እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መጽሓፍ ምልምማድ፡ ምውጋድ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ሳዕቤናቱን
ደራሲ ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን) ዝሓለፈ ሰንበት 14 ሕዳር 2021፡ "ምልምማድ፡ ምውጋድ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ሳዕቤናቱን" ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፋ ምስተን ነብስኻ ባዕልኻ ንምሕጋዝ ዝጸሓፉ ናይ ምኽርን ልቦናን መጻሕፍቲ እትምደብ ሓዳስ መጽሓፍ ኣመሪቑ።
እቲ ኣብ ለንደን እተኻየደ ገምጋም ዘተን ዘካተተ ናይ ምፍራም መጽሓፍ ስነ ስርዓት: ደራሲ ቅድሚ ሕጂ ካብ ግብራዊ ተመኩሮ ብዙሓት ስድራቤታት ተበጊሱ ምስ ባህልን ልምድን ሕብረተሰብ ኣወሃሂዱ ንዝጸሓፈን "ምክእኣልን ምምልላእን" ዝኣርእስተን ክልተ መሃርትን ሓበርትን መጻሕፍቱ ዘንበቡ ሓያሎ ግዱሳት ሰባት ተሳቲፎም።
ነታ መጽሓፍ ዝገምገሙ፡ ኣብ ተመኩሮኡ ብዙሕ ዓንቀጻት ዝጸሓፈ ገዲም ምኩር ተጋዳላይ ሰብዓታት ኣሰናዳእን ኣካያድን ስኒትና ዳት ኮም ኣቶ ዮውሃንስ ጸጋይን ደራሲ ሳሙኤል ገብረሂወትን፡ ኣብታ መጽሓፍ ተኻቲቱ ንዘሎ ትሕዝቶ፡ ንጻረን ጽሬትን ቋንቋ፡ ዋሕዝን ምትእስሳር ሓሳባትን፡ ኣወዳድባን ውደናን እቲ መልእኽቲ፡ ርዕመት ምዕራባዊ ተመኩሮ ምስ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ደራሲ ንዝያዳ ሓበሬታን መርትዖን ዝተወከሶ መጻሕፍትን መላግቦ (ሊንክታት) መርበባት ሓበሬታን ብዝርዝር ተዛሪቦሙሉ።
እታ ብሸውዓት ምዕራፋትን ሓያሎ ንኡስ ምዕራፋትን እተነድቀት መጽሓፍ፡ "ናይ ለወጢ ግዴታን ስግኣትን፤ ስምዒታት ፍርሂ፤ ምምማይን ምውጋድን ሓሶት፤ ቅንእን ሳዕቤናቱን፤ ጠንቅታት ቂምን ሳዕቤናቱን፤ ይቕሬታ ንምግባር እንቃለሰሉ ኣገባብ፤ ሜላ ኣተሓትታ ይቕሬታ፤ ምስትኽኻል ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ፤ ምቁጽጻር ኣሉታዊ ስምዒት ዝብል ኣርእስታት ሓቚፋ ትርከብ።
ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ እታ መጽሓፍ ብዛዕባ እቲ ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእል፡ ወይ ኣብ ምቁጽጻሩ ንእሽቶ ኣበርክቶ ጥራሕ ክህልወና ዝኽእል፡ ዘይተርፍ ግዙፍ ዓለማዊ ለውጢ ክላይመት፡ ግሎባላይዜሺን ዝፈጠሮ ቴክኖሎጂካውን ዲጂታላውን ምዕባለ፡ ኣብ ከባቢናን ህይወትና ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ገዛእ ነብስና ንዝፍጠር ለውጢ እውን ብኸመይ ክግጠም ከምዝግባእ መሃሪ ሓሳባት ሰፊሩ'ሎ።
ስምዒታት ፍርሒ ዝብል ኣርእስቲ ዘልዓለት ካልኣይ ምዕራፍ እታ መጽሓፍ ከኣ፡ እንታይነት ፍርሒን ኣገዳስነቱን? ጠቕምን ጉድኣትን ፍርሒ፤ ብሃይማኖታውን ባህላውን ቀይድታት ዝመጽእ ፍርሒ ብኸመይ ንፍርሒ ብኸመይ ክግጠም?
