እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቃዕቲ ፈጺሞም- ሕቡራት ሃገራት
ኣብ ክልል ኣምሓራ: ዞባ ሰሜን ጎንደር፡ ኣብ ከባቢ ዳባት ዝርከብ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ፡ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ኣፈኛ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ፌይስ ኪሲንጋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሓበቶ ሓበሬታ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ዕጡቓት ኣብቲ ሓድሽ መዓስከር ብምእታው ኣብ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ስደተኛታት ብጥይት ከም ዝተሃረሙን ሕክምናዊ ረድኤት ከም ዝተገበረሎምን ገሊጻ።
ኩነታት ጥዕና እቶም ስደተኛታት ኣብዚ እዋን ኣብ ደሓን ከም ዘሎ ዝሓበረት እታ ኣፈኛ፡ መንነትን ዕላማን እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሽዱሽተ ዕጡቓት ጌና ከም ዘይተነጸረ ሓቢራ።
ሰብ መዚ ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ጽባሕ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ሰብ መዚ ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ብምዃን ናብቲ መዓስከር ከም ዝበጽሑን ንውሕስነት እቶም ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ከም ዝተዘራረቡን ፌይዝ ገሊጻ።
“መንነት ናይቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ጌና ኣይተፈለጠን ኣሎ። ፖሊስ እቲ ከባቢ መርመራታት ይገብሩ ከም ዘለው ግና ፈሊጥና ኣሎና” ኢላ።
ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ኣብታ ክልል ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ኣጽሊሎም ዝነበሩ ስደተኛታት ግዳይ መቕተልቲ ዓመጽን ዝተፈላለየ ግህሰትን ኮይኖም ምጽንሖም ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ፈለማ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓከራት ሽመልባን ሕጻጽን ምሉእ ብምሉእ ከዓንዋ እንከለዋ እቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ ከባቢታት ከም ዝሃደሙን ገለ’ውን ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ከም ዝተመለሱን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ እዩ።
ኩነታት ኣብ መዓስከራት ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት
ቅደሚ እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ኣብታ ክልል ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝነበሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መስከረም 2021 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሰራዊት ኤርትራን ምልሻታት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝርከቦም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ገሊጹ።
ፍረዝጊ ዘርኣይ ተቐማጢ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ዝነበረ ኤርትራዊ ስደተኛ ኮይኑ ኣብ ወርሒ ለካቲት እዩ ካብቲ ዝትኮሰሉ ዝነበረ ጠያይቲ ድሒኑ ናብ ዳባት በጺሑ።
ንሱ፡ ነቲ ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ዝነበረ ኩነታት ከረድእ ከሎ፡ እቶም ስደተኛታት መዐደጊ መግቢ ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ፡ ክዳውንቶም ክሳብ ምሻጥ ከም ዝበጽሑ፡ ብሰንኪ እዚ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ናብ ክልል ኣምሓራ ክሰግሩ ከም ዝግደዱን ኣረዲኡ።
ፌይዝ ንኩነታት ናይቶም ኣብተን መዓስከራት ዝርከቡ 22500 ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃበትና መብርሒ “ኩነታቶም ኣዝዩ ሕሱም እዩ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከኣ እናኸፍአ እዩ ዝመጽእ ዘሎ” ድሕሪ ምባል፡ በቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተበጽሐ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ።
እንተኾነ ግና ዛጊት 21 መካይን ጥራሕ እየን ናብ ትግራይ ኣትየን፤ እዚ ከኣ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ሒደት ምዃኑ ትካላት ረድኤት ይገልጹ።
“ኣብ ወወዳእታ ወርሒ ለካቲት ምስ ሰብ መዚ እቲ ከባብን መንግስቲ ኢትዮጵያን ድሕሪ ምዝርራብ ኣስታት 290 ሜትሪክ ቶን እኽሊ ካብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ትግራይ ናብ ሽረ ከም ዝኸይድ ብምግባር ናብ ማይዓይንን ዓዲሓሩሽን ተዓዲሉ” ኢላ ፌይዝ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው፡ ብዙሓት ስደተኛታት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ካብ መዓስከራት ዓዲ ሓሩሽን ማይዓይንን ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተመስረተ ሓድሽ መዓስከር ክሰግሩ ከም ዝፍትኑ ቢቢሲ ካብቶም ስደተኛታት ክርዳእ ክኢሉ እዩ።
ብወገን ሕቡራት ሃገራት ነዚ ብዝምልከት ዝተታሓዘ መደባት እንተሎ ዝተሓተት እታ ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቶም ስደተኛታት ንምስግጋር ውሑስ ኮሪደር ከም ዘድልይ ሓቢራ።
“እተን መዓስከራት ዝርከባሉ ከባቢ ውሑስ ስለዘይኮነ ነቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ ክነግዕዞም ኣይከኣልናን። ስደተኛታት ብውሑስ ዝሰጋገሩሉ ኮሪደር ክኽፈትን ናብ ካልእ ቦታ ክሰጋገሩን ምስ መንግስቲ ንዘራረብ ኣሎና።