ይዝከር።
ይኹን እምበር ራይላ ኦዲንጋ "ዝተቐየረ ነገር ስለዘየለ ዳግማይ ስሕተት ክፍፀም ይኽእል'ዩ" ብምባል ኣብ መረፃ ከምዘይሳተፉ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ'ውን ፓርላማ እታ ሃገር ተናሓናሕቲ ሰልፍታት እንተተቓወምዎ'ኳ ኣብ ሕግታት መረፃም ምምሕያሻት ገይሩ'ሎ።
ዳግማይ መረፃ ክካየድ'ዶ ይኸውን?
እወ ክካየድ እዩ።
ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኬንያ፡ እቲ ዳግማይ መረፃ 22 ጥቅምቲ ክካየድ እዩ።
ውሳነ ቤት ፍርዲ ከምዘመልክቶ፡ ዋላ'ውን ራይላ ኦዲንጋ ኣብ መረፃ ከምዘይሳተፉ እንተፍለጡ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ግን ካልኦት ተናሓናሕቲ ካብቲ መረፃ ክወፅኡ ክሳብ ዘይወሰኑ ክወዳደሩ ግድን እዩ። እዚ ድማ ኡሁሩ ዳግማይ ክምረፁ ዓብዪ ዕድል ይፈጥር።
ምኽንያቱ፡ እቶም ተናሓናሕቲ ኣብ ዝሓለፈ መረፃ ዝረኸብዎ ድምፂ፡ ትሕቲ ሓደ ሚኢታዊት'ዩ። እቲ ፈለማ ክካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ዳግማይ መረፃ ኡሁሩን ኦዲንጋን ጥራሕ ከወዳደሩ'ዩ ዝፈቅድ ነይሩ።
ራይላ ኦዲንጋ ስለምንታይ እዮም ካብመረፃ ክስሐቡ ወሲኖም?
መራሒ ጥምረት ዝተፈላለዩ ሰልፊታት ዝኾኑ ኦዲንጋ ምኽንያቶም እንተረድኡ፡ "ተኣማንነት ዝህልዎ መረፃ ንኽካየድ ዘነፀርናዮም መዐቀኒታት ኣይተማልኡን። ኮሚሽን መረፃ ኣድላዪ ምምሕያሻት ንኽገብር እኹል ግዜ የድል እዩ" ይብሉ።
ራይላ ኦዲንጋ ዝመርሕዎ ጥምረት ሰልፍታት ዘልዕሎም ሕቶታት፡
- ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ንዝተኻየደ ምርጫ ከምዝዛባዕ ዝገበሩ ኣፈፀምቲ መረፃ ክስጎጉ ይግባእ።
- ኣብ እዋን መረፃ፡ ኣብ ካርድታት መረፃን ኣድመፅትን፡ ምፅራይ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣካላት ክቕየሩ ኣለዎም።
- ውፅኢት መረፃ ከይጭብርበር ዓለማዊ ኪኢላታት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ምስቲ ኮምሽን መረፃ ሓቢሮም ይስርሑ።
ኮሚሽን መረፃ ዝገበሮ ለውጢ
ውፅኢት መረፃ ውድቂ ካብ ዝገብሮ ንደሓር ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ዋፉላ ቼቡካቲ ኣብ ኣባላቶም ለውጢ ከምዝገብሩ ቃል እንተኣተው'ውን ካብ ካልኦት ኮሚሽነራት ተቓውሞ ገጢምዎም'ዩ።
ንዳግማይ መረፃ ዝከታተል ሓድሽ ጉጅለ እንተቖሙ'ውን ምስ ካልኦት ኮሚሽነራት ብኸመይ ሓቢሩ ክሰርሕ ከምዘለዎን ገደብ ሰልጣኑን ኣይተነፀረን።
እቲ ኮሚሽን ቅድም ኢሉ ንዝተኻየደ መረፃ ዘሳልጡ ናውቲ ምስ ዘቕረቡሉ ትካላት ውዕል ስለዘለዎ፡ ካልእ ትካል ነቲ ናይ ሕዚ መረፃ ከምዘፈፅም ምግባር ከምዘይክኣል ኣፍሊጡ።
ኦዲንጋ ኣብ መረፃ ከምዘይሳተፉ ምስሓበሩ፡ እቲ ኮሚሸን ብኸመይ ንቕድሚት ክስጉም ከምዝኽእል ምስ ሰብ-ሞያ ሕጊ ከምዝመኻኸረሉ ገሊፁ'ዩ።
ሰልፊ ኡሁሩ ኬንያታ እንታይ በለ?
