እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳናዊያን ዋጋ ባኒ ብምንሃሩ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም
ሱዳናዊያን ዋጋ ባኒ ብምንሃሩ፡ ድምጺ ተቓውሞ ከስምዑ ናብ ኣደባይ ወጺኦም።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም ተባሂሎም።
ተቓወምቲ፡ ብፍላይ ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፡ እናነሃረ ንዝመጽአ ዋጋ ባንን ነዳድን፡ መንግስቲ ፍታሕ ክህብ እዮም ዝሓቱ ዘለዉ።
እቶም ሱዳናዊያን ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እትርከብ፡ ዳማዚን፡ እዮም ንተቓውሞ ሰልፊ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም።
ኣብ ውሽጢ ዳማዚን ዝነበረ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ንምብታን ፖሊስ ጥይት ተኲሱልና ክብሉ፡ እቶም ሰልፈኛታት ይኸሱ።
ኣብ ሱዳን፡ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ፡ ዋጋ ባኒ 40 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።
ዋጋ ነዳዲ’ውን ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናነሃረ እዩ መጺኡ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ሓደ ሲሶ ህዝቢ ሲዳን ተጸባዪ ረድኤት ኮይኑ እዩ ዘሎ።
ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት እናኸፍአ ዝመጽአ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ ስዒቡ፡ ብዙሓት ትካላት ረድኤት ነታ ሃገር ለቒቖም ብምውጸኦም እዩ።
ሱዳናዊያን ናይ ናብራ ምኽባር ምኽንያት ገይሮም ንተቓውሞ ሰልፊ ክወጽኡ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።
ሕዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ኦማር አል-ባሽር፡ ካብ ስልጣን ዝተኣለየ፡ ናህሪ ዋጋ ብምቅዋም ብዝተጀመረ ሰልፊ ተቓውሞ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እታ ሃገር ድሕሪ ውድቀት አል-በሽር እውን እንተኾነ፡ ዛጊድ ሰለም ኣይረኸበትን።
በወተሃደራውን ሲቪላውን ጣምራ ክትመሓደር ዝጸንሓት ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካልእ ዕልዋ መንግስቲ ምትእጋዳ ዝዝከር እዩ።
ነቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ዝመርሕ ዝነበረ፡ ጀነራል ዓብድል ፋታሕ አል-ቡርሃን፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ኣልዒሉ፡ ሕዚ ስልጣን ንበይኑ ብሒትዎ ይርከብ።