ገምጋም መጽሓፍ “ጸላም ሳንዱቕ” ብሳራ በላይ

ኣርእስቲ መጽሓፍ፦ ጸላም ሳንዱቕ (ታሪኻዊት ልቢ ወለድ)

ደራሲት፦ ሳራ በላይ

ሕትመት፦ ሬድ-ሲ ፕረስ

ዓመተ-ሕትመት፡- 2022

ብዝሒ ገጻት፦ 471

ኣብታ ታሪኻዊት ልበ ወለድ ዝኾነት መጽሓፍ “ሳባ” ብእትብል ጠባይ እትውከል ሰብ፡ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ዓብያን ተማሂራን ኣብ ንእስነታ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተሰለፈት፡ ካብ መዛኖኣን መተዓብያታን ፍልይ ዝበለ ጠባይ ዘለዋ፡ ውዕይትን ገርህን፡ ነገራት ክትፈልጥ ፋሕተርተር እትብል ደፋር ፍጥረት እያ።

እታ ደራሲት ዝሓረየታ ገጸ ባህርይ፡ ኣብ ቁልዕነታ እትጻወቶ ዝነበረት ዓይነት ጸወታታት ቘልዑ ከተማ፡ “ሳልባቲ፡ ባሊና፡ ማይ-ዶ ጸባ፡ ሃክቲ፡ ክቢ ዓለም፡ ኣሸኻኻት ዓለም”፡ ብሰንኪ እቱ ውዑይ ጠባያ ቅጽላት ዘልግቡላ ዝነበሩ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ምስ መዛኖኣን ምዕባያን ዝነበራ ዝምድና፡ ባእስን ዕርቅን ቁልዕነት፡ ኣብ ምጅማር ትምህርቲ ዘጋጠማ ክብደት ቋንቋ ኣምሓርኛ፡ ብብቕዓቶም እተድንቐም ኮነ ብባህሪያቶም እትፈትዎምን እትጸልኦምን መማህራና፡ ንወለዳን አሕዋታን ሰራሕተኛ ቤቶምን ከልቦምን ዝሓቖፈ ስድራ ዘሕለፎ ጽቡቕን ሕማቕን ናብራን መከራን ብተነባቢ ዝኽሪ ኣስፊራቶ ኣላ።

ሕርሻዊ ፍርያት ከተማ ደቀምሓረ

ደራሲት ኣብ መጽሓፋ፡ ንጀራዲን እንዳ ጋሎን ሮዛቲን፡ ንፍሩታታትን አሕምልትን እታ ከተማ፡ ኣብ ቀጽሪ እቲ ጀራዲን ዝእለያ ብሰንኬሎ ዝሕለባ ባርካ ወይ ጋሙስ ዝዓይነተን ከብቲ ዝህበኦ ጸባን ውጺኢቱን፡ ኣብ እንዳ ካዛኚ ዝጽሞቕ በብዓይነቱ ነቢት፡ ዝተፈላለየ ዝጣዕሙን ቅርጹን ብሽኮቲ፡ ፓስታን ፊኖን እንዳባ ሓበሽ፡ ንኣነባብራ እቲ ካብ ፈቐዶ ካባቢታታ እተኣኻኸበ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ፡ ኣብ ጀራዲን ኣውፈርትን ፋብሪካታትን ሰሪሑ ዝነብር ህዝባ እውን ብድሙቕ ስእለ አእምሮ ብዝርዝር ቀቢኣቶ ኣላ።

