ሩስያ፡ ብዛዕባ ፑቲንን ደቁን እንታይ ንፈልጥ?

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ብዛዕባ ስድራ ቤቱ ሕቶታት ክለዓል እንከሎ ወትሩ እዩ ዝጥንቀቕ።

ብ2015፡ ንውድድር ማራቶን ብዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ሓደ ኣኼባ ብዛዕባ መንነት ጓሉ ሕቶታት ቀሪቡሉ።

"ደቀይ ኣብ ሩስያ እየን ዝነብራን ዝመሃራን፡ ብኣታተን ከኣ እሕበን እየ። ሰለስተ ቋንቋታት ወጻኢ ብምልከት ይዛረባ፤ ብዛዕባ ስድራ ቤተይ ምስ ዝዀነ ሰብ ክዛረብ ኣይደልን እየ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ ጸጽሕፍቶኡ ከልዕልን ብኽብሪ ህይወቱ ክመርሕን መሰል ኣለዎ" ኢሉ።

ምባልባት ፑቲን ስም ደቁ ክጠቅስ እኳ እንተዘይደለየ፡ ካልኦት ይፈልጡወን እዮም።

እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ፑቲን ዝተገብረ ናይ ኣመሪካ እገዳ ከኣ ኣብ ልዕሊ ጓል 36 ዓመት ማርያ ቮሮንቶቫን፡ ጓል 35 ዓመት ካትሪና ቲኮኖቫን እዩ ኣነጻጺሩ።

ሓደ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን፡ "መብዛሕትኡ ንብረት ፑቲን ብስም ኣባላት ስድራ ቤቱ ተሓቢኡ ከም ዘሎ ስለእንኣምን ኢና ናብአን ኣነጻጺርና" ኢሉ ።

ብዛዕባ ህይወት ስድራ ቤት ፕረዚደንት ፑቲን ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር እኳ እንተ ዘየሎ፡ ሰነዳት ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን ኰነ እቲ ሓሓሊፉ ኣብ ህዝባዊ መግለጺታት ዝወሃብ መደረ ንህይወት እቶም ሰብ ሓዳር ይገልጾ እዩ።

እዘን ክልተ ኣዋልድ ደቂ ፕረዚደንት ፑቲንን በዓልቲ ቤቱ ነበር ልዩድሚላን እየን።

ፑቲንን ልዩድሚላን ብ1983 እዮም ተመርዕዮም። ሽዑ ሰበይቲ ኣተኣናጋዲት በረራ እያ ነይራ።

ንሱ ከኣ ኣባል ከይ.ጂ.ቢ ነይሩ። ሓዳሮም ን30 ዓመታት ጸኒሑ። ኣብቲ እዋን ሚስተር ፑቲን ቀልጢፉ ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ፖለቲካዊ ስርዓት ሩስያ ደይቡ።

እንተኾነ ምስ በዓልቲ ቤቱ ብ2013 ተፈላልዮም። ፑቲን እቲ ናይ ምፍልላይ ውሳነ "ሓባራዊ ውሳነ እዩ ነይሩ። ንሓድሕድና ብዙሕ ኣይንራኸብን ነይርና። ነፍሲ ወከፍና ነናቱ ህይወት'ዩ ነይሩዎ" ኢሉ።

በዓልቲ ቤቱ ከኣ ኣብቲ ብሓባር ዝነበርሉ እዋን "ፑቲን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስራሕ እዩ ጥሒሉ ነይሩ" ኢላ።

እታ ብ1985 ዝተወልደት በዅሪ ጓሉ ማሪያ ቮርተንሶቫ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰይንት ፒተርስበርግ ስነ ህይወትን ኣብ ሞስኮ ስተይት ዩኒቨርሲቲ ከኣ ስነ መድሃኒትን ኣጽኒዓ።

ሕጂ ወ/ሮ ቮሮንቶቫ ንስርዓተ ኢንዶክሪን ብዕምቆት ዘጽነዐት ኣካዳምያዊት እያ።

ኣብቲ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ማእከል ምርምር ኢንዶክሪኖሎጂ፡ ብዛዕባ ዕቤት ቈልዑ ዝገልጽ መጽሓፍ ምስ ካልኣያ ጽሒፋ።

