በዓልቲ ቤቱ ንዊል ስሚዝ፡ ጄዳ ፒንኬት ኣብ ዛዕባ ጽፍዒት ኦስካር ተዛሪባ

ጄዳ ፒንኬት ስሚዝ በዓል ቤታ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንኮሜዲያን ክሪስ ሮክ ብጽፍዒት ድሕሪ ምህራሙ ስምዒታ ገሊጻ።

ተዋሳኢት ጄዳ ፒንኬት፡ ኣብ ኢንስተግራም "ሕጂ ናይ ሕውየት ግዜ'ዩ" ክትብል ጽሒፋ።

ብሰንበት በዓል ቤታ ዊል ስሚዝ ኣብ ዓብዪ መድረክ ሽልማት ኦስካር ንብዙሓት ዘዘራረበ ተግባር ከም ዝፈጸመ ይዝከር።

ኮሜዲያን ክሪስ ሮክ ንጄዳ ፒንኬት ዝትንክፍ ዘረባ ከስምዕ እንከሎ፡ ስሚዝ ካብ መንበሩ ተሲኡ ናብቲ መድረኽ ብምኻድ ብጽፍዒት ሃሪሙዎ ነይሩ።

ንሱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ "ጎንጺ መርዛምን ኣዕናውን'ዩ" ብምባል ነቲ ኣብ መድረኽ ብጽፍዒት ንዝሃረሞ ክሪስ ሮክ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ኣብቲ ብሰንበት ለይቲ ዝተኻየደ ሽልማት ኦስካር፡ ዊል ስሚዝ ብብሉጽ ተዋሳኢ ሽልማት ቅድሚ ምውሳዱ'ዩ እዚ ክስተት ኣጋጢሙ።

ክሪስ ሮክ፡ ጸጉራ ንዝተላጸየት ጄዳ ኣልዒሉ ክዋዛ እኳ እንተፈተነ፡ ንሳ ጸጉሪ ዘርግፍ ሕማም ከም ዘለዋ ዝፈልጥ ስሚዝ ግን ብቐልዲ ክሓልፎ ኣይተራእየን።

ጄጃ፡ ዋላ'ውን ብዛዕባ ተግባር በዓል ቤታ ይኹን ምውዛይ ሮክ ዝሃበቶ ርኢይቶ እንተዘይሃለወ፡ "ሕጂ ናይ ሕውየት ግዜ'ዩ ፤ ኣነ'ውን ድልውቲ'የ" ክትብል ግን ኣብ ኢንስተግራም ጽሒፋ።

ክሪስ ሮክ'ውን ድሕሪ እቲ ናይ ሽልማት መድረኽ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።

እንተኾነ ብዙሓት ኮሜዲያዊ ስራሓቱ ንምርኣይ መእተዊ ትኬት ዓዲጎም ኣለው።

ቲክፒክ ዝተባህለ ሓደ ትኬት ክሪስ ሮክ ዝሸይጥ መርበብ ሓበሬታ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ምስ ዝሓለፈ ወርሒ ብምውድዳር ኣብ ሓደ ለይቲ ዝበዝሐ ቲኬት ከም ዝሸጠ ሓቢሩ።

እቲ ኮሜዲያን ሎሚ ኣብ ዝህልዎ መደብ ድማ ዋጋ መእተዊ ቲኬት ካብ 46 ዶላር ናብ 411 ዶላር ሓፍ ከም ዝበለ ተሓቢሩ።

ልዕሊ ፍርቂ ነዚ መደብ ዘዳለዎ ቲኬት ድሕሪ እቲ ሰንበት ምሸት ዝነበረ ፍጻመ ከም ዝተሸጠ ድማ ይግለጽ።

ዊል ስሚዝ፡ ኣብ ፊልም ኪንግ ሪቻርድ ብዘርኣዮ ብቕዓት ናይ መጀመርታ ሽልማት ኦስካር ወሲዱ'ዩ።

እዚ ፊልም ንታሪኽ ኣቦ ከዋኽብቲ ቴኒስ ሰሪናን ቤነስን ዝዝክር ኮይኑ፡ ብሰኑይ ሪቻርድ ዊልያምስ ባዕሉ ንተግባር ስሚዝ ኮኒኑ።