ገዛኢ ሰልፊ ጁብሊ ኣብቲ ዳግማይ መረፃ ከምዝሳተፍ ኣፍሊጡ'ዩ።
ኣብ ፓርላማ ንዘለዎ ዓብላልነት ተበሊፁ ድማ ንኣዘራራቢ ሕጊ-መረፃ ከመሓይሽ ተቓሪቡ'ሎ። እቲ ምምሕያሽ ድማ ኣብ መረፃ ንዝፍጠሩ ምጭብርባራት ንምክልኻል ዝተነፀሩ መስርሓት ከይቕይር ይስጋእ።
እቲ ምምሕያሽ ዘካተቶም ዛዕባታት፡
- ኣብ ዝካየድ መረፃ ነቲ ውፅኢት ዘይቕበል እንተሃልዩ፡ ዝተፈጠረ ፀገም ብኣግባቡ ከረድእ ኣለዎ
- ኣቦ መንበር ኮሚሽን መረፃ ንምዃን እንተንኣሰ ን15 ዓመታት ብዳንነት ወይ ድማ ብጠበቓነት ዝሰርሑ በዓል ተሞክሮ ክኾኑ ይግባእ፡ ንዝብል ሓሳብ ምውጋድ። እዚ ድማ ሕዚ ንዘለው ኣቦ መንበር ብምልዓል ንገዛኢ ሰልፊ ዝቐረበ ሰብ ንምሻም ዝተገበረ'ዩ ብዝብል ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ።
- ኣቦ መንበር ኮሚሽን መረፃ፡ ዋላ'ውን ድምፂ ሙሉእ ንሙሉእ ተቖፂሩ እንተዘይተዛዘመ፡ ዝተረፈ ድምፂ ዘምፅኦ ለውጢ ከምዘይህሉ እንተተረጋጊፁ ተዓዋቲ ኣካል ብዕሊ ከፍልጡ ይኽእሉ እዮም ዝብሉ ይርከብዎም።
ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ምምሕያሽ ሕጊ-መረፃ ብዘይካ ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ብመራሕቲ ሃይማኖት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ንኣሜሪካን እንግሊዝን ሓዊሱ ብካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ኮሚሽን መረፃ ኬንያን ተነቒፉ እዩ።
ምምሕያሽ ምስተገበረሉ ድማ ይትረፍ ኣብቲ ዳግማይ መረፃ፡ ይግበር ንዘሎ ቅድመ ምድላዋት እውን ዝሰማማዕ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ቀሪቡ'ሎ።
ኡሁሩ ኬንያታ ዛጊድ ተግባራዊ ንዘይተገበረ ምምሕያሽ ብፌርምኦም ከምዘፅድቕዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ገዛኢ ወድብ-ጁቢሊ "ምምሕያሽ ምግባር ዘድለየ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ተኻይዱ ውድቂ ዝተገበረ መረፃ ክፍተታት ከይፍጠሩ ንምግባር እዩ" ብዝብል ንዝቐርቡ ተቓውሞታት ከህድእ እናፈተነ ይርከብ።
ቀፃሊ እንታይ ክፍጠር ይኸውን?
ሰልፊ ናሳ "ለውጢ እንተዘይሃልዩ መረፃ የለን" ብዝብል ጭርሖ ደገፍቱ ናብ ሓድሽ ተቓወሞ ክወፅኡ ይፅውዕ ኣሎ። ገዛኢ ሰልፊ ጁቢሊ ከኣ ብወገኑ ወፍሪ ምረፁኒ ኣጠናኺሩ ቀፂሉ'ሎ። ነዚ ስዒቡ ናዕቢ ከይለዓል ስግኣት ኣንፀላልዩ ይርከብ።