ኢትዮጵያ፡ ዘውድቕ ሕማም ካብ ምንታይ ይመጽእ?

ብስነፍልጠታዊ መገዲ ብሓጺሩ፡ እዚ ሕማም ብሰንኪ ግዚያዊ ምርባሽ፡ ኣብ ኣእምሮ ነዝሪ [ተዘዝታ] ኤሌክትሪክ ከጋጥም እንከሎ ዝኽሰት እዩ።

እንተዀነ፡ ሕብረተሰብና ብዛዕባ'ዚ ዝተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ጠንቂ ናይቲ ሽግር ድማ ካብዚ እዩ ዝነቅል።

ጐዳኢ ልምድታትን ኣጕል እምነትን ኣብ ዘለዎ ሕብረተሰብ፡ ዘውድቕ ሕማም፡ "ኢፒለፕሲ" ከም መርገም እዩ ዝቝጸር።

"30 ዓመታት ምስ ዘውድቕ ሕማም"

"ን 30 ዓመታት ምስዚ ሕማም እናነበርኩ፡ ብዙሕ ውረድ ደይብ ኣጋጢሙኒ እዩ። ጓል 18 ዓመት እንከለኹ እዩ ጀሚሩኒ፣ ሽዑ ኣብ ኢትዮጲያ እየ ነይረ።

ብዙሕ ኣካላዊ መጕዳቲ ወሪዱኒ። ካብቲ ሕማም ንላዕሊ ግን ኣረኣእያ ሰባት እዩ ዝያዳ ኣሕሚሙኒ። ሰባት ኣእምሮኻ መመሊሱ ዘናውጽ ነገር እዮም ዝዛረቡኻ፣ ዘርእዩኒ ዝነበሩ ገጽ ከኣ መመሊሱ ይርብሸኒ።

ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ከድኩ ግን እዚ ዅሉ ተቐይሩ እዩ። ኣብኡ ዘውድቕ ሕማም ማለት ከም ዝዀነ ተራ ሕማም እምበር ካልእ ኣይኰነን። ጠንቂ ምዝባዕ መትንታት ሓንጐል እዩ - ኣኸለ።

ከም ካልኦት ሕማማት፣ ከም ጸቕጢ ደም፡ ሓማም ሽኮርን ካልእን እምበር ክንዮኡ ዝኸደ ትርጕም የብሉን።

ኣብ ርእሲኡ ሕክምና ይዅን መድሃኒት ብቐሊሉ እዩ ዝርከብ። እዚ ዕድል'ዚ ደቂ ዓደይ ክረኽብዎ ዘይምኽኣሎም ድማ ብዙሕ ግዜ የተሓሳስበኒ ነይሩ።

"ኣብ ኣፍደገ ሆቴል ሂልተን ዝረኣኽዎ"

ሓደ ግዜ ናብ ኢትዮጲያ ኣብ ዝተመስለኩሉ፡ ኣብ ሂልተን ምስ መሓዙተይ ሻሂ ሰቲና፣ ኣንፈትና ንሸነኽ ቤተ-መንግስቲ ገይርና ብእግርና እናተጓዓዝና፡ ሓደ ሰብ ብዘውድቕ ሕማም ከንፈርፍር ተጓኒፉና። ኣነ ነቲ ሰብ ክሕግዞ ኢለ ድንን ክብል፡ መሓዙተይ ግን ፈሪሖም።

'ክተኣታተወኪ እዩ፣ ይትረፍኪ!' ኢለን ጨዲረን።

ናይ ልበን ከምኡ እየን ዝኣምና፣ ሽዑ ብሓቂ ሕማቕ ተሰሚዑኒ። ምኽንያቱ፡ መሓዙተይ ካብቲ ተማሂሩ ዝበሃል ክፋል ሕብረተሰብና እየን - ገሪሙኒ።