ዓመተ - 1975 ፖለቲካዊ ዕግርግርን

ደራሲት እቲ ንህይወታ ዝቐየረ ብዘበነ- ዕግርግር ዝፍለጥ ንመማህርታ ጽገሬዳ መንግስተኣብን ስድረኣን ዝቐዘፈ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ዘጋጠመ ጃምላዊ ቅትለት 1975፡ ድሕሪ እቲ ቅልውላው ካብቲ ቀይሕ ራዕዲ (ቀይ ሽብር) ነብሰን ከድሕና ምስ ዝነፈጻ ስድራ ቤታት ኣብ ጉራዕ ዘሕለፈቶ ተመኩሮ፡ ነናብ ትውልዲ ዓደን ናብ ገጠራት ዝተዘርዋ ስድራ ቤታት ዝተበታተኑ አሕዋት፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ናብ ቃልሲ ዝወሓዙ መንእሰያት፡ ነቲ ኣብ ሰብዓታት ምስ ምሕራር ከተማታት ዝተራእየ ተስፋን ኣብ ዓመቱ ብምዝላቕ ዝደበነ ሃንቀውታን ምስ ናይ ደቂቕ ዝርዝራቱ ሰኒዳቶ ኣላ።

ሳራ፡ ነቲ ንሜዳ ዘንፈጻ ምስጢራዊ ውዳበ፡ ንጽንዓትን መስዋእትን ናይቶም ኣብ ከተማታት ብምስጢር ክሰርሑ ድሕሪ ምጽናሕ መስመራት ርክባቶም ብስለያን ጥቆማ ሃሱሳትን ምስ ተሰብረ ካብ መንጋጋ ጸላኢ ንስረ ዘምለጡን፡ ንስድራ ቤቶም ለኪሞም በጃ ዝሓለፉ "ውፍያት ተጋደልቲ ከተማ" እውን ኣይሰገረቶን።

ዓመተ ተስፋ1977 ዓመተ ምዝላቕ 1978

ሰብን መሬትን በብቑሩብ ሓራ ምውጻእ ብዝብል ፖሊሲ ብሳሕልን ባርካን ዝጀመረ ምሕራር ከተማታት ጀብሃን ሻዕቢያን፡ ንከበሳታት ኣንቃዕሪሩ፡ ሒደት ከተማታት፡ ኣስመራ፡ ዓዲቐይሕን ባረንቱን ዓሰብን ዝተረፋ ኩለን ከተማታት ኤርትራ ነጻ ወጺአን፡ "ናጽነት ስግር ሸውዓተ ቃዳሩ ሰሓርቲ ትረአ ኣላ" እናተባህለ ነቲ ድሙቕ ተስፋ ዘቕሃመ ምዕባለታት መጺኡ።

እቶም ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ እምበር ብዕላማ ዘይፈላለዩ ኣብ ክልተ ውድባት ዝተሰለፉ ደቂ ሓንቲ ማህጸን ተጋደልቲ ጀብሃን ሻዕቢያን ፍልልያቶም ኣወንዚፎም “ሆ” እንተይሎም ነጻነት ጽባሕ ክውንቲ ክትከውን እያ ክብል ዝጸንሐ ህዝቢ፡ ሓጻውን ኪዩቫን ሩስያን ዝዓጠቐ ሺሾ ሰራዊት ደርግ ንሰሜን ምስ ፈሰሰ “ንጋሻ ውሕጅ ተኣሊኻ ምሕላፉ እዩ ዝሓይሽ” ዝበለ እቲ ውድባት፡ ብኸቢድ ዋጋ ንዝሓረሮ ቦታታት ሓዲጉ ኣንሳሒቡ። ሽዑ ዝነበረ ሕራነን ስምዒትን ህዝቢ ከምዚ ትማል ዝተፈጸመ ብህያው ምስሊ ኣብ መጽሓፍ ጸላም ሳንዱቕ ኣሎ።

ህይወት ኣብ ታዕሊም ሳሕል

“ሳባ” ኣብ ታዕሊም፡ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ምስ ዝረኸበቶም ሰውራ ዝኣኻኸቦም፡ ከም ብዝሖም ዝተፈላለየ ዝኣመሎም ደቂ ከተማን ገጠርን ዘሕለፈቶ፡ ዘሰቅቕ ዘጨንቕ፡ ዘሕዝን፡ ዘሐጉስ፡ ዝፍትን ተመኩሮታት ብዝርዝር ኣቕሪባቶ ኣላ።

