ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኬንያ ኣብ ሕገ መንግስቲ ለውጢ ንምምጻእ ዝዓለመ ተበግሶ ዓጊቱ

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኬንያ ነቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ለውጥታት ንምትእትታው ዝዓለመ ተበግሶ ደው ኣቢሉ።

ደያኑ እቲ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ነቲ 'ቢቢኣይ' ዝተሰመየን ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝተደገፈን ጽገናታት ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን ዘይሕጋዊ ተግባራት ከምዝፈጸመ ገሊጾም።

እቲ ተበግሶ ኣብ ስልጣን ብዘሎ መራሒ ሃገር ዘይኮነ ብዜጋታት ክምራሕ ነይርዎ ኢሎም።

እቲ ውሳነ ኬንያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሓፈሻዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትንቀሳቐሰሉ ዘላ እዋን እዩ ተዋሂቡ።

እቲ ጽገና ዝያዳ ኣሳታፊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ኣብ ምፍጣር ኣድላዪ ምዃኑ ዝምጉት ፕረዚደንት ኬንያታ ድሮ ንኽልተ እብረ ኣብ ስልጣን ብምጽንሑ ኣብቲ ምርጫ ኣይወዳደርን እዩ።

ገለ ካብቲ ቀንዲ እማመታት እቲ ጽገና፡ ምትእትታው መዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝብል እዩ።

እቲ መወዳድርቱ ዝነበረ ድሒሩ ተሓባባሪኡ ዝኾነ ራይላ ኦዲንጋ ኣብቲ ምርጫ እንተተዓዊቱ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ክደልይ እዩ ዝብል ጥርጣረታት ኣሎ።

ራይላ ኣብቲ ኣብ 2017 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብጸቢብ ክሰዓር እንከሎ ምጥፍፋእ ከምዝነበሮ ምኽሳሱ ይዝከር።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ግና ክልቲኦም መወዳድርቲ ብሓባር ንምስራሕ ክሰማምዑ እንከለው ነቲ ተበግሶ ምህናጽ ደልድል (ቢቢኣይ) ዝብል ውጥን ኣበጊሶም።

ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ምኽትሉ ዊልያም ሩቶን ግና ሓጓፍ ተፈጢሩ።

ኣብቲ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዊልያም ሩቶን ራይላ ኦዲንጋን ቀንዲ መወዳድርቲ ክኾኑ ትጽቢት ይግበር።

ዊልያም ሩቶ ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ "እዚ ውጥን ንኣይ ደፊእካ ካብ መንግስቲ ንምውጻእ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ እዩ" ክብል ንቢቢኣይ ዝምልከት ርእይቶኡ ሂቡ ነይሩ።

ራይላ ኦዲንጋ ድሕሪ ውሳነ እቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ በቲ ውሳነ ከም ዘይዕንቀፍን ንረብሃ ናይቶም ነቲ ጽገና ዝደገፉ ወገናት ከምዝሕሉን ተዛሪቡ።

ብዙሓት ተንተንቲ እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተወሃበ ውሳነ እቲ ቤትፍርዲ ንሩቶ ዓወት ምዃኑ ክገልጹ እንከለው፡ እቶም ናይ ብሓቂ ተዓወትቲ ግና እቶም ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ብዘይ ህዝባዊ ተሳትፎ ብልሂቃን ለውጥታት ከይግበረሉ ምእንቲ ካብ ታሕተዎት ኣብያተ-ፍርዲ ጀሚሮም ክሳዕ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ዝተቓለሱ ዜጋታት ኬንያ እዮም።

ጽገናታት ቢቢኣይ ንኬንያ ናብ ሓድነት ዘምጽእ ምዃኑ ክንገረሉ እኳ እንተጸንሐ፡ እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ንቀንዲ ጽገናታት መንግስቲ ዝቃወም ምኽትል ፕረዚደንትን ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ነቲ ለውጢ ዝመርሕን ተቓዋምን ዘለዋ ክትኸውን ጌሩ ኣሎ።

እቲ ናይ ሓሙስ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኬንያ ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ፓርላማ ተወሳኺ 70 መናብር ናይ ምፍጣር ውጥን'ውን ዓጊቱ ኣሎ።