'ዝተማህረ ክፋል ሕብረተሰብና ገና ከምዚ ይብል እንተሎ ደኣ እቲ ኻልእ እንታይ ክሓስብ እዩ?' ዝብል ነገር ድቃስ ከሊኡኒ።

ዓዲ ኣትየ ገለ ነገር ክገብር ኣለኒ ዝብል ውሳነ ዝወሰድኩ ድማ፡ ድሕሪ'ዛ ሕማቕ ኣጋጣሚ እዩ።

"ናይ 8 ወርሒ ጥንሲ እንከለኒ ብገጸይ ወዲቐ"

ወ/ሮ እናት እውነቱ፡ ተቐማጢት ሃገረ እንግሊዝ ኰይና፡ ነዚ ኣተሓሳስባ'ዚ ንምስዓር'ያ፡ "ኬር ኢፒለፕሲ ኢትዮጲያ" ዝብል ማሕበር መስሪታ።

እናት፡ ነዚ ማሕበር ድሕሪ ምምስራታ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢትዮጲያ ዘይራ፣ ብዙሕ ዛንታታት'ውን ሰሚዓ እያ። ኵነታት እዞም ሕሙማት፡ 'ኣካላውን ኣእምሮኣውን' ኢላ ብኽልተ መገዲ ትርእዮ።

ኣካላዊ ሕማም እትብሎ፡ ተመኵሮኣ ምርኩስ ብምግባር፡ "ንኣብነት ኣነ ብዙሕ ግዜ ብሕማቕ ወዲቐ እየ፣ ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ዓመታት ብዝኸድክዎ እየ ዝወድቕ ነይረ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ፡ መስበርቲ ኢድን ስኒን፣ ከምኡ'ውን ማህረምቲ ኣፍንጫ ኣጓኒፉኒ፣ ክሳብ መጥባሕቲ'ውን ገይረ እየ።"

እናት፡ ሓደ ግዜ ኣብ ዝቦኽዐ ውዑይ ኖራ ወዲቓ፡ ቈርበት ገጻ ተገሃሂጹ። ምቝራጽን ምስንጣቕን ከንፈር ኣጋጢምዋ ድማ መጥባሕቲ ኣካይዳ እያ።

"ሓደ ግዜ፡ እንዳመሓዘይ ኣብ ዝኸድኩሉ ሃንደበት ወዲቐ። እቲ ሕማቕ ነገር ድማ፡ ኢደይ ኣብ ራድያቶረ መውዓዪ ገዛ ኣትዩ፣ መሓዛይ ከኣ ኣይረኣየትንን። ምስ ተበራበርኩ፡ ፍርቂ ኢደይ ተመላሊጡ ጸኒሑኒ።"

እናት፡ ብዙሕ ተጓንፎታት እዩ ዘለዋ፣ እቲ ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ግን ነፍሰ-ጾር ኰይና ዘጓነፋ እዩ።

"ጥንስቲ ሸሞንተ ወርሒ ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ብኣፈይ ተደፊአ። ምስ ተበራበርኩ ውላደይ ዝሰኣንኩ እዩ መሲሉኒ ዝነበረ። ሽዑ ጭንቀት እዩ ከፊኡኒ። ጥዑይ ቈልዓ ወሊደ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ክበጽሕ እየ ዝብል ግምት ኣይነበረንን። እግዚኣብሄር እዩ ባዕሉ ሓልዩኒ።"

"ካብ ገዛ ምውጻእ ጸሊአ"

እናት፡ ካብዚ ዅሉ ኣብ ኣካላ ዝወረደ መጕዳእቲ፡ እቲ ስነኣምሮኣዊ ቃንዛኡ ዝያዳ ከም ዝብእስ እያ ትዛረብ።

ከም ኣገላልጻኣ፡ ቀዲሙ ዝመጽእ ጉዳይ፡ ብዛዕባ ነብስኻ ዘለካ ኣመለኻኽታ ምቅዋስ እዩ።

መብዛሕትኡ፡ ነዚ ሕማም ዝወሃብ መድሃኒት ዝሰርሕ፡ ፍጥነት ኣእምሮ ብምጕዳል እዩ። ብሰንኪ'ቲ መድሃኒት ከኣ፡ ኣካላትና ማይ ክመልእ ይኽእል፣ እዚ ኸኣ ጠንቂ ምውሳኽ ክብደት ይኸውን።

