እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሸውዓተ ሃፋትም ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ናይ ዓለምና ሃፍታም በዓል ቤታ፡ ፍትሕ ዝፈጸመት ማኬንዚ ቤዞስ፡ 35.6 ቢሊየን ዶላር ዝኾነ ብጽሒታ ናይ ዓለምና ሳልሰይቲ ሃብታም ጓል ኣንስተይቲ ዝገብራ እንትኾን፤ ብኣጠቓላሊ ድማ ናይ ዓለምና መበል 24 ሃብታም ክትከውን ክኢላ እያ።
ንምዃኑ ኣብ ዓለምና ዘለዋ ሃፋትም ደቂ ኣንስትዮ መነመን እየን?
1) ፍራንሷዝ ቤተንኩር ሜየርስ
ከም ሓበሬታ መጽሄት ፎርብስ፡ 49.3 ቢልዮን ዶላር ዝተጻረየ ሃብቲ ዘለዋ ፍራንሷዝ ቤተንኩር ሜየርስ፡ ናይ ዓለምና መበል 15 ሃብታም እያ።
እዛ ጓል 63 ዓመት ፈረንሳዊት፡ ብውርሲ ኣብ ዝረኸበቶ 'ሎሪያል' ዝተብሃለ ናውትታት መመላኽዒ ዘፍሪ ትካል 33 ምኢታዊ እትውንን እያ።
ኣዲኣ ኣብ 94 ዓመታ፡ ብ2017 ምስሞተት እያ ነቲ ውርሲ ረኺባቶ።
ፍራንሷዝ ቤተንኩር ሜየርስ፡ ብብዙሕ ቅዳሕ ዝተሸጡ ክልተ መጻሕፍቲ ጽሒፋ እያ።
2) አሊስ ዋልተን
ወናኒት ዝተጻረየ 44.4 ቢልየን ዶላር ዝኾነት ኣሊስ ዋልተን፡ ብሓፈሻ መበል 17 ሃብታም ዓለምና እያ።
እዛ ጓል 69 ኣመት ኣመሪካዊት፡ ጓል መስራቲ 'ዎልማርት' ዝተብሃለ ፍሉጥ ማእከል ዕዳጋ፡ ሳም ዋልተን እንትትኮን፡ ካብ ካልኦት ኣሕዋታ ብዝተፈለየ፡ ካብ ናይ ቤተሰባ ስራሕቲ ንግዲ ርሒቓ፡ ኣብ ጥበብ እያ እትነጥፍ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ናይ 'ክሪስታል ብሪጅስ ሚዩዚየም ኦፍ አሜሪካን አርትስ' ዝተብሃለ ትካል ሓላፊት እያ።
3) ማኬንዚ ቤዞስ
ጓል 48 ዓመት ማኬንዚ ቤዞስ፡ ምስ ወናኒ ኣማዞን ዝኾነ በዓልቤታ ጂፍ ቤዞስ ምስ ተፋተሐት፡ 35.6 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ትውንን።
ማኬንዚ ምስ በዓልቤታ ኣርባዕተ ቆልዑ ዝወለዱ እንትኾን፡ ኣብ መጻኢ ተወሳኺ ሃብቲ ክትውንን ከምእትኽእል ይግመት።
4) ጃከሊን ማርስ
23.9 ቢልዮን ዶላር ዝተጻረየ ሃብቲ ዘለዋ ጃክሊን ማርስ ናይ ዓለምና መበል 33 ሃብታም እያ።
ኣዛ ጓል 79 ዓመት ቢልየነር፡ ማርስ ናይ ዝተብሃለ ኩባንያ ሲሶ ብጽሒት ወናኒት እንትትኮን፡ ኣብቲ ትካል ድማ ን 20 ዓመታት ኣገልጊላ እያ።
5) ያን ሁዊያን
22.1 ቢልየን ዶላር ዝተጻረየ ሃብቲ ዘለዋ ያን ሁዊያን፡ ቀዳመይቲ ቻይናዊት ቢልየነር ጓል ኣንስተይትን፡ ካብ ዓለምና ድማ መበል 42 ሃፍታም እያ።
እዛ ጓል 37 ዓመት ንእስቲ፡ ናይቲ ስራሕቲ ህንጻ ቻይና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣሰጋጊሩ እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ኩባንያ 'ካንትሪ ጋርደን ሆልዲንግስ' ዝለዓለ ብጽሒት እትውንን እያ።
ያን ሁዊያን 57 ምኢታዊ ዝኽውን ብጽሒት እቲ ኩባንያ፡ ካብ ወላዲኣ ብውርሲ ዝረኸበቶ እዩ።
6) ሱዛን ክላተን
ዝተጻረየ መጠን ሃብታ 21 ቢልየን ዶላር እንትኾውን፡ መበል 46 ሃብታም ዓለምና እያ።
እዛ ጓል 56 ዓመት ጀርመናዊት፡ ኣብ ምፍራይ መካይንን መሸጣ መድሓኒትን ዝተዋፈሩ ትካላት እያ ትውንን።
ወለዳ እንትሞቱ 50 ምኢታዊ እቲ ኩባንያ መድሓኒት ዝወረሰት እንትትኮን፤ ብተወሳኺ ምስ ሓዋ ኣብቲ ፍሉጥ መፍረዪ መኪና 'ቢኤምደብልዩ' 50 ምኢታዊ ብጽሒት ኣለዎም።
7) ላውረን ፖወል ጆብስ
18.6 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ዘለዋ ላውረን ፓወል ጆብስ፡ መበል 54 ሃብታም ዓለምና እያ።
በዓልቲ ቤት መስራቲ ኩባንያ ኣፕል ዝነበረ ስቲቭ ጆብስ ዝነበረት እዛ ጓል 55 ዓመት፡ በዓል ቤታ እንትመውት፡ቀሊል ዘይበሃል ብጽሒት ብምውሳድ 20 ቢልዮን ዶላር ወሪሳ እያ።
ላውረን ፓወል ጆብስ፡ ኣብ ጋዜጠኝነትን ተዛመድቲ ስራሕትን እያ እትነጥፍ።