ጸሓፊ፡ ኣብ ቁልዕነቱ ንዝዝክረን ኣደይ ስላስ ዝተባህላ ከንሻቢት/ገራዚት፡ መሕረሲት፡ ገርናቢት፡ ኮላሊት ከምኡ እውን ከላኢት ዓንቀር ጓል ዓዶም ኣደ፡ ምስ መዛንኡ "ቆራጺት መትሎ" እናበሉ፡ ብእምኒ "ሁር" ይብሉወንን ይፈርሑወን ምንባሮም ዳሕራይ ግን ሓደ ለባም ወዲ ዓዲ ኣቦ፡ ነቶም ቖልዑ ኣኪቦም ድሕሪ ምምዓዶም ከምዝተቐየረ ብምዝካር እዩ መቕድም መጽሓፉ ዝፍልም።
ቖልዑ እታ ዓዲ ስለምንታይ ነተን ኣደ ይጸልእወንን ይፈርሕወንን ነይሮም ዳሕራይ'ከ ስለምንታይ ክፈትውወንን ከኽብሩወንን ኪኢሎም ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ገጻት ኣቐሚጡዎ ኣሎ።
እታ መጽሓፍ ቅድሚ ምሕታማ፡ ሰለስተ ሰባት፡ ዶር ኣማንኤል ምሕረተኣብ: ዶር ሳራ ዑቕባይ፡ ከምኡ እውን መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ ኣንቢቦም ኣብ ኣብ ገበራ ርእይተኦም ኣስፊሮም ኣለው።
ዶር ኣማንኤል "…እዛ ምስ ሕልናኻ ተዛቲኻ ሓላፍነት ክትስከም እትድርኸ መጽሓፍ፡ ኵሎም ኣባላት ሕብረተ-ሰብና፡ ነቲ ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ህይወት ዘጋጥሞም መሰናኽል፡ ኣተሓሳስበኦም ብምትኽኻልን ስምዒቶም ብምትዕርራይን ከቐርፍዎ ከም ዝኽእሉ ስለ እትምህር፡ ከም ሓባሪ ሽግ ናይ ነብሱ ንከተገልግሎ ክውንና ይግባእ" ክብል እንከሎ ዶር ሳራ ዑቕባይ ከኣ፦ "… ክፍለዮሃንስ (ጎርደን) ካብተን ብትምህርቲ ዝሰጎማ ሃገራት እንደልዮ ዝነበርና መወከሲ፡ ምስ ናይ ገዛእ ርእስና ባህልን ስነ-ምግባርን ኣወሃሂዱ ኣቕሪቡልና ኣሎ፡፡ ኣብዚ መጽሓፍ'ዚ ከበድቲ ዝተጠላለፉ ሓሳባት ብሓጺርን ንጹርን መንገዲ ክግለጽ ምኽኣሉ፡ ትግርኛ ሃብታም ቋንቋ ምዃኑ ዘመስከረሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ ይስመዓኒ" ክትብል ርእይቶኣ ኣስፊራ።
መጋቢ ዑቝባስላሴ ሃይለ ከኣ "… እዛ ኣተሓሳስባናን ስምዒትናን ቀሊዓ፡ መገዲ የማን ክንሕዝ እትሕግዘና መጽሓፍ፡ ነቲ ኣብ ውሽጣ ተጠቒሱ ዘሎ መትከላት እንተ ስዒብና፡ ንኹሉቲ ብምኽንያት ድሑር ባህልን ከይብሉንን ዝምንጩ ምሕባእ ወይ ምኽሓድ ኣዕናዊ ስምዒታት ወጊድና፡ መንገዲ ሓርነት ክንጓዓዝ ክንክእል ኢና። ደራሲ ሰፊሕ ናይ ንባብ ዳህሳስ ብምክያድ ነቲ ኣብ ባህልን ስነምግባርን ሕብረተ-ሰብና ዘለዎ ግንዛበ፡ ምስ ስነ-ፍልጠት ኣዋሲቡ ብምቕራቡ አድንቖ" ክብል ርእይትኡ ኣቐሚጡ።
እቶም ኣብታ ዕለት ገምጋም ዘቕረቡ ክልተ ሃየስቲ ከኣ ነታ መጽሓፍ ብዕምቆት ድሕሪ ምንባብ እቶም ኣብ ገበር እታ መጽሓፍ ርእይተኦም ዝሃቡ ምሁራት ምዙን ገምጋም ከምዝሃቡ ተሰማሚዖም ኣብ ቅድሚ ተጋባኢ ምስክርነቶም ሂቦም።
እቶም ተጋባእቲ፡ ደራሲ ብትምህርቲ ንዘዋህለሎ ፍልጠትን ካብ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ዝኣከቦ ሓሳባትን ምስ ሓሳባቱ ኣጋጭዩ ስሒሉን ጎጒሉን ምስ ያታን ልምድን ሕብረተሰብ ብምስናይ፡ ቀሊል ግብራዊ ተኣማኒ መረዳእታታት ብምቕራብ ኣብ ሒደት ዓመታት ሰለስተ መሃርን ሓባርን መጻሕፍቲ ከበርክት ብምኽኣሉ ዘለዎም ኣድናቖትን ገሊጾም።
ኣብ ርእሲኡ ደራሲ፡ ነቲ ዝጸሓፎ ናይ ምኽሪ መጻሕፍቲ ብመገዲ ዙም ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ዝኸይድ ኣስተምህሮ ስለዝህበሉ፡ ኣብቲ ትምህርቲ ካብ ዝሳተፉ ዓበይትን ናእሽቱን ዝተፈላለየ ተመኩሮን ብምቕሳም ንጽሑፋቱ ብጭቡጥ ሓቅታት ስለዘሀብትሞ ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ ምልምማድ እውን ናይ ትምህርቲ መደብ ከዳልወላ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።
ኣብ መወዳእታ ደራሲ ነቶም ኣብ ምምራቕ መጽሓፉ ተገዲሶም ዝመጽኡ ተጋባእትን ነቶም ሃናጺ ርእይቶታት ዝሃቡ ተሳተፍትን ድሕሪ ምምስጋን መጽሓፍ ናይ ምፍራም ስነ-ስርዓት ተኸናዊኑ።