"ሚዛን ሰብነት ምውሳኽ ድማ፡ ኣብ ገዛእ ርእሰይ ንዝነበረኒ ኣመለኻኽታ ጽቡቕ ኣይገብሮን። ኣይወጽእን ነይረ።" ትብል።

"ዘውድቕ ሕማም እንተለካ ስምዒትካ ኣመና እዩ ዝጕዳእ። ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት፡ እንታይ መርገሙ እዩ ነይሩኒ፡ እናበልኩ የመርር ነይረ፣ ፍርሒ ዝመልኦ ሂወት እዩ ነይሩኒ።"

ኣብቲ ግዜ እናት ካብ ገዛ ምውጻእ ኣመና እዩ ዘፍርሓ ነይሩ። "ቈጸራ ክነብረኒ እንከሎ፡ 'እንተሓመምኩ'ኸ?' እናበልኩ ኣመና እጭነቕ ነይረ። 'ካልኦት ከ ብዛዕባይ እንታይ እዮም ዝሓስቡ ዝህልዉ?' ዝብል ጭንቀት የናውጸኒ ነይሩ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ብሕቱው ህይወት መሪጸ።"

እናት ከም እትብሎ፡ እቲ 'ሕብረተሰብ ኣይቅበለንን እዩ፡' ዝብል ኣተሓሳስባ ብቐሊሉ ካብ ኣእምሮ ዝለቅቕ ኣይኰነን።

ሓደ ግዜ ግን፡ ኣብ ህይወታ ክልተ ኣምራጺታት ከምዘለዋ ተኸሲቱላ፣ ወሲና።

"ኣብ ሻድሻይ ዓመት እዩ መስለኒ ወሲነ፣ 'ወይ ኢፒለፕሲ ከጥፍኣኒ እዩ ወይ ኣነ ክስዕር እየ' ኢለ። ካብኡ እዩ ህይወተይ ዝተቐየረ። ትምህርቲ ጀሚረ፡ ብቢዝነስ ማነጅመንት ማስተርስ ወዲአ፣ ቈልዓ ወሊደ።" ተመስገን ፈጣሪ፡ ካብቲ ናይ ካልእ ዝተሓተ ናብራ እነብር ኣለኹ ኢለ ኣይሓስብን እየ። ካብዚ ናተይ ዓወት ነቒለ እየ ድማ፡ ህይወት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ንምቕያር ናብ ኢትዮጲያ ዝመጻእኩ።"

እናት፡ ኣብ ኢትዮጵያ መጺኣ፡ ማሕበር መስሪታ፡ ኣብ ካልኦት ወገናት ዝወርድ ዘሎ መጕዳእቲ ክትርኢ እንከላ ግን፡ እቲ ናታ ንእሽቶ ምዃኑ ተረዲእዋ።

"ኣወዳት ተኸታቲሎም ይደፍሩወን"

"ኣብ ገጠራት ብዘወድቕ ሕማም ዝሳቐያ ብዙሓት ኣሕዋተይ ዝወርደን ነገር ልብኻ ዝሰብር እዩ። ብፍላይ እንጀራ ክስንክታ፣ ጸብሒ ክሰርሓ እንከለዋ ኣብ ዝወድቃሉ ግዜ፡ ብሓዊ ይህሰያ። ፍርቂ ገጸን ብሓዊ ዝነደደ ኣጓኒፈናኒ እየን።"

እቲ ዝኸፍአ ናይዚ ሕማም፡ መዓስን ኣበይን ከም እትወድቕ ዘይምፍላጥ እዩ፤ ህይወት ድማ ክትቅጽል ኣለዋ።

ኣብ ገጠራት ህይወት ደቀንስትዮ ኣብ ውሻጠ እዩ፣ ኣብኡ ድማ ሓዊ ኣሎ። ምውዳቕ ከጋጥም እንከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓዊ እዩ።

