ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ነበር ኣብ ፓሪስ ተቐቲሉ

ተጻዋታይ ራግቢ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ነበር ፈዴሬኮ ማርቲን ኣራምቡራ ኣብ ፖሪስ ብቀዳም ብዝተተኮሶ ጥይት ተሃሪሙ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።

ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና 22 ግዜ ዝተጻወተ ፈዴሬኮ ማርቲን ኣራምቡራ፡ ኣብ 2007 ፈረንሳ ኣብ ዘአንገደቶ ናይ ራግቢ ዋንጫ ዓለም፡ ኣርጀንቲና ሳልሰይቲ ኮይና ውድድራ ንኽትዛዝም ዓቢ ግደ ከም ዝነበሮ ብዙሓት ይዛረብሉ።

ወዲ 42 ዓመት ፈዴሬኮ ማርቲን ኣራምቡራ፡ ብቀዳም ኣብ ዘምሰየሉ ለይታዊ ትልሂት ምስ ገለ ሰባት ይቋየቕ ከም ዝነበረን፡ እቶም ምስኡ ዝካትዑ ዝነበሩ ሰባት ድሕሪ ደቓይቕ ካብቲ ለይታዊ ትልሂት ብምውጻእ ዳግማይ ብመኪና መጺኢም ቶኲሶም ከም ዝቐተልዎ ጋዜጣታት ፈረንሳ ገሊጸን።

ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ፓሪስ መዝገብ መርመራ ከም ዝኸፈት ክገልጽ እንከሎ፡ ፖሊስ ፓሪስ ነቶም ጥርጡራት ይደልዮም ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣብቲ 'ስታድ ዴ ፍራንስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስታድዮም ራግቢ ትማሊ ሃገራውያን ጋንታታት እንግሊዝን ፈረንሳን ኣብ ዘካየደኦ ጸወታ ራግቢ፡ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ዝኽረ ፈዴሬኮ ማርቲን ኣራምቡራ ከም ዝተኻየደን ምስሊ እቲ ተጻዋታይ ኣብ ዓበይቲ ስክሪናት ናይቲ ስታድዮም ከም ዝተራኣየን'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ምስ ማርቲን ኣራምቡራ ዝተጻወተ ዲሚትሪ ያችቪሉ "ኣብ ጸወታ ራግቢ ዓቢ ፍቕሪ ዝነበሮ ሰብ ከሲርና' ኢሉ።

ዲሚትሪ ያችቪሉ "ማርቲን ኣራምቡራ፡ ኩሉ ግዜ ቅኑዕ፡ ንቁሑን ዓቢ ክእለት ዝነበሮን እዩ ነይሩ" ብምባል ይገልጾ።

ኣራምቡራ ኣብ 2010 ናብ ክለብ ግላስኮው ዋሪሰን ቅድሚ ምጽንባሩ፡ ምስ ፈረንሳውያን ክለባት ፐርፒግናን፡ ቢያርትዝን ዳክስን ይጻወት ነይሩ'ዩ።