እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን፡ ሩስያ ሃገራት ስዊዲንን ፊንላድን ናብ ኔቶ ከይጽንበራ ኣጠንቂቓ
ሩስያ ጎረባብታ ዝኾና ስዊዲንን ፊንላድን ናብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ብኣባልነት ከይጽንበራ ኣጠንቂቓ፡፡
እታ ሃገር ኣባል ኔቶ ምዃን ናብ ኣውሮጳ ዘይምርግጋእ ዝዕድም እዩ ክትብል ትምጉት፡፡
ወታሃደራዊ ሰብመዚ አመሪካ፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንኔቶ ከዕቢ ዝኽእል ‘‘ዓብዪ ስትራተጂያዊ ስሕተት እዩ’’ ድሕሪ ምባሎም እዩ ሩስያ ነዚ መግለጺ ሂባ ዘላ፡፡
እተን ኣብ ዞባ ኖርዲክ ዝርከባ ሃገራት ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዘ ኣባላት ኔቶ ንምዃን ክሓታ ሰብመዚ ኣመሪካ ትጽቢት ይገብሩ፡፡
ኣመሪካ፡ ነቲ ቁጽሪ ኣባል ሃገራት ኔቶ ናብ 32 ዘዕቢ ምንቅስቓስ ትድግፎ ከምዘላ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቲ ኔቶን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እተን ሃገራትን ዘተ ከምዝተሳለጠ ተሓቢሩ፡፡
ሩስያ ቅድሚ ንዩክረይን ምውራራ፡ ኔቶ ሓደሽቲ ኣባላት ከይውስኽ ትጠልብ ዝነበረት ኮይና፡ እቲ ኲናት ግን ብኣንጻሩ ቁጽሪ ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝዋፈሩ ወታሃደራት ኔቶ ዓብዩን ሃገራት ስዊዲንን ፊንላንድን ኣባላት ክኾና ዝካየድ ህዝባዊ ጎስጓስ ወሲኹን ኣሎ፡፡
ብ 1,340 ኪሜ ዶብ ምስ ሩስያ እትዋሰን ፊንላንድ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተፈጸመ ወራር ሰጊኣ እያ፡፡
ኣባልነት ኔቶ ክቃወም ዝጸንሐ መሪሕ ውድብ ስዊዲን እውን እቲ ሓድሽ ኩነታት ደጊሙ ክሓስብ ከምዘገደዶ ይገልጽ፡፡
ሞስኮ ግና ዝኾነ ምስፍሕፋሕ ኔቶ ከምእትቃወም ብግልጺ ኣቐሚጣ ኣላ፡፡
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ ዲሚትሪ ፖስኮቭ፡ ሃገራት ስዊዲንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ እንተኾይነን፡ ሩስያ ብናይ ባዕላ ስጉምቲ ‘‘ሚዛን እቲ ኩነታት ከምእትሕሉ’’ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ፡፡
ኣብ ወርሒ ለካቲት ብተመሳሳሊ ወሃቢት ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ ፡ ሃገራት ስዊዲንን ፊንላንድን ኣባላት እቲ ኪዳን እንተኾይነን ‘‘ወታሃደራውን ፖለቲካውን ሳዕቤን’’ ከምዝወርደን ኣጠንቂቓ ነይራ፡፡
ኔቶ ብምኽንያት ስግኣት ምስፍሕፋሕ ሕብረት ሶቭየት ነበር ኣብ 1949 ዝተመስረተ ኮይኑ ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ድማ ኣባላት ሶቭየት ዝነበራ ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ተሓዊሰነኦ እየን፡፡
ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ንዝበጽሕ መጥቃዕቲ ሓቢረን ናይ ምክልኻል ውዕል ኣለወን፡፡
ሩስያ ብቐጻሊ እተፈራረሐን ዘላ ሃገራት ፊንላድን ስዊዲንን እውን ኣባላት ኔቶ ንምዃን ዝገብርኦ ምንቅስቓስ ኣሐዪለን ዝቐጸላ ኮይነን፡ ወታሃደራዊ ወጻኢታተን እውን ዓብዩ ኣሎ፡፡
ብሰኑይ ወታሃደራዊ ሰብመዚ ፊንላንድ ድሮናት ንምግዛእ ባጀት ዝሰልዑ ኮይኖም ስዊዲን እውን ወታሃደራዊ ወጻኢታታ ብ 3 ቢልዮን ክሩና ከምእተዕብዮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣፍሊጣ እያ፡፡