ኣብ ሆስፒታላት ገጠር ኬድካ፡ ብሰንኪ ምንዳድ ሓዊ መጥባሕቲ ዘካየዳ ደቂ ኣንስትዮ እንተርኢኻ፡ መብዛሕትአን በዚ ሕማም ዝወደቓ እየን።

እዚኣተን፡ እተን ዕድለኛታት ዝበሃላ እየን። ምኽንያቱ፡ እቲ ቤተሰብ ነቲ ሕማም ምስ መርገም ከየተኣሳሰረ፡ ሕክምና ንምውሳድ ዝወሰነ፡ ዝነቕሐን ዝተማህረን እዩ ማለት እዩ።

እናት፡ ንብዙሓት ኣብ ሓዊ ወዲቐን ገጸን ዝነደዳ ደቀንስትዮ በጺሓ እያ።

ሓደ ግዜ ኣብ ጂማ ዝረኣየቶ፡ ክሳዕ ሕጂ ዘይትርስዖ ፍጻመ እዩ። "እታ ቘልዓ ዘውድቕ ሕማም ነይርዋ፣ ኣብ ሓዊ ወዲቓ። ገጻ ምሉእ ብምሉእ ነዲዱ፣ መን ምዃና ምፍላጥ ክሳብ ዝስኣን ተለብሊባ።

"እታ ጓል ዛንታኣ ክትነግረኒ እንከላ፡ 'ኣብ ኣውቶቡስ ኣይሰቕሉንን እዮም' ኢላትኒ።

"'ገለ ተጓዓዝቲ ይልምኑለይ እምበር፡ ገጸይ ስለዘፍርሕ ኣይሰቕሉልል እዮም' ኢላትኒ።

ኵነታታ ኣመና ኣሕዚኑኒ።

"ገሊአን ብህይወት እንተ ተረፋ'ውን፡ ቁስሊ ዘልኣለም ሒዘን እየን ዝነብራ፣ ካብዚ ንላዕሊ ልቢ ዝሰብር ነገር እሞ እንታይ ኣሎ?

"ካልእ ግዜ'ውን ኣብ ከባቢ ሚዛን ከነስተምህር ምስከድና፡ ኣብኡ ዝረኸብናየን ነርሳት ሓደ ዘሰንብድ ነገር ነጊረናና። 'ዘውድቕ ሕማም ዘለወን ደቀንስትዮ፡ መከላኸሊ ጥንሲ'ውን ምስቲ መድሃኒት ናይቲ ሕማም ክወስዳ ኣለወን' ኢለናኒ። 'ስለምንታይ?' ኢለ እንተሓተትኩ፡ 'ናባና ካብ ዝመጽኣ መብዛሕትአን ተሓከምቲ፡ ካብ መን ከም ዝጠነሳ ኣይፈልጣን እየን፤ ምስ ጨነቐን ከኣ ወሊደን ኣብ መገዲ ይድርብያኦ'።"

ዘውድቕ ሕማም ዘለወን ተናበይቲ ጐደና ዓመጽ የጋጥመን

ኣቶ ኣቢይ ኣስራት፡ ምኽትል ኣካያዲ ስራሕ 'ኬር ኢፒለፕሲ ኢትዮጲያ' እዩ።

እዚ ካብ ዝምስረት 7 ዓመት ዝገበረ ማሕበር፡ ኣስታት 1 ሽሕ ኣባላት ኣለውዎ። ንሰናይ ተግባር ኢሎም ዝሕግዙ፡ ናይ መትኒ ክኢላታት ሓካይም'ውን ኣለውዎ። ምስ ማሕበር 'ኒዩሮሎጂስት' ብውህደት ዝሰርሕ ኰይኑ፡ ብክኢላታት ሕክምና ህጻናት'ውን ይሕገዝ።

