ጆ ባይደን፡ ፑቲን ብገበናት ኲናት ናብ ፍርዲ ክቐርብ ሓቲቱ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ገለ ከባብታት ዩክሬን ጅምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸሙ ዘመልክቱ ጸብጻበት ምውጸኦም ስዒቡ ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ብገበናት ኲናት ክሕተት ኣለዎ ኢሉ።

ብፍላይ ኣብ ጥቓ ከተማ ኪቭ እትርከብ ቡቻ ኣብ ዝተባህለት ቦታ ሰራዊት ሩስያ ፈጺሞምዎ ብዝተባህለ ጃምላዊ ጨፍጫፍ፡ ዓለም ለኻዊ ቁጥዐ ኣስዒቡ ኣሎ።

"እዚ ሰብኣይ ቀታሊ እዩ" ዝበለ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ 'ፑቲን ገበነኛ ኲናት' እዩ ኢልዎ።

ሩስያ ግና፡ እቶም ካብ ዩክሬን ወጺኦም ዘለዉ ኣሳእል፡ 'ሓቅነቶም ዘይተረጋገጹ እዮም' ዝብል ምላሽ ሂባ።

ኣመሪካ፡ ናብታ ጅምላዊ ቅተልቲ ተፈጺሙላ ተባሂላ ዝእመነላ ከተማ ቡቻ፡ ዝዋፈሩ ዓለምለኸ መርመርቲ ሕጊ ከምእትድግፍ ሰብ ስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም።

መንግስቲ ዩክሬን ኣብታ ከተማ፡ ልዕሊ 410 ሬሳታት ሰላማውያን ሰባት ረኺበ ምስ በለ፡ መርመራታት ገበናት ኲናት ጀሚሩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ካብቶም ሬሳታት፡ ገሊኦም ኣብ ጃምላ መቓብር [ጋህሲ] ዝተረኽቡ ኮይኖም፡ ገሊኦም ብቐረባ ርሕቐት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት ድማ ኣእዳዎም ብሓደ ተኣሲሮም ተረኺቦም ተባሂሉ።

ሰብ ስልጣን ዩክሬን፡ ሓይልታት ሩስያ፡ ንሓይልታት ዩክሬን ሓጊዙ ኢሎም ዝጠርጠርዎ ኣመሓዳሪ ሓንቲ ቁሸት ምስ ወዱን በዓልቲ ገዝኡን ከም ዝቐተልዎ ወሲኾም ከሲሶም።

ባይደን፡ "ንፑቲን ገበነኛ ኲናት እዩ ብምባለይ ከም ዝተነቐፍኩ ትዝክርዎ ኢኹም። ሕዚ ኣብ ቡቻ ዝኾነ ግን ሪእኽምዎ ኣለኹም፤ ፑቲን ገበነኛ ኲናት እዩ፤ እንተኾነ እቲ ፍጻመ ብመርትዖ ክስነድን ክደገፍን ምእንታን እኹል መረደእታ ክእከብ ኣለዎ" ኢሉ።

ባይደን ወሲኹ ድማ፡ እቲ ኣብ ከተማ ቡቻ ዝተፈጸመ 'ኣዝዩ መሕፈሪ' ተግባሪ ዝበሎ ኾይኑ፡ ፑቲን ብወተሃደራቱ ንዝተፈጸሙ ግፍዕታት ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ ማዕቀብ ንምንባር ሃቂና ከም ዘላ ድደማ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ማክሳር [Maxar] ዝተባህለ ንመሬት ብሳተላይት ዝከታተል ትካል፡ እታ ንእሽቶ ከተማ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ጎደናታታ ብሬሳ ተሸፊኖም ከም ዝነበሩ ዘርኢ ምስልታት ምስ ኣቃልሐ እዩ ባይደን ነዚ ርኢይቶ ሂቡ።

ኒውዮርክ ታይምስ ነቲ ምስልታት ሳተላይት ተንቲኑ ዘቕረበ ኾይኑ፡ ብ11 መጋቢት ብውሕዱ ናይ 11 ሬሳታት ኣብ ጎደናታት ይረአ ነይሩ ኢሉ።

እቲ ዕለት ሓይልታት ሩስያ ነታ ከተማ ዝተቖጻጸርሉ መዓልቲ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ብሓይልታት ሩስያ ዝተፈጸሙ ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ መግረፍትን ጃምላዊ ቅትለታትን ዝምልከት እሙናት ጸብጻባት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ኔድ ፕራይስ፡ "ኣዝዮም መስካሕኻሕቲ ግፍዕታት ከም ዝፈጸሙ ዘመላኽቱ ኣሳእልን ጸብጻባትን በጺሖምና ኣለዉ" ኢሉ።

እቶም ዓለምለኸ መርመርቲ ሕጊ፡ ብጠለብ ዩክሬይን ንክፍሊ ገበናት ኲናት ዘጽንዕ ጉጅል ክሕግዙ ናብቲ ከባቢ ኣትዮም ኣለዉ።

ፔንታጎን እቲ ተግባር ብሓይልታት ሩስያ ከም ዝተፈጸመ ዳርጋ ርግጸኛ እንተኾነ'ኳ፡ ኣየኖት ኣሃዱታት ከም ዝፈጸምዎ ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ መርመራ ምክያድ ኣድላይ ምዃኑ ይኣምን።

ፐረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብወገኑ፡ ሩስያ ኣብ ካልኦት ከባብታት ብሰራዊታ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ክትስውር ትፍትን ከም ዘላ ከሲሱ።

"ሓድሽ ተግባሮም ትፈልጥዎ ከም እትኾኑ ተስፋ ይግብር። ሓቅታት ከዛብዑ ይፍትኑ ኣለዉ። እንተኾነ ኣይሳኸዐሎምን። ንዓለም ከታልሉ ኣይክኣሎምን" ኢሉ።

ፈረንሳይን ጀርመንን፡ ነቲ ጸብጻባት ኣብ ቡቻ ዝተፈጸመ ግፍዒ ስዒቡ፡ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ኣባሪረን ኣለዎ።

ፈረንሳይ ተወሰኽቲ ኣባላት እቲ ኤምባሲ ክተባርር ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።

ኣምባሳደር ሞስኮ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ብምዕራባውያነን ዝቐርብ ዘሎ መግለጺታት ሕሶት ምዃኑ ዘመልክት 'ጭቡጥ መረዳእታ' ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ከቕርብ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

ቫሲሊ እንበንዝያ፡ ትማሊ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ፡ ዩክሬንን ደገፍታ ምዕራባውያንን እዚ ዝተፈብረኸ ሓበሬታ ብምንዛሕ ንህዝብን መንግስትን ሩስያ የጸልም ኣለዉ ኢሉ።

መሰኻኽር ዓይኒ ከም ዝበልዎ ወተሃደራት ሩስያ፡ ነቶም ነበርቲ መጀመርታ ብሰብኣዊ ኮሪደራት ምሕላፍ ከልኪሎም እዮም ቀቲሎምዎም።

ብውሕድ 20 ሰብኡት ኣብቲ ጽርግያ ወዲቖም ዝረአዩ ኾይኖም፡ ገሊኦም ውቃዕ ነይሩዎም።

ገሊኦም ብጥይት ዝተቐትሉ ኾይኖም ካልኦት ድማ፡ ታንኪ ኣብ ልዕሊኦም ክኸዳ ተገይሩ።

እቲ ናይ ሳተላይት ኣሳእል፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኣንድሪው፡ 14 ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ ጃምላዊ መቓብር ከም ዘሎ የርኢ።