እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ትግራይ፡ መግቢን ካልእ ቀረባትን ዝጸዓና መካይን ሕቡራት ሃገራት ናብ መቐለ ተበጊሰን
ሰብኣዊ ረዲኤት ዝጸዓና ቃፍላይ መካይን ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ተበጊሰን ምህላወን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓቢሩ።
እቲ ትካል ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ከምዝበሎ፡ እተን 47 መካይን መግቢን ካልእ ቀረባት ዝጸዓና እየን።
"ተወሳኺ ብሕቡራት ሃገራት፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተመርሐ ቃፍላይ ሰብኣዊ [ረዲኤት] ናብ መቐለ ኣምሪሑ'ሎ" ክብል ኣፍሊጡ።
ብዘይካ'ዚ ሰለስተ ናይ ነዳዲ ቦጣት'ውን ኣካል ናይቲ ቃፍላይ ምዃነን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጠቒሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን "ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ከምዝገበሩ ድሕሪ ምእዋጆም፡ ብዘይካ ኣብ ፈለማ ዝኣተዋ 21 መካይን ረዲኤት ክኣቱ ዘምኽኣሉ ሻቕሎት ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ።
ትማሊ ረቡዕ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ካብ ገለ ተቖጻጺሮሞም ዝጸንሑ ከባቢታት ክልል ዓፋር ከምዝወጹ ኣፍሊጦም ነይሮም።
"ክሳብ ሕጂ ብደገፍ ኩሎም ሰብመዚ" ጉዕዞ ናይዘን ተበጊሰን ዘለዋ መካይን ዝኾነ ዕንቅፋት ከምዘየጋጠመን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ'ሎ።
ብሰንኪ ኣብ ዶባት ክልቲአን ክልላት ዝቐጸለ ውግኣትን ዘይርጉእ ኩነታትን ብመስመር ኣብዓላ-መቐለ ረዲኤት ክሓልፍ ከምዘይክኣለ'ዮም ሰብመዚ መንግስቲ ክዛረቡ ጸኒሖም። መራሕቲ ትግራይ ግን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ክልል ክኣቱ ዕንቅፋት ከምዘይኮኑን ምሉእ ምትሕብባር ክገብሩ ድልዋት ምዃኖምን'ዮም ዝዛረቡ።
ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብቲ ክልል ጥምየትን ኩነታት ዓጸቦን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ኲናት ኣብ ትግራይን ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ሞትን ዕንወትን ምውራዱ ጸብጻባት የረድኡ።