ሰለስተ ቃፍላይ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ኣብ ሰመራ ፍቓድ ይጽበያ ኣለዋ - ፕሮግራም መግቢ ዓለም

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሰለስተ ቃፍላይ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ኣብ ሰመራ ክልል ዓፋር ተዳልየን ፍቓድ ይጽበያ ከምዘለዋ ሓቢሩ።

ቤትጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ንእቲ ትካል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ ምላሽ "ኣእካልን መኣዛዊ መግብታትን ዝጸዓና መካይንን ክልተ ናይ ነዳዲ ቦጣትን ዘለዎ ሰለስተ ቃፍላይ መካይን ናብ ትግራይን ሰሜናዊ ዓፋርን ንምብጋስ ተዳልዩ እዩ ዘሎ።

"እተን መካይን ኣብ ሰመራ ተሰሪዐን ኣለዋ፤ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እቲ መገዲ ውሑስ ምዃኑ መረጋገጺ ካብ ሰብ መዚ ዓፋር ፍቓድ ምስ ረኸበ እቲ ረድኤት ናብ ህዝቢ ትግራይን ዓፋርን ክዕደል እዩ" ይብል።

ናብ ትግራይ ብመካይን ዝለኣኽ ረድኤት ንኣዋርሕ ተቋሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ ድሕሪ እቲ ብክልቲኦም ወገናት ዝተኣወጀ ደው ምባል ተጻበኦ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳግም ምጅማሩ ተስፋታት ፈጢሩ እኳ እንተጸንሐ ብዘይካ እተን ሽዑ ዝሰገራ 21 መካይን እቲ መስርሕ ከም ዘይቐጸለ ሰብ መዚ ትግራይ ገሊጾም።

ኣብ ትግራይ ኣተሓባባሪ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቦ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ ንፈተነ ተባሂለን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝኣተዋ 21 መካይን ወጻኢ ናብ ትግራይ ዝአዛተወ ሓገዝ ከምዘየለ ተዛሪቡ።

"እተን 20 መካይን ከም ሓገዝ ዘይኮነስ ንፈተነ ከምዝተልኣኻ ምርዳእ የድሊ። እቲ መንገዲ ሰላም ምዃኑ፡ ዘሕልፍ ምዃኑ መረጋገጺ እዩ" ዝበለ ዶ/ር ኣትንኩት መዓልታዊ 300 መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ምስገበርቲ ሰናይ ከምዝተሰማምዑን ዛጊድ ከምዘይተተግበረን ተዛሪቡ።

ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኖም ኣብ ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ዝተገበረ ክልካለ ከምዘየለ ሓቢሮም ኣለዉ።

ትማሊ ንቢቢሲ ትግርኛ ቃሉ ዝሃበ ሓላፊ ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) "ብኣና ወገን ዝቋረፅ ረድኤት የለን። ዝተቐመጠ ገደብ እውን የለን። ዝኾነ ኣካል ረድኤት ከቕርብ እየ እንተይሉ፡ ክፍቲ እዩ" ኢሉ።

ቤትጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃቦ ምላሽ ግና እቲ ትካል ረድኤትን መሻርኽቱን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብሕጽረት መግቢ ተጠቒዑ ንዘሎ ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ብሕጽረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ነበርቲ ንምሕጋዝ መዓልታዊ 100 ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከምዝግባእ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

ሰብመዚ ትግራይ ግና ንነዊሕ እዋን ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ስለዘይኣተወ መዓልታዊ 300 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእ እዮም ዝገልጹ።

ድሕሪ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብኣዊ ሓገዝን ነዳድን ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ምስኣተዋ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክውስኽ እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ወግዓዊ ዘይኮነ ዕጽዋ፡ ሚልዮናት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኾኑ ኮይኖም ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንዓጸቦ ተቓሊዖም እዮም።

ሰብመዚ ትግራይ እንታይ እዮም ዝብሉ?

ኣተሓባባሪ ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ 20 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ብመልክዕ ፈተነ ድሕሪ ምልኣኹ፡ ኣብዚ እዋን ደው ከምዝበለ ንቢቢሲ ገሊፁ።

"ኣብ 2021 ሽዱሽተ ዙር ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ተሓሲቡ ነይሩ። ኣብ ሓደ ዙር 107 ሽሕ ሜትሪክ ቶን። ብተግባር ግን ካብ ሓምለ ጀሚሩ 7 ምኢታዊት ጥራሕ እዩ በጺሑ። ስለዚ እዚ ክመጽእ ብመዓልቲ 300 መካይን የድሊ" ይብል።

ንሱ ከምዝብሎ ኣብ መንገዲ ዝኾነ ዓይነት ናይ ጸጥታ ጸገም ከምዘየለ በቲ ናይ ፈተነ መደብ ዝተረጋገጸ እኳ እንተኾነ ቀረብ ረድኤት ግን በቲ ዝተሓሰበሉ ብርኪ ኣይቀጸለን ኢሉ።

"ዝተፈጠረ ዕንቅፋት የለን፤ ዝኣተወ ሓገዝ እውን የለን። ጠጠው ኢሉ እዩ ዘሎ። እቲ ቀንዲ ሓገዝ ኣይመጸን። ጠጠው ዝበለሉ ምኽንያት እውን ኣይተረደአናን" ክብል ገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ነቶም ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ፍቓድ ከምዘይሃቦም ብምግላጽ "ሕዚ እውን ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ" ክብል ወቒሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ ናብ ትግራይ ዘይተገበደ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ ጥጡሕ ባይታ ኣመቻችዩ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።

ትማሊ ምሰ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ሓላፊ ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ፡ ነቲ ብወገን ትግራይ ዝቐረበ ቅረታ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ "እዚ ኣብ ዓቕሚ ረድኤት ዘቕርቡ ኣካላት ዝውሰን እዩ። ንሕና ፍሰት ረድኤት ንክህሉ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣርና ኢና ንፈልጥ። ምቹው ኩነታት ፈጢርና ኢና፤ ትካላት ረድኤት ብዝኾነ ይኹን መገዲ፡ እንተደልዮም ብነፋሪት እንተደልዮም ብመኪና፡ ብዘይገደብን ቅድመ ኩነትን ረድኤት ከብፅሑ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ።

ንትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ግቡእ ፍቓድ ከምዘይሃበ ንዝገልጽ ክሲ ድማ "መንግስቲ ፍቓድ ኣይከልከለን። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ቀረብ እንተልይዎ ከቕርብ ይኽእል'ዩ። እዚ ኣብ ናሃቶም ዓቕምን ቢሮክራስያዊ ኣሰራርሕኦም እዩ ዝውሰን" ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ ልዕሊ 17 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ጎንጺ፡ 90 ምኢታዊት ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንዓጸቦ ከምዝተቓልዑ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የምልክቱ።