እታ ንተመኩሮኣ ዝወከለት ቀንዲ ጠባይ ኣብቲ ዘጨንቕ ከቢድ ህይወት ነቲ ከም ግርምኣን ኩርዓታን እትቖጽሮ ዝነበረት ጸጕሪ ርእሳ ክትቅምቀም እንከላ፡ ምድረ ሰማይ እኩት ከምዝበላ ከምዚ ክትብል ገሊጻቶ።

“እቲ በዓል መቐስ … መቐሱ ጨርባሕባሕ እናበለ ምስ ቀረበኒ፡ ርእሰይ ክቖርጸኒ ዝመጽአ መሰለኒ። ኣተሓሕዛ መቐሱ፡ ደው ኣበሃህላኡ፡ ኣጠማማእታኡን እቲ ፈልጺ ዝመስል ቀላጽሙን ኣፍርሓኒ። ንሱ ግን ዝኾነ ስምዒት ኣይነበሮን። … ጸጉረይ በብዕታር ከም ነዊሕን ጽቡቕን ሳዕሪ ተተቖልዒጹ ኣብ ኢደይ ክውድቕ ጀመረ። ተኾርምየ ዝርንዝሕ ነባዕኩ። ኣዴኻ ሞይታትካ ጥራሕ ኢኻ ከምቲ ሽዑ ዝነባዕኩዎ እትነብዕ” ብማለት ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ጸጕሪ ርእሲ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ተረድእ።

ደራሲት ብመገዲ ሳባ ነቲ ከቢድ ምረት ዝፈጠረላ ጽኑዕ ምቁጽጻር፡ ሓጺናዊ ድስፕሊን፡ ጥሜትን ጽምእን፡ ዕረፍቲ ዘይህብ ኣካላዊ ታዕሊምን፡ ወተሃደራዊ ትምህርትን፡ ዕንጸይቲ ንኽትኣሪ እትጎዓዞ ርሑቕ መገዲ፡ ኣብቲ ውዑይ ክላይመት ብዝመንገነ ሓሪጭ ወዲ ዓከር ብትክን ዋዕን እናተለብለብካ ኣብ እምኒ እትቕጭቅጮ ቀጫጩ፡ መስርሕ ናይቲ ንገሊኡ ዝስሕሎ ንገሊኡ ከኣ ዝድህሎ ነቐፌታን ነብሰ ነቐፌታን፡ ዘቕረበትሉ ዝርዝራት ታዕሊም ኣዝዩ ከቢዱዋን መሪሩዋን ከምዝነበረ የረድእ።

ሳባ ኣብ ዕርድታት ሓርነት ኣብ ኵናትን መስዋእትን

ታዕሊም ወዲኣ ኣብ ሓይልታት ምስ ተመደበት ምስ ጸላኢ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ኣብ እትመዓደወሉ ኣብ ገሊኡ ዓው ኢልካ እተዕልለሉን እትካትዓሉን መዓልታዊ ሞት ዘይፍለዮ ድፍዓት ዝነበረ ህይወትን ተወፋይነት ናይቶም ከካብ ዝተፈለላየ ቀጸላ ሕብረተሰብ መጺኦም ብሓደ ሃገራዊ ዕላማ ንናጽነት ተጠሚሮም ንመስዋእቲ ዝቀዳደሙ ተጋደልቲ፡ ዘጋጥሞም መውጋእትን መስዋእትን በታ ቀንዲ ጠባያ ብሳባ ኣቢላ፦ “ወዲ ሰብ ከም ገለ ዓይነት ፍጡር’ዩ። ብፍጥረትና ተገረምኩ።

"…. ኣብ ኵናት ከምዘይቀነና፡ ክንበልዕ፡ ክንሰቲ፡ ክንክደን፡ ክንፍሳህ ምድላይና ገረመኒ። …. ሕሱም ምጭፍጫፍን ህልቂት ደቂ ሰባትን ከምዘይቀነየ፡ ዝኾነ ነገር ከምዘይተፈጸመ፡ ምድረ ሰማይ ሃዲኡ ኩሉ ነገር ጸጥ ኢሉ ኣሎ። ነዚ ጸጥታ ግን ብዙሓት ብጾት ህይወቶም ከፊሎሙሉ እዮም” ክትብል ነጊራትና።