እዚ ማሕበር፡ ዓቕሚ ንዘይብሎም ሕሙማት መድሃኒት ምሃብን፡ ድጋፍ ህጹጽ ረዲአት ሕክምናንን ይገብር።

"ዘውድቕ ሕማም ዘለዎ ሰብ፡ በይኑ ጥራይ ኣይኰነን ዝሓምም፣ ቤተሰቡ'ውን ክሓሙ ይኽእሉ እዮም። ዓቕሚ ንዘይብሎም ድማ ክሳብ ንገዝኦም እናኸድና ንሕግዝ ኢና። ሓርጭ፡ ፓስታን ካልእ መሰረታውያን ነገራትን ሒዝና ብምኻድ ኢና ንበጽሖም።"

ኣብቲ ማሕበር ኣዝዮም ንኣሽቱ ህጻናት፣ ሊስትሮ፡ ተናበይቲ ጐደና. . . ወዘተ ከም ዘለው፡ ኣቶ ኣቢይ ይገልጽ።

ወሲኹ፡ ኣብቲ ማሕበር ብዙሓት ደቀንስትዮ ከም ዝመጽኣን፡ ካብኣተን ዝተደፍራ/ዝተዓመጻ ተናበይቲ ጐደና ከም ዘለዋ የረድእ።

"ዘውድቕ ሕማም ዘለወን፡ ተናበይቲ ጐደና ደቀንስትዮ ናባና ዝመጽኣ ኣለዋ፣ ዘጋጠመን ድማ ይነግራና እየን። ኣብቲ ዝነብራሉ ጐደና፡ ኣእምሮአን ስሒተን ከንፈጥፍጣ እንከለዋ፡ ነቲ ዕድል መዝሚዞም፡ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ይደፍሩወን እዮም።"

"ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ኢትዮጲያውያን ብዘውድቕ ሕማም ይሳቐዩ"

ብመሰረት ገምጋም ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጲያ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ብዘውድቕ ሕማም ይሳቐዩ። ካልኦት መጽናዕትታት'ውን እዚ ቍጽሪ ክሳብ 5 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይግምቱ።

ኬር ኢፒለፕሲ ኢትዮጲያ፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቤት ጽሕፈት ኰይኑ እዩ ብዙሕ ተግባራት ዘሳልጥ ዘሎ።

"ህዝብናን ወገንናን እነገልግለሉ ማእከል የድልየና። ቦታ ክወሃበና ሓቲትና ግን ምላሽ ኣይረኸብናን። መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ትዅረት ክህቦ ንጽውዕ፡" ይብል ኣቶ ኣቢይ።

"መርዓና ሰሙን ክተርፎ እንከሎ መርዓዊ ጠፊኡ"

ዘውድቕ ሕማም ዘለወን ደቀንስትዮ፡ ብብዙሕ ነገራት እየን ዝሳቐያ። ፍቕራዊ ዝምድና ክምስርታ፡ ንኣብነት፡ ብዙሕ ይሽገራ። በቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ቄናን ኣመለኻኽታ፡ ፍቕራዊ ምቅርራብ ዝሰልጠን ዳርጋ የለዋን።

ብዘርኢ መርገም ዝሰዓበ እዩ ስለዝበሃል፣ እቶም ዝውለዱ ቈልዑ'ውን ክሓልፎም ምዃኑ ስለዝእመን፡ ዝተማህሩ ኣወዳት ከይተረፈ እዚ ጉዳይ የፍርሖም እዩ።

ወ/ሮ እናት፡ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ንቢቢሲ ከተዕልል እንከላ፡ "ኣብ ማሕበርና እትመጽእ ሓንቲ ጓል ነይራ። ክትምርዖ ኢላ ኵሉ ነገር ተወዲኡ፣ መርዓኣ ሓደ ሰሙን ምስተረፎ፡ ሕጹያ ትሓምም ምዃና ፈሊጡ። ቅድሚኡ ግን ክትወድቕ ርእይዋ ኣይፈልጥን ስለዝነበረ፡ ምስ ረኣያ ግን እቲ መርዓ ሰሪዝዎ፣ ክትምርዖ ሓደ ሰሙን ምስተረፋ መርዓዊ ጠፊኡ።"

