እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንአዘራረቢ ቕትለት ሽጐፋትሶ ፒዩል ንዓርካ ፈሪዱ
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ንመላእ 'ታ ሃገር ኣሰንቢዱ ዝነበረ ጉዳይ ቅትለት ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጓለንስተይቲ፡ ዓርካ ብ'ዝተዋደደ ቅትለት' ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጆሃንስበርግ፡ ቱሱኮ ንቶኮዞ ሾባ፡ ንቕትለት ሽጐፋትሶ ብምውጣንን ንቐታሊ ብምኽፋልን ገበነኛ ምዃኑ ወሲኑ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ እታ ነፍሰጾር ዝነበረት ጓል 28 ዓመት፡ ኣፍልባ ብጥይት ተሃሪሙ'ዩ ሬሳኣ ኣብ ገረብ ተንጠልጢሉ ዝተረኽበ።
እቲ ቕትለት፡ ብፕረሲደንት ሲርል ራማፎሳ ከይተረፈ ሰፊሕ ዝተዀነነ ፍጻመ እዩ ነይሩ።
ንሱ ኣቐዲሙ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቲ "ኣመና ዘይውሑስ ቦታታት ዓለም ንደቀንስትዮ እዩ፡" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ኣብታ፡ 'ቅትለት ደቂኣስንትዮ ብደቂተባዕትዮ' [ፈሚሳይድ] ወሲኽካ ኣብ ዓለም ልዑል መጠን ዓመጽ ካብ ዝዝውተረለን ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሞት ሽጐፋትሶ ንብዙሓት ዘሰንበደ ፍጻመ ነይሩ።
ንቕትለት ፒዩል ብምፍጻም ኣሚኑ፡ ን20 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ዘሎ ሙዚካዪሰ ማለፋነ፡ ኣውራ ወጣኒ 'ቲ ቕትለት ዓርካ ምዃኑ ምስክርነት ሂቡ።
ንሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ብዝሃቦ ቃል መሰረት፡ እታ ጥርጣረ ዘይነበራ ንጽህቲ ፒዩል ናብ ሓደ መራኸቢ ቦታ ንኽትመጽእ ምስዓደማ፡ ሾባ ሓደ ሰብ ቈጺሩ ነይሩ፣ እቲ ቕትለት ዝተፈጸመ ኸኣ ኣብ ካልኣይ ፈተነ እዩ።
ማለፋነ ከም ዝበሎ፡ ሾባ፡ እቲ ንሺጐፋትሶ ዝገጠመ ጥንሲ ብበዓልቲ ቤቱ ምእንቲ ከይፍለጥ እዩ፡ ንኣኣ ክቐትላ ወሲኑ።
ንሱ፡ ነታ ሕጋዊት በዓልቲ ቤቱን ነቲ ብሰንኪ እምነት ምጕዳሉ ክኸፍሎ ዝግባእ ካሕሳን ንኸይከስር ብምስጋእ ኣብዚ ገበን ከም ዝኣተወ ይንገር።
እቲ ናይ 'ፎረክስ' ነጋዳይ ዝዀነ ሾባ፡ ገበነኛ ከምዘይኰነን ብዘይወዓሎ ይውንጀል ከም ዘሎን ንቤት ፍርዲ ኣቤቱታኡ ኣቕሪቡ ነይሩ። ብይን ዝሃበ ማእከላይ ዳኛ ስትዋርት ዊልሰን፡ ኵሎም እቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ መርትዖታት፡ ሾባ ብድሕሪ 'ቲ ገበን ከም ዘሎ ዘረጋገጹ ምዃኖም ገሊጹ።
ሾባ፡ ኣብ ፈለማ ግንቦት ፍርዲ ክወሃቦ እዩ። ስድራቤት ግዳይ፡ 'ፍትሒ ተረጋጊጹ' ብምባል ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ፍርዲ ክጭድሩ፡ ከበኽዩን ክተሓቛቘፉን ተራእዮም። ሽጐፋትሶ፡ ኣብቲ ዝተቐትለትሉ ግዜ ቀዳማይ ቈልዓኣ ክትብኰር'ያ ሃረር ትብል ነይሩ።
ቅትለታ፡ 'ሃሽታግ ፍትሒ ንሽጐ' [#JusticeForTshego] ንዝብል ጎስጓስ ትዊተር ድርኺት ፈጢሩ ነይሩ።
ከም ግብረመልሲ ናይዚ፡ ፕረዚደንት ሲርል ራማፎሳ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝዅንን መግለጺ ሂቡ ነይሩ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ "ዓመጸኛታት ደቂተባዕትዮ፡ ነቲ ዝልቕ ዝበለ ዕጽዋን ገደብ ምንቅስቓስን [ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና]፡ ደቀንስትዮን ቈልዑን ንኸጥቅዑ ናብ ረብሓኦም የውዕልዎ ኣለው፡" ኢሉ።
ብመሰረት መግለጺ 'ቲ ፕረዚደንት፡ 51% ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምስኣተን ዝምድና ብዝጸንሖም ደቂ ተባዕትዮ መጥቃዕቲ ይወርደን።