ጾታዊ ዝምድናን ብደሆታቱን

ኣብ ርእሲ እቲ ዕለታዊ ህይወት ሰብ ዝወስድ ዘየዕርፍ ውግኣት ንሓንሳብ ንዓቕልኻን ተጻዋርነትካን ዝፈታተን ኣብ ገሊኦም ተጋደልትን ሓለፍትን ዝነበረ ህልኽን ውድድርን፡ ብፍላይ ንደቀንስትዮ፡ ምስ ዘይትፈትዎን ዘይትመርጾን ሰብ ሕጸን መርዓን ንኽትገብር ዝድርኽ ተጽዕኖ፡ ኣብቲ ብፍቕርን ድሌት ክልተ ተጻመድትን ዘይተመስረተ ዝምድና ዘጋጥም ሽግርን፡ ካብ ሓደ እተፍቅሮን እትፈትዎን ሰብ ንምርሓቕን ንምንጻልን ዝግበር ቅልስ ውልቀ ባህርያት ሰባት ብኣብነት ኣሰንያ፦

“ኣነን ጨዓይን [በዓል ቤተይ] ካብ በበይኑ ዓለም ዝመጻእና ሰባት ኢና። ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዘለዎ ኣረኣእያ ካብ ሰብኡት ዓዲ ዝፍለ ኣይኮነን። ኣመና ጥንቁቕ ወተሃደር ስለዝኾነ ግን ጎደሎ ከምዘይብሉ ምሉእ ሰብ እዩ ዝውሰድ። እቲ ሕቡእ ባህሪኡ ግን ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ ኣነ እፈልጦ፡ ምኽንያቱ ሰበይቲ ለይቱ እየ” ብማለት ኣብ ሰውራ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝነበረ ካልእ ገጽ ወጽዓን ቃልስን ብዝርዝር ሰኒዳቶ ኣላ።

ጸሓፊት ኣብቲ ንኣስታት 14 ዓመታት ዘገልገለትሉ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ብቐረባን ብዕምቆትን እትፈልጦ ተመኩሮ ስለዝጸሓፈት ዓቢ ብልጫ ኣለዋ። እቲ ብሓጺርን ገላጽን ምሉእ ሓሳባት፡ ብእሩምን ስዋስው ዝኣለመቶ ጽሑፋ ተነባቢ እዩ። ብዘይካ ሓሓሊፉ ዝረአ ናይ ፊደላት ግድፈት (ናይ ታይፒንግ ስሕተት) ዋሕዚ ዛንታኣ ስጡም እዩ።

ህይወት ኣብቲ ዝጸንከረ ህሞት

“ህይወት ክፈቱ ጉድ እየ፡ ህይወት ዝፈቱ ከኣ ሰብ ይፈቱ፡ ዕላል ይፈቱ። ዕላል ክብርሃኒ ጉድ እዩ - ጸላኢና ስቕ ይበል። ነዛ ከም ጽላሎት እትሓልፍ ሓጻር ህይወት ስቕታ እንተወሲኸላ እታ ዕድመ መሊሳ ትሓጽር ይመስለኒ። ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ስቕ ምባል ክመጽእ እዩ። ክሳብ ሽዑ ግን ከዕልል ኣሎኒ። ንዘዕልሉኒ ከኣ ብጽሞና እሰምዖም” ብምባል ነቲ፡ ንነብሲ ወከፍ ብፍቓድን ሕቶን ክትንቀሳቐስ ዘገድድ ቀያዲ ባህሪ ናይቲ ሰውራ በቲ ውሕሉል ኣቀራርባኣ ትገልጾ።

