እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ሱዳን፡ ኤርትራ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ 'ተበግሶ' ኣቕሪባ
መንግስቲ ኤርትራ ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ዝሕግዝ "ተበግሶ" ከምዘቕረበ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።
እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተበገሰ ዝተገልጸ መርገጺ፡ ንርእይቶ ኩሎም ሓይልታት ሱዳን ዘንጸባርቕ'ዩ ክብል ሱና ጠቒሱ።
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ትማሊ ምስ ኣባል ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ሸምስ ኣል-ዲን ካባሺ ኣብ ዝተራኸበሉ ብዛዕባ'ቲ ተበግሶ ከምዝተዘራረበ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
"ጀነራል ካባሺ ንጸጥታን ምርግጋእን [ሱዳን] ዘሐይልን ንፖለቲካዊ ቅልውላው ዝፈትሕን ኩሉ ተበግሶታት" ብሓጎስ ከምዝቕበልዎ ከምዝገለጸ'ውን ጸብጻብ ሱና ጠቒሱ'ሎ።
እንተኾነ ግን እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ'ቲ "ተበግሶ" ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኤርትራ'ውን ብወገና ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ "ተበግሶ" ብወግዒ ዝሃበቶ መግለጺ የለን።
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ዝርከቦ ልኡኽ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ካርቱም ብምኻድ ምስቶም ብዕልዋ ስልጣን ጨቢጦም ዘለዉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝርከብዎም ሰብመዚ ሱዳን ተራኺቡ ነይሩ'ዮ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ብሲቪላዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምፍራስ ስልጣን ጠቕሊሉ ኣብ ኢዱ ድሕሪ ምእታዉ፡ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ተሸሚማ ትርከብ።
እቶም ብቐደሙ'ውን ብልፍንቲ ሲቪላውያንን ወተሃደራውያንን መራሕቲ ዘይቀሰኑ ብዙሓት ሱዳናውያን ንኣዋርሕ ህዝባዊ ተቓውሞታቶም ከስምዑ ጸኒሖም ኣለዉ።
ኣብቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ናዕብታት ሓያሎ ሱዳናውያን ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።
ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብኦም ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ንጎነጻዊ ግብረመልሲ ሓይልታት ጸጥታ ብምኹናን ስልጣን ንሲቪላዊ መንግስቲ ከረክቡ ጸቕጥታት ክገብራ ምጽንሐን ይፍለጥ።
ወተሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን፡ ነቲ ብመሰረት ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሃገራዊ ምርጫ ብምክያድ ስልጣን ናብቲ ብህዝቢ ዝምረጽ መንግስቲ ከምዘረክቡ'ኳ ቃል እንተ ኣተዉ፡ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን ክካየድ ዝኽእል እንተኾይኑ ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።
ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙናት ናብ መዝነቱ ተመሊሱ ዝነበረ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ንምውራድ ብምውሳኑ መንግስቲ ሱዳን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ክኸውን ገይሩ’ሎ።
እቲ ሰራዊት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ዕልዋ መንግስቲ ብምፍጻም ንሲቪላውያን መራሕቲ ድሕሪ ምብታኑ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን እኳ እንተኣወጀ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክገትኦ ኣይከኣለን።
ቀንዲ ጠለባት እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ እቲ ሰራዊት ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክብን ካብ መሪሕነት ክእለን ዝብል ምዃኑ ኣወሃሃድቲ እቲ ሰልፍታት ይገልጹ።
ኤርትራ ነቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ዝኣለየ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ወተሃደራዊ ዕልዋን ደጊፋ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።