ቱርኪ፡ ክሲ ጀማል ካሾጊ ክቋረጽ ብምውሳና ቁጠዐ ፈጢሩ

ቤት ፍርዲ ቱርኪ ብቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ንዝተኸሱ 26 ናይ ስዑዲ ዓረብ ዜጋታት መስርሕ ፍርዲ ክቋረጽ ብምውሳኑ ዓቢ ቁጠዐ ፈጢሩ።

እቲ አዘራረቢ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክቕጽል ምዃኑ እቲ ውሳነ የመልክት።

ኣብ ኣመሪካ ተቐማጢ ዝነበረ፡ ንስርዓት ስዑዲ ዓረብ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ስሙይ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ፡ ብ2018 እዩ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ናይ ስዑዲ ቆንስል ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ተቐቲሉ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ስዑዲ ዝተፈጸመ ዘሰምብድ ቕትለት ኣብ እዋኑ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ኣቖጢዑ፡ መንግስታት ስዑድን ቱርክን እውን ብዙሕ ተሰሓሒበን ነይረን።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ስዑዲ ዓረብ፡ በቲ ቕትለት ንዝጠርጠረቶም ሸሞንተ ክሱሳት ኣሲራ። ይኹን እምበር ነቶም ቱርኪ ዝጠርጠረቶም ስዑዳውያን አሕሊፋ ክትህባ ፍቓደኛ ኣይነበረትን።

ኣመሪካ እትርከበን መንግስታት ምዕራብን ቱርክን ካሾጊ ብመንግስቲ ስዑዲ ብዝተላእኩ ሰባት እዩ ተቐቲሉ ክብላ እንከለዋ፡ ስዑዲ ግን ካሾጊ በቶም ንስዑዲ ንክምለሱዎ ዝሓባብሉዎ ዝነበሩ ሰባት ብዘይ ናይ ማንም ኣፍልጦ ሃንደበት ከምዝተፈጸመ እያ ትዛረብ።

ካሾጊ ምስተቐትለ ፕሬዝደንት ረሲፕ ታይፕ ኤርዶጋን እቲ ጋዜጠኛ ካብ ሪያድ ብዝተላእከ "ጨካኝ ናይ ቅትለት ጉጅለ " ብመደብ እዩ ተቐቲሉ ኢሉ ነይሩ።

ናይ ኣሜሪካ ናይ ስለላ ትካል ሲአይኤ፡ ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ካሾጊ እንተተኻኢሉ ብህይወቱ ናብ ስዑዲ ክኣቱ እንተዘይተኻእለ ከኣ ንኪቕተል ከምዝኣዘዘ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር እቲ ወራስ ዓራት ብተደጋጋሚ ኣብቲ ቕትለት ፈጺሙ ኢድ የብለይን ክብል ጸኒሑ ኣሎ።

ሕጽይቲ ጀማል ካሾጊ ሃቲስ ሰንጊዝ ብውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ሕጉስቲ ዘይምዃናን ይግባይ ክትብል ምዃናን ሓቢራ ኣላ።

እቲ ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ብቐዋሚ ዝጽሕፍን ንመንግስቲ ስዑዲ ዝነቅፍን ዝነበረ ወዲ 59 ዓመት ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ምስ ቤተሰብ ንግስነት ስዑዲ ቀረባ ከምዝነበረን ኣብ ሓደ እዋን ኣማኻሪ መንግስቲ ኰይኑ የገልግል ከምዝነበረን ይፍለጥ።

ዓቃቤ ሕጊ፡ እቶም ተኸሰስቲ ጥርጡራት፡ ኣብ ዘይጋብኡሉ ቤት ፍርዲ ዝስማዕ ክሲ ናይ ገዜ ምጉታት ከኸትል ይኽእል'ዩ ክብል ንምኒስተር ፍትሒ ቱርኪ ኣቤቱታ ምስ ኣቕረበ'ዩ ቤት ፍርዲ ቱርኪ ነቲ ሓሳብ ተቐቢሉዎ። እቲ ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ንቅትለት ካሾኪ ዝምልከት ክሲ ስዑዲ ዓረብ ባዕላ ከምእትምርምሮ ቃል ኣትያ እያ ኢሉ።

ይኹን እምበር እቲ ሕጂ ተዋሂቡ ዘሎ ውሳኔ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዓቢ ነቐፌታ ኣጋጢሙዎ ኣሎ።

ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ናይ ኣምኒስቲ ኣህጉራዊ ሓላፊ እቲ ውሳነ ፖለቲካዊ እዩ ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

ብሰንኪ ቅትለት ካሾጊ ዝምድነአን ሓርፊፉ ዝጸንሐ ስዑድን ቱርክን ኣብዚ እዋን እዚ ዝምድነአን ንምምሕያሽ ጻዕሪ የካይዳ ከምዘለዋ ይፍለጥ።