ሓላፍነታዊ ጻውዒት ንስነዳ ታሪኽ

እታ ጸሓፊት፡ ኣብ መእተዊ ጽሑፋ፡ “ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ ካብ ሓድሕድ ዝበላለጽ፡ ውሽጡ ዘይተጓሕጓሐ፡ ወዲ-ሰብ ክገጥሞ ይኽእል’ዩ ዘይበሃል መርመም ዛንታ ኣለዎ” ዝብል ሕጡበ ጽሑፍ ኣስፊራ ኣላ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ብፍላይ በቶም ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ ተጋደልቲ ብዙሕ ግዜ ክደጋገም ይስማዕ እዩ።

እንተኾነ ውጽኢት ቃልሶም ከምቲ ህዝብን ባዕላቶምን ዝተጸበዮዎ “ፍትሓዊ ብቅዋም ዝግዛእ፡ ብሕጊ ዝምእዘን ደሞክራሲያዊ ስርዓት” ስለዘይተኸለ፡ “እዞም ሰባት እንታይ ገይሮምልና እዮም ብዛዕባ ፈጺምናዮ ዝብልዎ ቅያታትን ሓሊፍናዮ ዝብሉዎ መስገደልን ብምድግጋም ዘጽምሙና” ዝብሉ ወለዶ መንእሰያት ብዙሓት እዮም።

ነዚ ኩነታት ዘንብብን ዝዕዘብን ሰብ ከኣ፡ “እቶም ገይርናን ውዒልናን ዝብሉ ተቓለስቲ ሓቃቶም፤ እቶም ብቅያታት ሰብ ውዕሎ ጸሚምና ዝብሉን እውን ትጽቢቶም ስለዘይተማልአ ሓቃቶም እዮም” ብምባል ጸገማት ናይ ክልቲኦም ከሰማምዑ ይፍትኑ እዮም። ስለዝኾነ ከኣ’ዩ ሳራን ሰብ ውዕሎ መሰልታን ዛንተኦም ከየዘንተው ወይ ንኣዘንተውቲ ከይነገሩ በብሓደ ይሓልፉ ብምህላዎም ንህዝብን ሃገርን ክሳራ እዩ ብምባል ኩሉ በብዓቕሙ ታሪኹን ውዕሉኡን ክነግር ዝምሕጸኑ ዘለው።

እዛ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ብክልተ ዝብልሑ መጋዝ ነቐፌታን ነብሰ ነቐፌታን፡ እናተቐርደደት ኣብ እምነታ ጸኒዓ “ጸላም ሳንዱቕ” ዘርእስታ ንውዕሎኣን ተዘክሮኣን ኣብ እትትርኽ መጽሓፋ “ሃገራዊ ዛንታ ከይንኸስር እቲ ዝኽእል ይጽሓፍ፤ እቲ ዘይክእል ከኣ ንጸሓፍቲ ብዝመስሎ መገዲ ይንገር። ዝተጻሕፈ ውዕሎ ሰነድ እዩ ትብል ዘላ።

ኩሉ ሳዕ ታሪኽ ኣብቲ ካብን ናብን ዝዝርጋሕ ናይ ግዜ መቓን ዝነበረ ህይወትን ክውንነትን ብዝገልጹ ኣብ ሓዲድ እቲ ጉዕዞ እተሃንጹ ገጸ ባህሪያትን ተግባራቶምን እዩ ምልኣት ዝረክብ። ደራሲት ጻላም ሳንዱቕ ከኣ ንዛንትኣ ብታሪኻዊ ልቢ ወለድ ስለዘቕረበቶ ኣብቲ ፍጻሜታት፡ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ብዘይ ዕቃበ ዝዋስኡ ንባህርን ጠባይን ሓቀኛ ተጋደልቲ ዘንጸባርቑ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ቃልሲ ሃኒጻ ኣላ።

በዚ ከኣ እዛ መጽሓፍ ኤርትራውያን መንእሰያት 60ታት፡ ሰብዓታት፡ 80ታትን 90ታትን ንዝሓለፉዎ መሪር ተጋድሎን ዝኸፈሉዎ መስዋእትን ብዓሚቚ ዝርዝራት ስለእተዘንቱ ኣብ ታሪኽን ስነ-ጽሑፉን ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣበርክቶ ክህልዋ እዩ።