እታ ጓል ናብ ቤት ጽሕፈት 'ቲ ማሕበር ከይዳ ዝበኸየቶ፡ ወ/ሮ እናት ትዝክሮ። "እቲ ዘሕዝን ንሱ ኣይኰነን፣ እታ ጓል ትበኽዮ ዝነበረት፡ ካባይ ንላዕሊ ንኣደይ ኣሕፊረያ እናበለት እያ ትበኪ ዝነበረት።"

ወ/ሮ እናት፡ ስነኣምሮኣዊ መስበርቲ 'ዛ ሓፍተይ ክማቐሎ ኣለኒ ኢለ እየ ንዓደይ ተመሊሰ ዘለኹ፡ ትብል።

ሓደ ሰብ ኵሉ ክቕይር ከምዘይክእል እትኣምን ወ/ሮ እናት፡ ነቲ ንሳ ዝጀመረቶ ካልኦት ክቕጽልዎ ከም ዝኽእሉ ድማ ትኣምን።

ዘውድቕ ሕማም 'ኢፒለፕሲ' እንታይ እዩ?

ብሓፈሻኡ እዚ ሕማም፡ ምስ ጸገም ስርዓተ-መትኒ ዝተኣሳስር፣ ሕክምናዊ ምክትታል እንተ ተገይርዎ ግን ክፍውስ ዝከኣል እዩ።

እንተዀነ፡ ሕክምናዊ መስርሕ ንውሕ ዝበለን ዕቱብ ምክትታል ዝደልን እዩ። እቶም ኣፋውስ'ውን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝውሰዱ እዮም።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ 'ኮርተክስ' ኣብ ዝበሃል ክፋል ሓንጐልና ሽግር ከጋጥም እንከሎ፣ ዙረት ደም ኣብ ዝተወሰነ ክፋል ሓንጐልና ይተኣጓጐል። ወይ ከኣ ኣብዚ ክፋል ሓንጐልና በሰላ ወይ ዝዀነ ጽኪ መሳሊ ምስዝህሉ፡ እዚ ሕማም ከጋጥም ከም ዝኽእል መጽናዕትታት የመልክቱ።

ብሰንኪ'ዚታት ድማ ምጭባጥ መትኒታት ይስዕብ'ሞ፡ እቲ ሕሙም ንዝተወሰን ደቓይቕ ሃለዋቱ የጥፍእ፣ ምግትታር ጭዋዳታትን፡ ምንቅጥቃጥ ሰብነትን የጋጥም።

እዚ ዝዀነሉ፡ ስርዓተ-ኤሌክትሪክ ኣእምሮ ንዝተወሰነ ግዜ ስለዝዛባዕ እዩ።

ሕክምና ኣበይ ይወሃብ?

ንዘውድቕ ሕማም፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ ሆስፒታል ኣማኑኤል ይወሃብ ነይሩ። እዚ ግን ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ንኽፍጠር'ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ከም ዝገበረ'ውን ይዝረብ እዩ።

ኣብዚ እዋን ግን፡ ክፍሊ ኒዮሮሎጂ ኣብ ዘለወን ኵለን መንግስታውያንን ብሕታውያንን ትካላት ጥዕና ሕክምና ይወሃብ እዩ።

ኣቶ ኣቢይ ከም ዝብሎ፡ እቲ ማሕበር፡ ካብ ማእከል ጥዕና ጀሚርካ ዘድሊ ቀረባት ምእንቲ ክህሉ፡ ጐስጓሳትን ዘድሊ ደገፋትን ገይሩ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ዓቕሚ ዘይብሎም እሞ ዝለዓለ ናይ ኢኢጂ [EEG] ወይ ኤምኣርኣይ [MRI] መርመራታት ንዘድልዮም'ውን እቲ ማሕበር ይደጋገፍ እዩ።

"መሳርሒ ኢኢጂ፡ ብገበርቲ ሰናይ ካብ ወጻኢ ሃገር ተለጊሱልና እዩ። ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት፡ ምስ ወለንተኛታት ክኢላታት ኒዩሮሎጂስት ብምትሕብባር፡ ምክትታል ከም ዝግበረሎም ንገብር፡" ይብል ኣቶ ኣቢይ።