እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዓፋር ብዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ዓሰርተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ኵናት ተጋዲዱ ይቕጽል ኣብ ዘለሉ እዋን ነባሪ ክልል ዓፋር ዝኾነ ኣቶ ሆሞ ኢብራሂም ቅድሚ መዓልታት ብዝተፈጸመ ናይ ከቢድ ብረት መጥቃዕቲ በዓልቲ ቤቱን ሓሙሽተ ደቁን ብምስኣኑ ኣብ ዓሚዩቕ ሓዘን ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ለካቲት 8 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ምሸት ተፈጺሙ ብዝተብሃለ ናይ ከቢድ መሳርሒ መጥቃዕቲ ዓሰርተ ናይ ሓደ ስድራቤት ኣባላት ከምዝተቐተሉን ካልኦት 13 ሰባት ከኣ ናይ መጉዳእቲ ሓደጋ ከምዝወረዶም ካብቲ ከባቢ ዝመጽኡ ሰባትን ወለንታውያንን ንቢቢሲ ገሊጾም።
ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዓሰርቲ ኣባላት ስድርኡ ዝተቐተልዎ ኣቶ ሁሞ ምስ ስድርኡ ኣብ ኣብ ዓፋር ኣዳ ኣብ ዝተብሃለት ንእሽተይ ከተማ እዩ ዝነብር ነይሩ።
እታ ከተማ ካብ በራሕለ ናይ 15 ኪሎ ሜትር ራሕቒ ከምእትርከብ መቕርብ ኣቶ ሁሞ ዝኾነ ነባሪ ከተማ ሰመራ ኣቶ ያሲን ከድር ንቢቢሲ ዝሓበረ ኮይኑ ቤተሰብ ብምልኡ ብከቢድ ሓዘን ተዋሒጡ ከምዝርከብ ተዛሪቡ።
ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ደቆም ሒዞም ዝሃድሙ ዝነበሩ ኣባላት እታ ስድራ ሓሙሽተ ቆልዑት፣ ኣዶ፣ እኖሓጎ፣ ኣኮን ክልተ ደቂ ኣሞን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።
መራሒ ናይታ ስድራ ዝኾነ ኣቶ ሁሞ ኣቐዲሙ ሃዲሙ ስለዝነበረ ካብቲ መጥቃዕቲ ከምዝድሓነ ዝተገለጸ ኮይኑ እንተኾነ ግን በቲ ዘጋጠሞ ከቢድ ሓዘን ምኽንያት ክጸሮ ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ከምዝርከብ ተገሊጹ።
ቢቢሲ ንኣቶ ሁሞ ከዘራርቦ ደልዩ’ኳ እንተነበረ በቲ ዘጋጠሞ ሓዘን ምኽንያት ከዋግዐና ከምዘይኽእል ኣባላት ስድርኡ ሓቢሮሙና።
ኣብቲ ከባቢ ሕጂ’ውን እንተኾነ ጽዕጹዕ ኵናት ይቕጽል ስለዘሎ ናይ ቴሌፎን ኮነ መጓዓዝያ ኣጎልግሎት ብዘይምህላዉ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት መርድእ ንጽባሒቱ’ዩ ተሰሚዑ።
ሓበሬታ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ሓደጋ ካብ ዝተረፉ ሰባትን ተመዛበልትን ከምዝተረኸበ ዝገለጸ ኣቶ ያሲን ብሰንኪ እቲ ሓደጋ 13 ሰባት ጉድኣት ከምዘጋጠሞምን እቶም ከቢድ መቑሰልቲ ዘጋጠሞም ድማ ኣብ ሆስፒታል ዱብቲ ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ከባቢ ናይ ኵናት መስመር ከምዝኾነ ዝገለጸ ኣቶ ያሲን እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ “እዞም ስድራቤትን ካልኦት ነበርቲ እቲ ከባብን ካብ በራሕለ ዶዶም ተባሂሉ ናብ ዝፍለጥ በረኻ ይሃድሙ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ’ዩ” ኢሉ።
እቲ መጥቃዕቲ ካብ መንበሪ ገዛውቶም ኣስታት 5 ኪሎ ሜትር ምስተጉዓዙ ዓላ ካብ ዝተብሃለ ሩባ ውጽእ ኢልካ’ዩ ተፈጺሙዎም።
“እቲ መጥቃዕቲ ናይ ከቢድ መሳርሒ ስለዝኾነ ብሓንሳብ እዮም ሃሊቖም፤ ካብ መንጎ እቶም ዝቖሰሉ ኢድን እግርን ዝሰኣኑ ኣለዉ” ዝበለ ኣቶ ያሲን እቶም ዝሞቱ ኣብቲ ዝሞትሉ ከባቢ ከምዝተቐበሩ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ዝሰፍሐ ኵናት ንዝተወሰነ ግዜ ህድእ ኢሉ’ኳ እንተነበረ ካብ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ግን ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት ዓፋርን ትግራይን ከምዝቐጸለ ይፍለጥ።
እቲ ኵናት “ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ፈጺሞሙልና” ብዝብል ምኽንያት ብከበድቲ ናይ ኵናት መሳርሒ እንከይተረፈ ተሓጊዙ ይቕጽል ከምዘሎ ነበርትን ሰበ ስልጣናት እቲ ከባብን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ሰርዶ ተቖጻጺርካ መስመር ኢትዮ ጁቡቲ ንምብታኽ ዝዓለመ እዩ ክብል ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
ሓይልታት ትግራይ ሓሙሽተ ወረዳታት ዓፋር ከምዝተቖጻጸሩ ዝገለጹ ሰበ ስልጣናት ዓፋር ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ሓቢሮም።
ንተመዛበልቲ ኣብ ምትሕብባር ዝርከብ ወለንታዊ ሳድቅ በድሩ እቲ ኵናት ሓዪሉ ከምዝቐጸለን ቁጽሪ ተመዛበልቲ ይውስኽ ከምዘሎን ገሊጹ።
ካብቶም ተመዛበልቲ ብዘይ ዝኾነ ሕክምናዊ ረድኤት ኣብ በረኻ ዝሓረሳ ኣደታት ከምዘለዋን ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ከምዝርከቡ ሳድቅ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሓይልታት ትግራይ ካብ ሓይልታት ዓፋር ተፈጺሙና’ዩ ብዝበልዎ መጥቃዕቲ ምኽንያት ኣብ ልዕሊኦም ሕይል ዝበለ ስጉምቲ ከምዝወሰዱን ገለ ከባቢታት ከምዝተቖጻጸሩን ኣፍሊጦም ነይሮም።
እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ጥራይ ይካየድ ብምህላዉን ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ይሳተፍ ስለዘየሎን ናይ ሓይሊ ዘይምምጥጣን ከምዝተርኣየ ዝገለጹ ነበርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ መጥቃዕቲ ይፍጸም ከምዘሎ ሓቢሮም።
መንግስቲ ፌደራል ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝበሎ ነገር’ኳ እንተዘየሎ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ግን ካብ ህወሓት ንዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ግቡእ ስግሙቲ ክውሰድ ከምዝኾነ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።