ኣብ ርእሲኡ ነጋዲት እውን እያ። ቢቢሲ ሩስያ ከምዝፈለጡዎ ወናኒት ናይ ሓደ ክህነጽ ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ ማእከል ሕክምና እያ።

ወ/ሮ ቮሮንቶቫ ጆሪት ፋሰን ምስ ዝተባህለ ሓደ ሆላንዳዊ ነጋዳይ እያ ተመርዕያ ነይራ።

ኣብ ሓደ እዋን በዓል ቤታ ነበር ጆስት ፋሰን፡ ጋዝፕሮም ኣብ ዝብሃል ዝዓበየ ትካል ጸዓት ሩስያ ይዓዪ ነይሩ።

ወራር ዩክረይን ካብ ዝጅምር ንደሓር ዝተዛረብዋ ሰባት ፡ ብዛዕባ እቲ ግጭት ብኣህጉራዊ ጸብጻብ ንዝግለጽ ሓበሬታ ጥርጣረ ከምዘለዋን ንኣቦኣ ከም እትድግፍ እዮም ዝገልጹ ፣

እታ ናይ ሮክ ሮል ሳዕሳዒት ካትሪና ቲኮኖቫ ሓብታ ብስነ ጥበባዊ ስርሓ ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ጸኒሓ እያ።

ብ2013 ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ከኣ ምስ መጻምድታ ሓምሸይቲ ወጺኣ ነይራ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ ካትሪን ፑቲን፡ ንወዲ ዓርከ ኣቦኣ ንኪሪል ሻማሎቭ ተመርዓወቶ።

መርዓኦም ኣብ ጥቓ ሰይንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝርከብ ብበረድ ኣብ እተሸፈነ ቦታ እዩ ተኻይዱ።

እቶም ሰብ ሓዳር፡ ብሰለስተ ጸዓዱ ኣፍራስ ብዝተመርሐ ሰረገላ በረድ እዮም ናብቲ ቦታ መጺኦም።

ሚስተር ሻማሎቭ ኣብ ጽላታት ጸዓት ሩስያ ብዝነበሮ ተራ ብ2018 ብኣመሪካ እገዳ ተገይሩሉ ነይሩ።

ትረዠሪ ኣመሪካ ፡ ድሕሪ መርዓኦም ሃብቲ ሻምሎቭ ብቕልጡፍ ከምዝዓበየ እዩ ዝንገር። እንተኾነ እቶም መጻምድቲ ተፈላልዮም እዮም።

ድሕሪ ወራር ዩክረይን፡ ክልተ ሩስያውያን ደለይቲ ለውጢ፡ ኣብ ቢያር ክሪስተርስ ዝርከብ ናይ ሻምሎቭ ሓደ ክቡር ቪላ ስለ ዝተቖጻጸሩዎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ወይዘሮ ቲኮኖቫ [ጓል ፕረዚደንት ፑቲን] ሕጂ ኣካዳሚክን ነጋዲት እያ ዘላ።

ኣብ 2018 ከምኡ እውን ኣብ 2021 ኣብ ዝካየድ ናይ ንግዲ መድረኽ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ሃገረ ሩስያ ብዛዕባ ኒውሮቴክኖሎጂ ሓጺር መብርሂ ሂባ ነይራ።

ኣብ ክልቲኡ እዋን ብዛዕባ ምስ ኣቦኣ ዝህልዋ ርክብ ኣይተዘርበን።

ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ብዙሕ ግዜ እተሕልፍ ሰበይቲ የላን።

ፑቲን ደቂ ደቁ ከም ዘለውዎ ብ2017 ኣብ ሓደ ናይ ቴሌፎን ርክብ ጠቐሶም ነይሩ።

ይኹን እምበር ክንደይን ደቂ ኣየኒአንን ምዃኖም ኣይሓበረን ።

"ንደቂ ደቀይ ብዝምልከት ሓደ ቖልዓ ድሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ መውዓሊ ህጻናት ኣሎ። ደቂ ደቀይ ከም ተራ ሰባት እምበር ከም ደቂ ገለ መራሕትን ነገስታትን ክዓብዩ ኣይደልን እየ" ክብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።