ቅልውላው ትግራይ፡ ኣሜሪካ ሓይልታት ትግራይ ካብ ኢሬብቲ ምውፅኦምን ረድኤት ናብ ትግራይ ምብጽሑን ንኢዳ

ኣሜሪካ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ኢሬብቲ ምውፅኦም ከምትድግፎ ኣፍሊጣ።

ንሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝፀርሐ መግለፂ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ "ሓይልታት ትግራይ ካብ ካልኦት ከባብታት ዓፋር'ውን እንተወፅዮም ጠቓሚ" ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ቤት-ፅሕፈት፡ ልዕሊ 1700 ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ምብፅሑ ኣሜሪካ ፅቡቕ ዜና'ዩ ኢሉ።

ሓይልታት ትግራይ ተቖፃፂሮምዎ ካብ ዝፀንሑ ገለ ዞባታት ዓፋር ለቒቖም ከም ዝወፀኡ መራሕቲ እቲ ትግራይ ኣብቲ ዝሓለፈ 12 ሚያዝያ 2022 [4 ሚያዚያ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ] ኣፍሊጦም'ዮም።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ "ሰብኣዊ ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ምእታወን ንድግፍ ኢና። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መራሕቲ ትግራይን ምምሕዳር ክልል ዓፋርን ረድኤት ንክበፅሕ ዝገበርዎ ምትሕብባር ንንእድ" ኢሉ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ሕቡራት ሃገራት፣ ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላትን መሻርኽቲ መንግስቲ ኣሜሪካን "ሓገዝ ንዘድልዮም ኩሉ ረድኤት ከቕርቡ" ፀዊዑ።

መራሕቲ ትግራይ፡ ሓይልታቶም ኤሬብቲ ተባሂሉ ካብ ዝፅዋዕ ከባብታት ዓፋር ለቒቖም ንምውፃእ ዝተወሰነ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ንምሕላፍ ዝተበፅሐ ስምምዕ ክኽበርን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ምእንቲ ክሓልፍን ብምሕሳብ ምዃኑ'ዮም ገሊፆም።

ብቴሌቪዥን ትግራይ ዝወፅአ መግለፂ፡ "መንግስቲ ትግራይ ነቲ ዝርርብ ሰላም ተግባራዊ ንምግባርን ንምስላጥን ብፍላይ ድማ ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ንክሓልፍ ሎሚ 4 ሚያዚያ 2014 ዓ. ም. ሰራዊት ትግራይ ተቖፃፂርዎ ካብ ዝነበረ ኤሬብቲ ተባሂሉ ካብ ዝፅዋዕ ከባቢ ክልል ዓፋር ክለዓል ተገይሩ" ኢሉ።

ናብ ትግራይ ብመካይን ዝለኣኽ ረድኤት ንኣዋርሕ ተቋሪፁ ድሕሪ ምፅንሑ ድሕሪ እቲ ብክልቲኦም ወገናት ዝተኣወጀ ምውጋድ ተጻብኦ፡ ዳግም ምጅማሩ ተስፋታት ፈጢሩ እኳ እንተፀንሐ ብዘይካ እተን ሽዑ ዝሰገራ 21 መካይን እቲ መስርሕ ከም ዘይቐፀለ ሰብ መዚ ትግራይ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ኣተሓባባሪ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቦ ንቢቢሲ ከም ዝገለፆ ንፈተነ ተባሂለን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝኣተዋ መካይን ወፃኢ ናብ ትግራይ ዝአዛተወ ሓገዝ ከምዘየለ ተዛሪቡ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ናብ ትግራይ ዝተበገሳ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝፀዓና 50 መካይን ድማ ትማሊ ዓርቢ ብሰላም ናብ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዋ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ'ዩ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ "ኣገዳሲ ሰብኣዊ ቀረባት ዝፀዓና ኩለን 50 መካይን ብድሓን ኣብ መቐለ ኣትየን ኣለዋ" ክብል ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ መዓልታዊ 100 መካይን ረድኤት ዝፀዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ኣለወን ምባሉ ይዝከር።

ቅድም ክብል፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ጠቕሊሎም ወጺኦም ምንባሮም ዝዝከር ኮይኑ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ዝርከብዎም ሓይልታት ዓፋር ኣብ መወሳንቲ ከባብታት መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ ግብረ-መልሲ ከምዝሃበ እዩ ዝገልጽ።

ነቲ ክሲ ኣመልኪቱ፡ ካብ ኤርትራ ዝተውሃበ ምላሽ ኣይነበረን።

ንትግራይ፣ ዓፋርን ከምኡ'ውን በቲ ኵናት ንዝተጎድኡ ወገናት፡ ዘላቕን ዘይተገደበን ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ክህሉ ከም ዝግባእ ዝገለፀ መግለፂ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ዝደስከሉ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ስልኪ፣ ባንክን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ክምለሱ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ምእንተ ሰብኣውነት ተዂሲ ደው ንምባል ምስምመዖም፡ "ንሰላምን ዕርቅን መገዲ ዝኸፍት'ዩ" ዝበለ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ "ክልቲኦም ወገናት ሕዚ ብዝተርኣየ ለውጢ ቀፂሎም ነቲ ኵናት ብልዝብ፣ ብዘላቕነት ምፍታሕ ዝኽእልሉ መገዲ ከናድዩ ይግባእ" ኢሉ።

እዚ ንክኸውን ድማ፡ ኣብ ትግራይ ዝደስከሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱን ንኹሉ ዝሓቖፈ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ክትግበርን ከምዝግባእ ኣፍሊጡ።

መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ወርሒ ዘቑፀረ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዘይእዉጅ ዕፅዋ፡ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ንጥሜት ዝተቓልዑ ኾይኖም፡ ዶኳትር ከይተረፉ ንልመና ክወፅኡ ከምዝተገደዱ ይግለፅ።

ኣሸሓት ብሰንኪ እቲ ኲናት ህይወቶም ዝሰኣኑ ኮይኖም፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾና ይግለፅ።